ሱዳን፡ ጀነራል ቡርሃን ሰራዊቱ ድሕሪ ዘጋጠሞ ስዕረታት ንወተሃደራቱ ከተባብዕ ተራእዩ

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብዚ ቀረባ እዋን ክሳራታት ንዘጋጠሞም ሓይልታቱ ከተባብዕ ተራእዩ።

እቲ ጀነራል ናብ ክልተ ኣብ ውሽጢ ርእሰከተማ ካርቱምን ኡምዱርማንን ዝከቡ ስትራተጂካዊ መዓስከራት ብምኻድ ምስ ወተሃደራቱ ተራኺቡ።

መንግስታዊ ተለቪዢን ሱዳን ከምዘቃላሓቶ፡ እቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾነ ጀነራል፡ ትማሊ ሰሉስ'ዩ ናብ መዓስከራት ዋዲ ሴድናን ካራሪን በጺሑ።

ብተቐናቓኒኡ ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ካብ 26 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ዳርፉ ዝርከቡ ሰለስተ መዓስከራት ሰራዊት ሱዳን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም ነይሮም። ኣብቲ መዓስከርን ካርቱምን ዝነበሩ ኣማኢት ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ናብኦም ከምዝሰለሙ'ውን እቶም ሓይልታት ገሊጾም።

ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝርከብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሮም ነይሮም።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ግን እቲ ሓይልታት ሕመድቲ ተጓናጺፍናዮ ዝብልዎ ዘለዉ ዓወታት ኣብ ቅድሚ ወተሃደራቱ ከቆናጽቦ ተሰሚዑ።

ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ እዋን መጥቃዕቲ ምቕጻሎም ዝነቐፈ እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ሰራዊቱ "ቃልሱ ክቕጽል" ምዃኑ ገሊጹ።

ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ካብታ ርእሰከተማ ደቡብ ዳርፉር ዝኾነት ኒያላ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ክስሕብ ከምዝተገደደ እቲ ሰራዊት ገሊጹ ነይሩ። ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ግን ተዋጊኦም ከምዝሓዙዋ'ዮም ዝገልጹ።

እቲ ኣብ ጀዳ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ንክዕወት ክሰርሕ ምዃኑ ግን ጀነራል ቡርሃን ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣመሪካ፤ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከም መንጎኛታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ዝተፈተነ ስምምዓት ምቁራጽ ተጻብኦታት ብተደጋጋሚ ብምፍራሱ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክፍላ ሚያዝያ ዝተወልዐ ኲናት-ሓድሕድ፡ ልዕሊ 9000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ።