ኢትዮጵያ፡ በዓል 20 ግንቦት ተሰሪዙ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ በዓላትን መዓልቲ ዕረፍትን ዝምልከት ኣዋጅ ቅድሚ 49 ዓመታት ዝተኣወጀ እዩ።
ሕጂ ግን ነዚ ኣዋጅ ዝትክእ ሓድሽ እማመ ተዳልዩ ኣሎ።
እዚ እማመ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምስ ኣጽደቘ፡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ’ዩ።
ኣብ 1967 [ግ] ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ደርጊ፡ ኣብ 1988 ድማ ብኢህወደግን ዝወጹ ምምሕያሻት ዝስርዝ እማመ ከምዝዀነ ይንገር።
እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ደርጊ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ብደረጃ ሃገር 'በዓል ኣብዮት' 2 መስከረም ዝርከብዎም 13 ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ክኽበሩ ከምዘለዎም ይጠቅስ።
ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ መዓልቲ ዓወት (ሃገራውያን) ካብ 28 መጋቢት ናብ ሚያዝያ 27 ጥራይ ብምቕያር ነቲ ኣዋጅ ምትግባሩ ቀጺሉ።
እቲ ዝጸንሓ ኣዋጅ "ንበዓላትን ኣከባብራኦምን ብዝርዝር ዘይድንግግ" ከምዝዀነ ነቲ ሓድሽ እማመ ዝተዳለወ መብርሂ ይገልጽ።
"[እቲ ኣዋጅ በዓላት] ዝኽበሩሉ ኵነታት ብንጹር ስለ ዘይገልጽ፡ ኣከባብራ በዓላት ከምቲ ክኸውን ዝግባኦ ብደረጃ ዓለም ጎሊሖም ክፍለጡ ስለ ዘይገብር፡ ከምኡ’ውን ክንዲ’ቲ ዓቕሞም ማሕበራውን ቍጠባውን ረብሓ የምጽኡ ኣለዉ ምባል ስለ ዘይከኣል" እቲ ንኽመሓየሽ ከምዝደረኸ የብርህ።
እቲ ሓድሽ እማመ እንታይ ለውጥታት ዝሓዘ'ዩ?
ብመሰረት ውሳነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ፍትሕን ዝተዳለወ እቲ ሓድሽ እማመ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዋጅ ዝፈልዮ ቀንዲ ጉዳይ፡ ንኣከባብራ በዓላት ብዝምልከት ዝርዝር ኵነታት ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ።
እቲ እማመ፡ ህዝባዊ በዓላት "ዝኽበሩ ሃገራዊ በዓላት"፡ "ተሓሲቦም ዝውዕሉ ሃገራዊ በዓላት"ን "ሃይማኖታዊ በዓላትን" ብምባል ኣብ ሰለስተ ይኸፍሎም።
እቶም ዝኽበሩ ሃገራዊ በዓላት ንቡር ንግዲ ዝዕጸወሎም መዓልታት ምዃኖም ኣብቲ እማመ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ዝርዝር፡ ሓድሽ ዓመት፡ ዓወት ዓድዋ፡ መዓልቲ ሸቃሎን መዓልቲ ሓርበኛታትን ይርከቡ።
ስራሕ ከይተዓጸወ ብዝተፈላለየ ስነ-ስርዓት ዝኽበሩ ድማ ክልተ ሃገራዊ በዓላት እዮም - 12 ለካቲት መዓልቲ ሰማእታትን 29 ሕዳር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን እዮም።
መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ካብ 1998 ጀሚሩ ንዝሓለፉ 18 ዓመታት ክኽበር ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኣዋጅ ኣብ ህዝባዊ በዓላትን መዓልቲ ዕረፍቲን ግን ዝተደንገገ ኣይኰነን።
ኣብቲ ሓድሽ እማመ ከም ሃይማኖታዊ በዓላት ዝተጠቐሱ፡ ሓሙሽተ ክርስትያናዊን ሰለስተ እስላማዊን በዓላት ኰይኖም ካብቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ ኣይፍለን።
እቲ ሓድሽ እማመ፡ ኵሎም በዓላት "ታሪኻውን ሃይማኖታውን ስርዓቶም ሓልዮም" ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ወይ ቆንስላት ኢትዮጵያ ክኽበሩ ምዃኖም ይገልጽ። እዚ ዝዀነሉ ድማ "ኤምባሲታትን ቆንስላትን ኢትዮጵያ ከም ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝቝጸሩ" እዩ።
እቲ እማመ ኵሎም ሃገራዊ በዓላት ዝኽበሩሉ ኵነታት ዘቐምጥ ኰይኑ፡ ካብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመትን መዓልቲ ዓወትን ወጻኢ ንዝካየዱ ህዝባዊ በዓላት ዘወሃህድ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ፈደራል መዲቡ ኣሎ።
ጽምብል መዓልቲ ዓወት ዓድዋ "ናይ ምውህሃድ ዋንነት" ንሚኒስተር ምክልኻል’ዩ ተዋሂቡ። "ኣከባብራ እዚ በዓል ብዅለን መንግስታውያንን ውልቃውያንን መራኸቢ ብዙሃን ክሽፈንን ክጽብጸብን እዩ" ይብል።
ዓለማዊ መዓልቲ ሸቃሎ፡ "ጉዳያት ዕዮ ዝመርሕ ሚኒስትሪ" ከወሃህዶ’ዩ። ምውህሃድ 12 ለካቲት ድማ ሓላፍነት ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ክኸውን እዩ።
ብመሰረት እዚ እማመ፡ ኣብ ዝርዝር ህዝባዊ በዓላት ዝኣተወ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ ድማ ንቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ተዋሂቡ ኣሎ።
ቀጻሊ ዕጫ 20 ግንቦት?
20 ግንቦት ወተሃራዊ ስርዓት ደርጊ ዝተደምሰሰሉ ዕለት ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ዝሓለፈቶም ፖለቲካዊ ጕዕዞታት ካብ እትዝክረሎም በዓላት ሓደ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ብፍላይ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ክበዓል ዝጸንሐ እዩ። ኣብታ መዓልቲ ስራሕን ቤት ትምህርትን ይዕጸዉ ነይሮም።
መበል 28 ዓመት 20 ግንቦት ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ በዓል ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተፈጢሮም ዝነበሩ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ምምሕዳራውን ምዝባዓት ዘብጽሑዎ በደል እንሕክመሉ በዓል ክኸውን ይግባእ ኢሉ ነይሩ።
"ብኣንጻር ሎሚ ብዛዕባ ዘላን ጽባሕ ክንሃንጻ ብዛዕባ እንደልን ኢትዮጵያ ዓወት 20 ግንቦት ምኽባር ዝሓሸ ጥራይ ዘይኰነ ንዅላትና ዝጠቅም'ዩ" ይብል እቲ ኣብቲ እዋን ዝወጸ መግለጺ።

ምንጪ ስእሊ, TIG COM AFFAIRS
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን፡ ኣከባብራ እቲ በዓል ዝሒሉ’ዩ ጸኒሑ።
ኰይኑ ግን እቲ በዓል ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ልሙድ ብደረጃ ሃገርን ብደረጃ መንግስቲ ደሚቑ ኣይከበር 'ምበር፡ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ግን 20 ግንቦት ምዕጻወን ቀጺሉ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ካብ 1984 ጀሚሩ ክኽበር ዝጸንሐ በዓል፡ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ እማመ ኣብ ህዝባዊ በዓላትን መዓልታት ዕረፍትን ኣይተመደበን። መንግስቲ ኢህወደግ ነቲ በዓል ከኽብር ምስ ጀመረ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 1988 ነዚ ኣዋጅ ከመሓይሽ እንከሎ፡ 20 ግንቦት ኣብ ዝርዝር ህዝባዊ በዓላት ክሰፍር ኣይገበረን።
ክኢላ ሕጊን ጠበቓን ኣቶ ኣንዱኣለም "ክሳብ ዝፈልጦ 20 ግንቦት ሃገራዊ በዓል ክኸውን ሕጋዊ መሰረት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን" ብምባል እቲ በዓል ብዘይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ይኽበር ከምዝነበረ የብርህ።
ብኣዋጅ ዝተደንገገ ነገር ብኣዋጅ ከምዝመሓየሽ ወይ ከምዝስረዝ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ 20 ግንቦት ዝድግፍ ኣዋጅ ከምዘየለን "ብልምዲ" ክኽበር ከምዝጸንሐን ይጠቅስ።
ብተመሳሳሊ 2 መስከረም እውን ምኽባር ዝተረፈ ኢህወደግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ "ብልምዲ" ከምዝዀነ ይገልጽ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት 10 ታሕሳስ 2016 እቲ እማመ ናብ ባይቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሉ ፈጻሚ ኣገልግሎት ሕጊ ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ኣቶ በላቸው ድሪባ፡ ብዛዕባ 20 ግንቦት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "[ኣብ ሃገራዊ በዓል] ዝተጠቐሱ በዓላት ህዝቢ ኢትዮጵያ" እዮም ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ወሲኹ፡ "[ኣብቲ እማመ] ዝተጠቐሱ 'ናይ ህዝቢ እዮም፡ ህዝቢ ተቐቢልዎም’ዩ' ዝበልናዮም ከም ብሄረሰብ፡ ህዝቢ፡ ሃገር፡ ዜጋ ዝተሰማማዕናሎም እዮም" ኢሉ’ዩ።
ብመሰረት ጠበቓ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣብቲ ናብ ባይቶ ዝቐረበ እማመ 20 ግንቦት ዘይተጠቕሰሉ ምኽንያት ድሕሪ ደጊም እቲ በዓል ከምዘይክበር ዘመልክት እዩ።
"[እቲ እማመ] ዋላ'ውን ብግልጺ እንተዘይጠቐሶ ነቲ ን20 ግንቦት ዘሊልዎ’ዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር 20 ግንቦት ሃገራዊ በዓል እዩ ኢልና ንካትዓሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን።"
ካብኡ ሓሊፉ እቲ እማመ፡ "ዝዀነ ምስዚ ኣዋጅ ዝጻረር ኣዋጅ፡ ደንቢ፡ መምርሒ ወይ ልምዳዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብዚ ኣዋጅ ኣብ ዝሽፈኑ ጉዳያት ተግባራዊ ኣይከውንን" ኢሉ ምጥቃሱ፡ "ብልምዲ" ክኽበር ዝጸንሐ 20 ግንቦት ደጊም ከምዘይቅጽል ዘመልክት ምዃኑ ኣስሚሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







