ስለምንታይ'ዩ ወዲ ወዱ ንኔልሰን ማንዴላ ኣብ 'ቻን' ዘስምዖ መደረ ዘካትዕ ዘሎ?

መኽፈቲ ስነ-ስርዓት

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ሞሮኮ ንገዛእ ርእሳ ካብቲ ውድድር ኣግሊላ'ኳ እንተኾነት፡ ባንዴራ እታ ሃገር ግን ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ተኻቲታ

ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካፍ፡ ኣብቲ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ውድድር 'ቻን' ወዲ ወዱ ንኔልሰን ማንዴላ ዝሃቦ ፖለቲካዊ ዘረባ መርመራ ከም ዘበገሰ ገሊጹ።

ካፍን ፊፋን ዘቐመጥዎም ሕግታት "ዘኽበረ ድዩ ኣይኮነን" ክግምግም ምዃኑ ካፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ውድድርን ኣልጀርያ ንሊብያ 1ብ0 ዝሰዓረትሉ ፈላሚ ጸወታ ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ዝተሃንጸ ብስም ኔልሰን ማንዴላ ዝጽዋዕ ስታድዮም እዩ ተኻይዱ።

ፍሉይ ጋሻ ኣሰናዳኢት ኮሚተ እታ ሃገር ዝነበረ ዝወሊቨሊለ ማንዴላ ኣብ መደረኡ፡ "ናይ መወዳእታ መግዛእቲ ኣፍሪቃ ምዕራብ ሰሃራ። ምዕራብ ሰሃራ ካብ ወጽዓ ሓራ ንምውጻእ ንቃለስ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ፡ ተቓውሞኡ ንካፍ ኣስሚዑ።

እቲ ቢቢሲ ዝረኣዮ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ እቲ ብዛዕባ ምዕራባዊ ሰሃራ ዝምልከት መግለጺ ምስቲ ውድድር ይኹን ብሓፈሻ ምስ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ርክብ ከም ዘይብሉን ኣብ ንግስነት ሞሮኮ ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልጽ።

ምዕራብ ሰሃራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ኣፍሪቃ ትርከብ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ከባቢ እያ። እዛ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ስጳኛ ዝነበረት ዞባ፡ ብ1975 ብሞሮኮ ተጎቢጣ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ መንጎ ሞሮኮን ደቀባት ሰሃራውያንን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግዝኣታዊ ክርክር ተፈጢሩ። ኣልጀርያ ድማ ነቲ ሳሃራውያን ዝጠልብዎ ሕቶ ነጻነት ክትድግፍ ጸኒሓ እያ።

ዝምድና ሞሮኮን ኣልጀርያን ኣዝዩ ዉጡር ምዃኑ ስዒቡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ነሓሰ 2021 ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣቋሪጸን።

ኣልጀርያ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ንሞሮኮ ክሊ ኣየራ ዓጽያቶ እያ፤ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ብፍሉይ በረራ ብቐጥታ ናብ ኣልጀርያ ክትገይሽ ዘቕረበቶ ሕቶ ምስተነጽገ’ያ ካብቲ ውድድር ስሒባ።

ወዲ ወዲ ማንዴላ ካብቲ ብዛዕባ ምዕራባዊ ሰሃራ ዝሃቦ ርእይቶ ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብቲ ሜዳ ዝተረኽበ 40 ሽሕ ህዝቢ መሪሑ "ፍልስጤም ሓራ ትውጻእ" ዝብል ጭርሖታት'ውንእ ኣስሚዑ’ዩ።

ካፍ መርመራኡ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ "እዚ ፖለቲካዊ መግለጺታት ካፍ ኣይኮነን፡ ከም ናይ ፖለቲካዊ ሻራነት ዘይብሉ ትካል ናይ ካፍ ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን" ኢሉ።

'ቻን' ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝርከባ ክለባት ዝሳተፉ ተጻወትቲ ዝሓዛ ሃገራውያን ጋንታታት ዝወዳደራሉ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ኣልጀሪያ እናተኻየደ ዝርከብ መበል ሻውዓይ ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ።

ፕረዚደንት ኣልጀርያን ምስ ወዲ ወዱ ንማንዴላ ዝወሊቨሊል
መግለጺ ስእሊ, ኣባል ባይቶ ዝኾነ ወዲ ወዱ ንነልሰን ማንዴላ፡ ዝወሊቨሊለ (የማን) ከም ፍሉይ ዕዱም'ዩ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር መደረ ኣስሚዑ

ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ወድድር ቻን

ምስ አልጀርያ፡ ሊቢያን ሞዛምቢክን ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝተሰርዐት ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣንጻር ሞዛምቢክ ዘካየደቶ ግጥም ብዘይ ሸቶ ተዛዚሙ።

ሎሚ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኢትዮጵያ ኣንጻር እታ ኣአንጋዲት ሃገር አልጀርያ ክትገጥም እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ዝጀመረ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቻን ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ኮይኑ፡ 17 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

እንተኾነ፡ ሞሮኮ ብሰንኪ እቲ ምስ ኣልጀርያ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ንገዛእ ርእሳ ካብቲ ውድድር ከም ዝኣለየት ይዝከር።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቻን ቁጽሪ ተሳተፍቲ ካብ 16 ናብ 18 ወሲኹ’ሎ።

እዚ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ሞሮኮ ዝዓለበት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ናይ ብቕዓት መፈተሺ ጸወታታት ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዘካየደት ክትከውን እንከላ ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ተሳዒራ’ያ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቻን፡ 19 ዳያኑ፡ 21 ተሓጋገዝቲ ዳያኑን 12 ናይ ቪድዮ [VAR] ተሓጋገዝቲ ዳያኑን ክሳተፉ እዮም። ካብቶም 52 ደያኑ፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እዚ ብቪድዮ ዝተሓገዙ ዳያኑ ዝሳተፉሉ ናይ መጀመርታ ውድድር እዩ።

ኢትዮጵያዊ በኣምላክ ተሰማ ከም ቪድዮ ዳኛ ክሳተፍ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ካብ 2009 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ቻን ንሳልሳይ ግዚኣ’ያ ትሳተፍ ዘላ።

ኣልጀርያ ነዚ ውድድር ክተአንግድ ንመጀመርታ ግዜኣ’ዩ፤ እቶም ጸወታታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርስ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ኣናባ፡ ቆስጠንጢኖስን ኦራንን ክካየዱ’ዮም።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሞሮኮን ነፍሲ ወከፈን ክልተ ግዜ ነቲ ውድድር ብምዕዋት ክመርሓ እንከለዋ፡ ቱኒዝያን ሊብያን ድማ ነፍሲ ወከፈን ሓደ ግዚ ተዓዊተናሉ እየን።

ብካፍ ዝዳሎ ቻን ኣብ 2009 ሸሞንተ ሃገራውያን ጋንታታት ጥራይ ዝተሳተፋሉ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሻድሻይ ዙር ናይዚ ውድድር ግን ናብ 18 ሃገራውያን ጋንታታት ክብ ክብል ተገይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ ዙር ተገሊፋ ካብቲ ውድድር ከም ዝወጸት ዝዝከር እዩ።

ከም በዓል ጌታነህ ከበደን ሱራፊኤል ዳኛቸው ዝኣመሰሉ ውሩያት ተጻወትቲ ኣብታ ብዙሓት መንእሰያት ተጻወትቲ ዘካተተት ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣይኣተዉን።

ጌታነህ ከበደ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተሓረዩ ተጻወትቲ ቅድሚ ምግላጻ ካብ ሃገራዊ ተራኡ ዓርሱ ከም ዘግለለ ኣፍሊጡ ነይሩ።