እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ናይ ግዜ ውድድር ብሩር መዳልያ ወሲዳ
ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኣልጀርያ ተኸቲላ ካልኣይቲ ብምውጻእ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና።
ኣብቲ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኣልጀርያ፣ ርዋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ሞሪሽየስ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኢትዮጵያ፣ ጋናን ዙምባው’የን ተወዳዲረን።
ንኤርትራ ተኸቲላ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ተሸላሚት ነሓስ መዳልያ ክትከውን እንከላ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መበል ሻውዓይቲ ወጺኣ።
እቲ ውድድር 36 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ብሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፣ ናሆም ዘርኣይን ሚልክያስ ቅዱስን ዝተወከለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ነቲ ዝተመደባላ 36 ኪሎሜተሮ፡ ካብታ ንውድድራ ብ44 ደቒቕን 55 ካልኢትን ዝዛዘመት ኣልጀርያ 20 ካልኢት ድሒራ ብምእታው ንውድድራ ብ45 ደቒቕን 15 ካልኢትን ዛዚማ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጁንየር ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ኣብቲ ውድድር በይና ብምስታፍ ብዘይ ተቓጻጺ ተሸላሚት ወርቒ መዳልያ ኮይና።
ኣብ ናይ ሲንየር ደቂ ኣንስትዮ ሃገራውያን ጋንታታት ሞርሽየስ፡ ናሚብያን ርዋንዳን ተኸታቲለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ወርቂ፣ ብሩርን ነሓስን ኮይነን።
ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ሳልሳይቲ ወርቂ ዝረኸበትሉ ውድድር’ዩ ነይሩ።
ንኣልጀርያ ተኸቲለን ሞሮኮን ሞሪሽየስን ካልኣይትን ሳልሰይትን ብምውጻእ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ተሸሊመን።
ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ሰለስተ ወርቂ መዳልያታት ብምርካብ ጸብለል ኢላ ውዒላ።
ኣብቲ ትማሊ ዝጀመረ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ኢሊት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ’ያ ተወዳዲራ።
ሎሚ ናይ ኢሊት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ ኸኣ ናይ ጁንየር ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ክህሉ’ዩ።
እዛ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን እትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ናትናኤል ብርሃን፣ ሜሮን ተሾመ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፣ ኤፍሬም ገብረህይወት፣ ናሆም ዘርኣይ፣ ሚልክያስ ቅዱስን ዩኤል ሃብትኣብን ሒዛ’ያ ናብ ጋና ትርከብ።
ኣብ ዙር ጋቦን ጽቡቕ ተሃላላኽነት ዘርኣየት እዛ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ናይ ጋንታን ውልቅን ናይ ግዜ ውድድር ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ‘ሚክስድ ሪለይ’ ክትወዳደር እያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርምኣልሸኽ ኣብ ዝተኻደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንዝበዝሐ እቲ መዳልያታት ከምዝተዓወተትሉ ዝዝከር’ዩ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ ዓበይቲ ሸሞንተ ግዜ ቻምፕዮን ብምዃን ጸብለል ክብሉ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2011ን 2012ን፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2013ን 2016ን ከክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃን ዘውዲ ደፊኦም።
ዳንኤል ተኽለሃያማኖት፣ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፣ መኽሰብ ደበሳይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን እቶም ካልኦት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኾኑ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እዮም።
እዛ ናብ ጋና ተጓዒዛ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ማእከላ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ሓቊፋ ትርከብ።
እታ ጋንታ፡ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር’ውን ካብ 2010 ጀሚራ ክሳብ 2019 ብተኸታታሊ ኣብቲ ዝተሳተፈቶ ትሽዓት ውድድራት፡ ትሽዓት ግዜ ወርቂ መዳልያ ክትሽለም እንከላ፡ ኣብ 2021 ቦኺራ፡ ኣብ 2022 ናብቲ ውድድር ብምምላስ ወርቒ መዳልያ ብምውሳድ ዝቐልጠፈት ጋንታ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ’ያ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ
2010፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ
2011፡ ናትናኤል ብርሃነ ፡ ተስፋይ ኣብርሃ ካልኣይ
2012፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ ሳልሳይ
2013፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ
2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ
2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ መክሰብ ደበሳይ ሳልሳይ
2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት ሜሮን ኣብርሃም ካልኣይ
2018፡ ኣምንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ መትከል እዮብ ካልኣይ
2019፡ መኽሰብ ደበሳይ
2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን
2022፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን