ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣብ ዞባውን ከባብያውን ምርጫታት ተዓዊቱ

ዑስማን ሰይድዓብደላ

ምንጪ ስእሊ, Osman Saidabdala

ንሰልፊ 'ሶሻል ደሞክራትስ' ብምውካል ኣብ ዞባዊ ምርጫ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ-ስዊድና ተዓዊቱ።

ዑስማን ሰይድዓብደላ፡ ንዞባ 'ቫስተርኖርላንድ' (Västernorrland) ብምውካል'ዩ ተወዳዲሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ክራምፎርስ (Kramfors) ተወዳዲሩ ከምዝተዓወተ'ውን ዑስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ መንሰይ ፖለቲከኛ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ከምዘገልግል ብምጥቃስ፡ ንደገፍቱ ዘለዎ ምስጋና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።

"ኣብ ዞባን ከምኡ ውን ኣብ ኮሙን ድምጽኹም ብምሃብ ንዝገበርኩምለይ ደገፍ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን፣ ኣዝየ ድማ የመስግነኩም። ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንሶሻል ዲሞክራትስ ኣብ ዞባ Västernorrland ንኮሙን ወኪል ከም ፖለቲከኛ ኮይነ ክሰርሕ እየ።

"ንዓይ ትርጉም ፖለቲካ ሓቢርካ ምስራሕ ስለዝኾነ ምስ ናይ ሰልፊ ብጾተይ ብምትሕብባር ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ንምዕዋት ንዝሓሸ ኮሙንን ዞባን ሽወደንን ብምፍጣር ካብ መረጽቲ ዝያዳ እምነት ንምርካብ ክንቃለስ ኢና" ኢሉ።

ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ድማ፡ ንፓርላማንታዊ መንበር ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ እንተዘይተዓወተ'ኳ ካብቶም ሓሙሽተ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸቡ ክኸውን በቒዑ ነይሩ'ዩ። እቶም ኣርባዕተ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኣባላት ባይቶ ከምዝኾኑ ዑስማን ተዛሪቡ።

ዑስማን ሰይድዓብደላ

ምንጪ ስእሊ, Osman Saidabdala

መግለጺ ስእሊ, ዑስማን ንፓርላመንታዊ መንባር'ውን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ነይሩ'ዩ

እቲ ኣካል ፖለቲካ ስዊድን ክኸውን ወጢኑ ተላዒሉ ዘሎ ዑስማን፡ ኣባል ክልተ ባይቶታት (ዞባዊን ከባብያዊን) ኮይኑ ከገልግል'ዩ።

ኣብታ ሃገር ከም ብዓል ኣርሀ ሓመድናካን ሙሴ ኤፍረምን ዝበሉ ሓያሎ ካብ ኤርትራ ዝተወለዱ ስዊድናውያን፡ ኣባላት ፓርላማን ባይቶታትን ኣመሓደርቲ ከተማታትን ክኾኑ ምብቅዖም ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት'ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣባልነት ባይቶታት ክወዳደሩን ክዕወቱን ጸኒሖም'ዮም።

ስዊድን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ምዃና ይግለጽ።