ኣመሪካ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኣዛዚት ሓይሊ ባሕሪ ሸይማ

ሰነት ኣመሪካ ኣድሚራል ሊዛ ፍራንቸቲ ንሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክትመርሕ ብድምጺ ኣጽዲቝ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ስርሒታት ባሕሪ ኰይና ክትመርሕ ዝተሓረየት ሊዛ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ዝመርሕ ላዕለዋይ ጥሙር ጕጅለ ዝተጸንበረት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ።

ኣብ መሪሕነት ሰራዊት ኣመሪካ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ ሰነት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ 95 ን ሓደ ብዝዀነ ውጽኢት ነቲ ሽመት ኣጽዲቝ።

ሓደ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ኣመሪካ ዝቃወም ኣባል ሪፐብሊካን ግን ነቲ ወተሃደራዊ ሽመት ንምዕጋት ክፍትን ጸኒሑ።

እታ ጓል 38 ዓመት ገዲም ኣባል ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓላፊት 6ይ ጭፍራ መራኽብ ኣመሪካ፡ ኣዛዚት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ከምኡ ድማ ኣዛዚት መራኽብ ተሰከምቲ ነፈርትን ኰይና ኣገልጊላ።

ኣድሚራል ሊዛ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ መሪሕነት ድሕሪ ምምዛዛ፡ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ንምምራሕ ዝበቕዐት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ኣላ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ኣድሚራል ሊንዳ ፌጋን ብዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ እዩ ዝምራሕ፤ ኮይኑ ግና እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክፍሊ ጸጥታ ውሽጢ ዓዲ እምበር ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣይኮነን።

ካልኦት ክልፍታት መሪሕነት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ እውን ብሰናተራት ክታሓዙ ተገይሩ።

ንኣላባማ ዝወከለ ኣባል ሪፐብሊካን ሰናተር ቶሚ ቱበርቪል፡ ኣብቲ ብዲሞክራት ዝዕብለል ሰኔት፡ ናብ ካልእ ግዝኣት ተጓዒዘን ጥንሲ ናይ ዝሰዳ ወታሃደራት ወጻኢታት ዝሽፍን ሕጊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ብምቅዋም ኣስታት 400 ወታሃደራዊ ሽመታት ክዓግት ጸኒሑ።

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን፡ ሓላፍነት ዝተወሰኑ ሰባት በቲ ሰነት ምጽዳቑ ከምዘሐጐሶ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ሽመት ኣብ ምሃብ ዘጋጠመ ምድንጓይ “ወተሃደራዊ ምድላዋትና ጐዲኡ” ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ጸሓፊ ዛጊት ናይ 370 ሓለፍቲ ሽመት ከምዝደንጐየ ገሊጹ።