እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣኒያ ዝቕጽል ሰሙን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምስጓግ ክትጅምር'ያ
መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምገጓግ ከም ዝጅምር ቢቢሲ ዝበጽሖ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ብመሰረት እቲ "ሓደ ክኣቱ፡ ካልእ ይወጽእ" ዝብል ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳ ዝገበረቶ ሓድሽ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስምምዕ ዝትግበር ፈተነ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮንን ኣብ ወርሒ ሓምለ ነዚ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ዶቨር ተኣሲሮም ከም ዝነበሩን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ድማ ኣብዚ ሰሙን "ኣብ ቀረባ እዋን" ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ትጽቢት ከም ዝግበርን ገሊጻ።
ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ናብ ፈረንሳ ክስጐጕ እዮም ዝብል ወግዓዊ ናይ ምእላይ መምርሒ ከም ዝተዋህበ ተፈሊጡ ኣሎ።
ፈረንሳ ድማ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ማዕረ ቁጽሪ ናይቶም ክሰግሩ ዘይፈተኑን ምጽራይ ድሕነትን ብቕዓትን ክሓልፉ ዝኽእሉ ሓተቲ ዑቕባ ክትቅበል እያ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተገብረ መደብ፡ ስታርመር እቲ ውጥን "ፍርያት ኣዋርሕ ዝወሰደ ዲፕሎማሲ፡" ምዃኑን፡ እዚ ድማ "ሓቀኛ ውጽኢት ከም ዘምጽእን" ገሊጹ።
ዓቃባውያን ሓዊሱ ነቐፍቲ፡ እቲ ፖሊሲ "ዘይሰርሕን ንምዝመዛ ክፉትን፡" ክኸውን'ዩ ይብሉ።
ብተወሳኺ ኣባላት ባይቶ ብሰኑይ ንሓዳስ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ሕቶታት ከቕርቡ ዕድል ከም ዝረኽቡ ተገሊጹ።
ክሳብ 13 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ 2025 31,027 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ብመትረብ ኢንግሊዝ ናብ ብሪጣኒያ ኣትዮም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ 22,440 ሰባት ወሲኹ ተራእዩ ኣሎ።
ፈረንሳ ብመሰረት እቲ ብ4 ነሓሰ ዝተሓትመ ሓድሽ ውዕል፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ተሰሓበ ወይ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ምስ ተገለጸ፡ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ጕዕዞ ዝገብሩ ኣባጽሕ ወይ ኣላዪ ዘለዎም ቈልዑ ክትመልሶም ተሰማሚዓ።
ክልቲአን ሃገራት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዋ ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ድሕሪ ምእታወን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ምስግጋር ምልውዋጥ ስደተኛታት ክገብራ ተሰማሚዐን።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ነበር ይቨት ኩፐር፡ እቲ ውጥን ፈተነ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ኣስሚራትሉ ነይራ።
መንግስቲ፡ ሰባት ብመሰረት እቲ ውዕል ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምጻእ ብኸመይ ከም ዘመልክቱ ዝርዝር ሓበሬታ ሓቲሙ ኣሎ።
ዕዉታት ኣመልከትቲ ኣብ መጀመርታ ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምምጻእ መሰል ክወሃቦም እዩ፤ እዚ ድማ "ጻንሖቶም ከመይ ጌሮም ስሩዕ ከም ዝገብሩ ንምርኣይ" ከም ዝሕግዞም የመልክት።
ኣመልከትቲ ብኢንተርነት ከመልክቱ እዮም - ግን ካብ ውሽጢ ፈረንሳ ናብቲ ዘመልክቱሉ ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንኽልቲኦም እቶም ናብ ፈረንሳ እትሰዶም ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ነቶም ብመቕጻዕቲ እትቕበሎም ስደተኛታት፡ ወጻኢታት መጓዓዝያ ክትከፍል ተሰማሚዓ ኣላ።
እዚ ፖሊሲ፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ሰልፊ ዕዮ፡ ካብ ፈረንሳ ዝመጽኣ መሳገሪታት ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ንምባል ዝገብሮም ዘለው ብርክት ዝበሉ ስጕምትታት እቲ ሓደ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ መራሕቲ ጕጅለታትን ኣቕረብቲ ንኣሽቱ ጀላቡን ዝርከብዎም 25 ሰባት ንብረቶም ደስኪሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይገሹ ከም ዝተኣገዱ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ተወሳኺ 300 ሰብ መዚ ሃገራዊ ትካል ገበን፡ ነቶም ነቲ መሳገሪታት ዘዳልዉ ኣስገርቲ ሰባት ዒላማ ክገብሩ እዮም።
ሓድሽ ኣካል ትእዛዝ ድሕነት ዶብ ድማ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጒዳያት፡ ፖሊስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ትካላት ስለያን ብቐረባ ክሰርሕ እዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ፈረንሳ ንዝተዋፈሩ ተወሰኽቲ ሓለዋ ንፈረንሳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣስታት 500 ሚልዮን ፓውንድ እያ ትኸፍል።