ናሕሲ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ፡ 10 ምእመናን ሞይቶም፡ 20 ድማ ተዓጽዮም ኣለዉ

ዝፈረሰ ቤተክርስትያን

ኣብ ሜክሲኮ ናሕሲ ሓደ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ 10 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 20 ካልኦት ድማ ተዓጽዮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ናሕሲ ቤተክርስትያን ሳንታ ክሩዝ ሲዩዳድ ማዴሮ ድሕሪ ምፍራሱ፡ 49 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሓቢረን።

ፖሊስ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ግዝኣት ታማውሊፓስ፡ እቲ ምፍራስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ውሽጢ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከምዝሓበራኦ፡ እቶም ኣመንቲ ስርዓተ ጥምቀት እዮም ዝከታተሉ ነይሮም።

ካብቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ከምዝርከቡን ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ከምዘሎን ይዝረብ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ሰባት ኣብ ዙርያ እቲ ፍርስራስ ተጨናኒቘም፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም ዘለዉ ሰባት ብተስፋ ምቝራጽ እናደለዩ፡ እቲ ህንጻ ቤተክርስትያን ዑና ኰይኑ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ፍራንክ ኮንትረራስ ንመደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምፍራስ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህሞት ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

“ኣብታ ቤተክርስትያን ኣስታት ሚእቲ ሰባት ነይሮም፡ ሰባት ድማ ቁርባን ክወስዱ ደው ኢሎም ተሰሪዖም ነይሮም። ብርግጽ እዚ ዓይነት ፍጻመ ዝለዓለ ናይቲ ካቶሊካዊ ቅዳሰ'ዩ። ሽዑ እዩ እቲ ናሕሲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ ብመሰረት ሰበስልጣን ቀይሕ መስቀል፡ እቲ ናሕሲ ኣብቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከቡ መናብር ስለዝወረደ፡ ኣብኡ ዝተዓጽወ ሰብ ኣብ ትሕቲ ወናብር ብህይወት ክጸንሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሰባት ነቲ ፍርስራስ ንምእላይ ገለ መሳርሒታት ሒዞም ክመጽኡ ተራእዮም።

ድሒሮም ዝወጹ ሓበሬታታት ከምዘመልክትዎ፡ ድሕሪ እቲ ብሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ሓደጋ ኣብቲ ቦታ ክንቀሳቐሳ ተራእየን።

ንሕክምናን ህይወት ንምድሓንን ንዝወፈሩን ንምሕጋዝ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ጻውዒት ተገይሩ።

ሰብመዚ፡ ኣብቲ ቦታ ዝተኣከቡ ሰባት ጸጥ ክብሉ ይሓቱ ከምዘለውን፡ ኣብ ውሽጢ ተዓጽዩ ዘሎ ሰብ ሓገዝ ዝጽውዕ እንተዀይኑ ክሰምዑ ይጸናጸኑ ከምዘለውን ተሓቢሩ።

ጳጳስ ሃገረ ስብከት እቲ ከባቢ፡ ጆሴ ኣርማንዶ ኣልቫረዝ ካኖ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ናብቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፡ "ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ዘለዉ ንምድሓነ" ጻዕሪ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጾም።

"ከቢድ ግዜ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ጎይታ ይሓግዝኩም" ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።