እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ቃዛ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚራ፤ ኣስታት 70 ነበርቲ ተቐቲሎም
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ከባቢታት መዓስከር ስደተኛታት ቡሬጅን ኣብ ማእከላይ ቃዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ደይር ኣልባላን፡ ወተሃሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ዝገለፀ ዀይኑ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር ዝድገፉ ወተሃደራት ኣንጻር "ኣብ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ዝርከቡ ኣሸበርትን ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያንን" መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ገሊጹ።
ነበርቲ ጽዑቕ ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ገሊፆም፡ ትካል ግብረ ሰናይ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ድማ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ - ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም- ብውሕዱ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ፡ ብዙሓት ከኣ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንጐኛታት ኣመሪካ፣ ግብጽን ቀጠርን ኣብ ዶሓን ካይሮን ተራኺቦም፡ ሓድሽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆን ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን’ዩ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዕላዊ ዝተገብረ ‘እማመ እስራኤል’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ገና ካብ ሓማስ መልሲ ትጽበ ከምዘላ ብሰሉስ ገሊጻ።
ካብቶም ቀንዲ ኣሸማገልቲ ዝዀነት ቀጠር፡ ነቲ ውጥን ንወከልቲ ሓማስ ከምዘብጽሐቶ ብምግላጽ፡ ገና ካብ መንግስቲ እስራኤል’ውን ንጹር መርገጺ ትጽበ ከምዘላ ኣመልኪታ።
ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘለቒ ምቁራፅ ተፃብኦታትን፡ እስራኤል ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ቃዛ ምውጻእን ዝተመርኮሰ እማመ፡ "ብዕቱብን ብእወንታውን" ክሕዞ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብወገኑ፡ ሓማስ ከይተደምሰሰን እቶም ሒዞሞም ዘለዉ ጅሆታት ቅድሚ ምፍታሖምን፡ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይሰማማዕ ኣነጺሩ።
እስራኤል፡ ነቲ ጉጅለ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ኣብ ቃዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምጅማራ ዝዝከር እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቃዛ ብውሕዱ 36,580 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።
ሓደ ነባራይ ቡሬይጅ፡ ንመደብ ቃዛ ቱደይ ቢቢሲ ዓረብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትማሊ ሰሉስ ደብዳብ እስራኤል እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስድርኡ ሒዙ ካብቲ መዓስከር ከምዝሃደሙ ገሊጹ።
“ብኹሉ ሸነኽ ዝተፈነወ መጥቃዕታት፣ ኣብ ኣባይቲ ዜጋታት፣ ኣብ ጎደናታት... ብምዕላቡ፣ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ክቕተሉ ምኽንያት ኮይኑ።”
ወሲኹ ድማ፡ "እቲ ኩነታት ብሓፈሻ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ህይወትናን ህይወት ደቅናን ንምዕቃብ ኢና ካብ ገዛና ወጺእና” ኢሉ።
ሓንቲ መንእሰይ፡ “ንጣራት ኣብ ገዛናን ኣብ ገለ ካብቲ ኣብ ህንጻና ዝርከብ መንበሪ ኣፓርታማታትን ወዲቑ፤ ኩላትና ኣብ ታሕተዎት ደርብታት ስለ ዝነበርና ኢና ብህይወት ተሪፍና” ኢላ።
“ኣብ ሓደ ብኣስታት 40 ሰባት ዝመልአ መንበሪ ህንጻ ኢና ነይርና፣ ገሊኦም ነበርቲ እቲ ህንጻ እዮም፡ ካልኦት ድማ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝተመዛበሉ እዮም፤ ሕዚኸ ናበይ ክንሃድም?”።
ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ማዕከን ዜና ፍልስጤም ዋፋ፡ ንሓካይምን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ብምጥቃስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣባይቲ ማጋዚ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ካልኦት ክልተ ሰባት ኣብ ጥቓ መእተዊ ቡሬጅ ኣብ ዝርከብ ገዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ደይር ኣልባላህ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣቡ ኣል-ኣጀን ብዝወደቐ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም፡ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ ደይር ኣልባላህ - ሓደ ካብቶም ኣብ ማእከላይ ቃዛ ዝተረፉ እንኮ ትካላት ጥዕና ብቑሱላትን ጉዱኣትን ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ናብ ሆስፒታል ካብ ዝመጹ 70 ዝሞቱን 300 ዝቖሰሉን፡ ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖምን፡ ብዙሓት ሕሙማት ብኸቢድ ዘስካሕኽሕ መጉዳእቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉን ገሊጹ።