ኮቪድ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርገሐን መልከፍትን ኮቪድ ብቐጻሊ ይውስኽ ከምዘሎ ፡እዋናዊ ኣሃዛት ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ (ONS) ይሕብር ።
እቲ ሓበሬታ ከምዘነጸሮ፡ ክሳብ ምውዳእ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ኮቪድ ክሓሙ ከምዝኽእሉ ይግምት ።
እዚ ማለት ኣስታት ሓደ ሰብ ካብ 35 ማለት እዩ። እዚ ኣሃዝ ከኣ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ሰሙን ብ23% ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ ።
ክኢላታት እቲ ዓውዲ፡ 'ቢ4ን ቢ.5ን’ ዝበሃል ናይ ኦሚክሮን ንኡስ ቀጸላ ብፍጥነት ይዝርጋሕን ሓዲሽ መልከፍቲ የስዕብን ከምዘሎ ይሕብሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ናይ 'ቢ4ን ቢ.5ን’ ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ዝርገሐ ከምዘሎ ክፍሊ ሕክምና ዓባይ-ብሪጣንያ የረድእ። ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት ከኣ ብዙሓት ሰባት እዚ ዝተገልጸ ዓይነት ኮቪድ ክህልዎም ከምዝኽእል ይጽበዩ።
ሰባት ዋላ ኣብ ቀረባ እዋን ኮሮናቫይረስ ሓሚሞም እንተነበሩ እውን በዚ ሓዲሽ ዓይነት ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም።
ብ ‘ቢ4ን ቢ.5ን’ ዝተባህለ ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ማዕረ ክንደይ ከጨንቐና ይኽእል?
እዞም ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ካብ ካልእ ዓይነት ዓሌት ኮቪድ ንላዕሊ ቀተልቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ዝተዋህበ ክታበት ክሳብ ሕጂ ህይወት የድሕን ኣሎ። መብዛሕትኦም ሰባት በዚ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ መልከፍቲ ኮቪድ ብዙሕ ኣይውጽዑን እዮም ዘለው።
'ሓደገኛ ሳዕቤን'
ክሳዕ ቀረባ እዋን ምክትል ሓለቓ ሕክምናዊ ጕዳያት ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ፕሮፈሰር ዮናታን ቫን-ታም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝለዓለ መልከፍቲ ዝኸፍእ ሓደጋ ኣይከጋጥማን እዩ ይብል።
"ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኣይገብርን እየ። ይኹን እምበር ኣብ ኣዝዩ ዕጹው ቦታን ህዝቢ ዝበዝሖን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘለዎ ቦታ እንተከይደ ግን፡ ክሓምም ስለዝኽእል ነብሰይ ክከላኸል ግድን እዩ። ኣፈይን ኣፍንጫይን ክሽፍን ክግደድ እየ። ሰባት ንነብሶም ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቕ ተግባራት ዝተማህሩ ይመስለኒ” ይብል።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ኣብ ዓውዲ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ምክትል ቻንስለር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ፕሮፌሰር: ንቻነል-4 ናይ ሬድዮ ፕሮግራም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳላ ዝተኻየደ ክታበት ብዛዕባ ኮቪድ ከመይ ከም እንሓስብ ዳግም ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና ክብል ሓቢሩ ።
[ኮሮናቫይረስ] ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቐልቀለሉ እዋን እዚ ሕጂ ዝተዋህለለ ፍልጠት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ኣብዚ እዋን እቲ ሕማም ዳርጋ ምስ ሰዓል ኣዝዩ ዝቀራረብ’ዩ ኮይኑ ዘሎ ይብል።
"ከምእትፈልጡዎ ኣብ ጽድያ (ዊንተር) ወቕታዊ ጉንፋዕ እንተ ኣጋጢሙና ንሒደት መዓልትታት ሕማቕ ኢና ንቕኒ። ነዚ ናይ ሕጂ ኮቪድ ከኣ ካብኡ ቁሩብ ሕይል ከም ዝብል ሰዓል ገይርና ክንቅበሎ ዘሎና እመስለኒ።"
እቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ሓዳሪ ሕማም ዘለዎም ሕሙማት ግን ወትሩ ብክኢላታት ቆላሕታ የድልዮም እዩ።
ኣብ ሃገራዊ ስታስቲክስ ላዕላዋይ ኣሃዛዊ ክኢላ ካራ ስቲል እቲ ጻዕቅን ዝርገሐን ብዝያዳ ኣብ ስኮትላንድ ይበዝሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እውን ኣብ ኵሎም ክሊ ዕድመ ኣብ ቖልዑን ዓበይትን ይውስኽ ኣሎ። ብፍላይ ምስ ምኽፋት ትምህርቲ መጠን መልከፍትን ዝርገሐን ዛይዱ ኣሎ።
ግዝኣታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣኣብ ዞቦአን ክንደይ ዝኣክል ሓዲሽ መልክፍቲ ከምዘሎ ንምፍላጥ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት መርመራታት ብምግባር መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ።
ሕጂ እውን እንተኾነ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዝርከቡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ወሲኹ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተቐልቀለሉ እዋን ዝተመዝገበ ንታሕቲ እዩ። ይኹን እምበር ሰበ-ስልጣን ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ክታበታት ክቕጽል ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ ።
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዘሎ ሓበሬታታት ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ሓያሎ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ልዕሊ 75 ዝዕድመኦም ብኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ንሆስፒታል ይመጽኡ ኣለው።
ክኢላ ተመሓላላፊ ሕማም ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ሜሪ ራምሳይ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ እዚ ንዘለዉ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ዝነብሩ ሰባት ነቲ ኣብ እዋን ጽድያ ዝኽሰት ረኽሲ ሓድሽ ክታበት ክርከበሎም ተማሕጺና ኣላ ።
"ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብቶም 75 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት 17.5% ዝኾኑ ብከቢድ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ልዑል ምዃኑ ይሕበር" ከኣ ኢላ ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







