እስማዒል ዑመር ገለ፡ ንሻድሻይ ግዜ ክወዳደር ዝሸባሸብ ዘሎ 77 ዝዕድመኡ መራሒ

ፕረዚደንት ጅቡቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ንሻድሻይ ግዜ ዝወዳደር ሕጹይ ኰይኑ ቀሪቡ።

እቲ ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ 77 ዘድመኡ መራሒ፡ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ገዛኢ ሰልፊ ፖፑላር ራሊ ፎር ፕሮግረስ (RPP) እዩ፡ ሕጹይ ኰይኑ ቀሪቡ ዘሎ።

እስማዒል ዑመር ገለ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ንውሳነ እቲ ጉባኤ ብኽብሪ ከም ዝተቐበሎን፡"ኣብዚ ኣብ እዋን ዓለማዊ ብድሆታት፡ ንሓድነት፡ ምርግጋእን ምዕባለን ዘለዎ ተወፋይነት፡" ደጊሙ ከረጋግጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ጅቡቲ፡ ንሕጹያት ፕረዚደንት ዝምልከት ሕገ-መንግስታዊ ገደብ-ዕድመ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ካብ ዘለዉ ዜጋታት ሓያል ግብረ-መልሲ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ገለ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ 2026 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

"ቅዋም ከመሓይሽ ኣይደልን። በቃ ግዜይ ኣብቂዑ እዩ፤ ኣይፋል! ደጊም ስልጣን ከረክብ ኣለኒ፡" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መስከረም ናብ ተቓወምቲ ዝተፀንበረ፡ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጉለ ነበር፡ ኣሌክሲስ መሓመድ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ውሳነ ኣትሪሩ ተቓዊሙ።

"ብዅሉ ዝፈሸለ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ዕልዋ መንግስቲ ዘመኽንየሉ ነገር የሎን። እቶም ልዕሊ ኵሉ ናቱ ምርጫ እምበር ድምጺ ህዝቢ ዘይኰኑ ኣባላት ባይቶ ድማ ነዚ ብኣብዝሓ ድምጺ ምጽዳቖም፡ ምስ ህዝቢ ጅቡትን ምስ ታሪኻን ክገጥሙ ክግደዱ እዮም፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ብንጹር ግን ፈትዩ ጸሊኡ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ። እታ ሪፓብሊክ ድሕሪ ናይ ዓመታት ፍጹም ምልክነት፡ዕረፍቲ ከድልያ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ 1977 ናጽነታ ክሳብ እትርከብ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበረት ጅቡቲ፡ ኣብዚ ብዂናትን ጽጥታዊ ጸገማተን ዝተሓመሰ ዞባ፡ ተዛማዲ ህድኣት ዘለዋ ሃገር ኰይና ዓይኒ ሓያላን ሃገራት ድማ ትስሕብ።

ብዙሓት ወተሃደራዊ መዓስከራት ወጻኢ እተእንግድ ጅቡቲ፡ ካብዚኦም መዓስከራት ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ይርከብዎም።