ኣርጀንቲና ትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ንዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ከእንግዳ ሕቶ ኣቕሪበን

ኣርጀንቲና፣ ቺለ፣ ፓራጓይን ኡራጓዓይን ብሓባር ኮይነን ንዋንጫ ዓለም 2030 ንኸአንግዳ ናብ ፊፋ ወግዓዊ ሕቶ ኣቐሪበን።

ዋንጫ ዓለም 1930 ኣብ ኡራጓይ ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ 2030 ክካየድ ከሎ ድማ መበል 100 ዓመቱ ክጽንብል’ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ’የን እዘን ኣርባዕተ ሃገራት “ዋንጫ ዓለም ኣብ መበል 100 ዓመቱ ናብቲ ዝተወለደሉ ክምለስ ኣለዎ” ብምባል ምጉት ኣቕሪበን ዘለዋ።

እንተኾነ ስጳኛን ፖርትጓልን ብሓባር ኮይነን ከምኡ ኸኣ ስዑድያን ሞሮኮን’ውን ብተመሳሳሊ ንዋንጫ ዓለም 2030 ንምእንጋድ ሕቶ ኣቕሪበን ስለዘለዋ እቲ ውሳነ ንፊፋ ዝግደፍ ይኸውን።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፤ ካናዳን ሜክሲኮን ንዋንጫ ዓለም 2026 ብሓባር ከአንግድኦ’የን።

ፕረዚደንት ፈደርሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣለክጃንድሮ ዶሚኒገዝ “ዋንጫ ዓለም 2030 ከም ካልኦት ዋንጫ ዓለም ኣይኮነን። መበል 100 ዓመት ዝመልኣሉ ዓመት’ዩ እዚ ኸኣ ክጽንበል ዝግበኦ’ዩ፡ ክጽንበል እንተኾይኑ ኸኣ ኣብቲ ዝተጀመረሉ ክኸውን’ዩ ዘለዎ” ኢሉ።

ብምስዓብ “ፊፋ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ከእቱ ግዴታ ኣለዎ። ነቶም ናይ መጀመርታ ዋንጫ ዓለም ዝፈለሙን ዘአንገዱን ጻዕሮምን ዓወቶምን ክጽንብሉ ዕድል ክህቦም ኢና ንምሕጸን” ኢሉ።

ክልተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ዝተዓወተትሉ ኡራጓይ እታ ቀዳመይቲ ዝዓተረታ ዋንጫ ኣብ 1930 ኣብ ሃገራ ዝአንገደቶ ፈላማይ ዋንጫ ዓለም’ዩ ነይሩ።

እታ ኣብ 1978 ንዋንጫ ዓለም ዘአንግደት ኣርጀንቲና ኣብ 2022 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ዝወሰደታ ዋንጫ መበል ሳልሰይታ’ያ ነይራ።

ቺለ’ውን ኣብ 1962 ንዋንጫ ዓለም ኣአንጊዳ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ክላውድዮ ታፕያ “ከም ተዓወትቲ ዋንጫ ዓለም መጠን ነዚ ተበግሶ ወሲድናዮ ኣለና። እዚ ኸኣ ሕልሚ ናይ ኩሉ ደቡብ ኣሜሪካ’ዩ። መበል ሚኢቲ ዓመት ምጅማር ዋንጫ ዓለም ስለዝኾነ ጥራይ ግን ኣይኮነን ኣብዛ ኣህጉር ኵዕሶ እግሪ ህይወት’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ኣልቤርቶ ፈርናንደዝ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ መዳውብቲ ኣርጀንቲና ዝኾነት ቦሊቭያ’ውን ሓሙሽይቲ ኮይና ክትጽንበረን ሕቶ ክቐርበላ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።