ኣብ ታንዛንያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 22 ሰባት ሞይቶም

ዕደና ታንዛንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ታንዛንያ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ብዝተፈጥረ ምህማም መሬት 22 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ፍጻመ ብ ሰንበት 14 ጥሪ ኣብ ዞባ ሲሚዩ ወረዳ ባርያዲ ኣብ ዝርከብ ዕደና ንጉኣሊታ ከምዘጋጠመ ኮሚሽነር እታ ወረዳ ሳይሞን ሲማለንጋ ገሊጹ።

ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተገደበሉ ከባቢ ዕደና ድሕሪ ምጅማሮም ዝተፈጸመ ምዃኑ፡ እቲ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን በቲ ዜና ዝተሰምዓ ሓዘን ገሊጻ።

"እዞም ታንዛንያውያን ኣብቲ ከባቢ ንኣሽቱ ዓደንቲ እዮም ነይሮም፡ ህይወቶምን መነባብሮ ስድራቤቶም ንምምራሕ ይጽዕሩ ነይሮም" ክትብል ገሊጻ።

ሚስተር ሲማለንጋ፡ ፈለማ ኣብቲ ዕደና ካብ 19 ክሳብ 20 ሰባት ተቐርቂሮም ከምዘለዉ ተነጊርዎ’ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን 22 ሬሳታት ከምዝተረኽቡ ገሊጹ።

ግዝያዊ ኣዛዚ ሓይልታት መጥፋእቲ ሓውን ህይወት ኣድሕንን እቲ ዞባ ፋውስቲን ምቲቱ፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሕጂ፡ ኣብቲ ዝተደርመሰ ጉድጓድ ተቐርቂሩ ዝተረፈ ሬሳ ከምዘየለ ስለዝኣመነ" ወፍሪ ኣለሻ ግዳያት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ።

እቶም ኣባላት ጕጅለ ዕደና ኣብቲ ከባቢ ዕደና ዝጀመሩ መንግስቲ ናይ ድሕነት ኣገባባት ቅድሚ ምውጽኡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ከምዝዀነ ሚስተር ሲማለንጋ ሓቢሩ።

እቲ ከባቢ ብሰንኪ ቀጻሊ ብርቱዕ ዝናብ ዝተገደበ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ጋሻ ውሕጅ ኣስዒቡ ኣሎ።

"ሓላፊ ዞባዊ ዕደና ኣብቲ ቦታ ከይዱ ከይዕድኑ ከልኪልዎም ነይሩ" ይብል ሚስተር ሲማለንጋ።

ኣብ ዓለም ካብ ዝዓበያ ኣፍረይቲ ወርቂ ዝዀነት ታንዛንያ፡ ስርዓት ዘይብሉን ዘይሕጋውን ዕደና ልሙድ እዩ።