እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ ኣመሪካ ቀረብ ኣጽዋር ብምቍራጻ መጥቃዕቲ ሩስያ ከይውስኽ ትሰግእ
ዩክረይን ቀረብ ኣጽዋር ኣመሪካ ደው ምባሉ፡ ሩስያ ነዚ ናብ ራብዓይ ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዝያዳ ከተናውሖ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።
ኣመሪካ፡ ንዩክረይን ዝወሃባ ዝነበረ ገለ ኣጽዋር ደው ከም ዝበለ ብሰሉስ ገሊጻ።
ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት ዝህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ "ረብሓ ኣመሪካ ንምቕዳም፡" ተባሂሉ እቲ ውሳነ ከም ዝተወስደ ወሃቢት-ቃል ዋይት ሃውስ ኣና ኬሊ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዛዕባ ቀረብ ዝርዝር ሓበሬታ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ክገልጽ ከሎ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድማ ዝዀነ ይዅን ምድንጓያት "ነቲ ወራሪ ኣብ ክንዲ ሰላም ምድላይ፡ ኲናትን ራዕዲን ክቕጽል ጥራይ'ዩ ዘተባብዕ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ብፍላይ እቲ ምኒስትሪ፡ ሩስያ ዳርጋ ምሸት ምሸት ነታ ሃገር ብሚሳይላትን ድሮናትን ምህራም ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ኪቭ ምክልኻል ኣየር ከተሐይል ከም ዘለዋ ኣስሚርሉ።
ኣብ ኪቭ ዝመደበሩ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ትማሊ ረቡዕ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንዘተ ተዓዲሙ።
እንተዀነ ምኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን፡ ኣመሪካ ብዛዕባ እትህቦ ኣጽዋር "ከተቋርጾ ወይ ክትግምግሞ" ምዃና ዝገልጽ ወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዘይበጽሖ ብምግላጽ፡ ሰባት ካብ ከፊላዊ ሓበሬታ ነቒሎም ግምት ኣብ ምሃብ ከይኣትዉ ኣተሓሳሲቡ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ዘኽእል መንገዲ፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ወራሪ ቀጻልን ሓባራውን ጸቕጢ፡" ብምንባር ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምሉእ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ምዃኑ ንዝተነግረሉ ክትምክት ክኢላ። ልዕሊ 500 ድሮናት፡ ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላት ናብ ከተማታታ ከም ዝተወንጨፈ ተገሊጹ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣየኖት ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ካብ ምልኣኽ ደው ከም ዘበሉ ኣይገለጹን።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣመሪካዊ ፈነወ ኤንቢሲ፡ እቲ በዂሩ ዘሎ ኣጽዋር፡ ፓትሪዮት ኢንተርሰፕተራት፡ ተተኰስቲ ሃውዊትዘር፡ ሚሳይላትን ተወንጨፍቲ ቦምባታትን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣመሪካ ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክረይን ብምልኣኻ፡ መኽዘን ኣጽዋራ ትሕዝቶኡ ኣዝዩ ይጐድል ምህላዉ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝርከቡ ገለ ሰበስልጣን ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ክረምሊን ብወገና፡ ነቲ ምንካይ ቀረብ ኣጽዋር ዝገልጽ ዜና ብሓጐስ ብምቕባል፡ "ዋሕዚ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ምቕናስ፡ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ንኸብቅዕ ክሕግዞ እዩ፡" ኢላ።
ወሃቢ-ቓል ክረምሊን ድሚትሪ ፔስኮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብዝሒ ናብ ዩክረይን ዝቐርብ ኣጽዋር ብዝወሓደ መጠን፡ መወዳእታ ናይቲ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ድማ እናተቓረበ ይመጽእ፡" ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ዩክረይን ፈዲር ቬኒስላቭስኪ፡ ነቲ ውሳነ "ክትቅበሎ ኣጸጋሚ፡" ክብል ገሊጹዎ። ወሲኹ ድማ፡ "ብዝያዳ ድማ ሩስያ ንዩክረይን ከተጥቅዕ ከላ እዩ እቲ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ዝርኣየካ፡" ኢሉ።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ዝጠቐሶ ወተሃደራዊ ምንጪ ዩክረይን፡ ኪቭ "ዋላ'ኳ ኤውሮጳ ዝከኣላ ትገብር እንተሃለወት፡ ብዘይ ተተኰስቲ ኣመሪካ ግን ከቢድ ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።
መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታትን ፍረቓን ብቢልዮናት ዝቝጸር ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝገበራ ይፍለጥ።
እዚ ይዅን'ምበር፡ ብዛዕባ'ቲ ንኪቭ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብዅሎም እቶም ኣብቲ ፖለቲካዊ ዓለም ዘለዉ ኣካላት ይድገፍ ማለት ኣይኰነን።
ፕረዚደንት ቸክን ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኔቶ ነበርን ፔትር ፓቨል ጽኑዕ ደጋፊ ዩክረይን ኰይኑ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ቀጻሊ ቀረብ ተተኰስቲ ግን "ዋሕስ ክዀና" ከም ዘይክእል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ምርጫ ቸክ ዝምርኰስ ምዃኑ ብምብራህ፡ እቲ "ሓድሽ መንግስቲ ቀዳምነታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።
ሓደ ምንጪ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፔንታጎን ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ወተሃደራዊ ቀረብ ኣመሪካ ስለ ዝወሓደ እዩ። ይዅን እምበር፡ ኣና ኬሊ ወሲኻ፡ "ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ገና እቲ ዝሓየለ'ዩ - ንኢራን ሕተቱዋ፡" ኢላ።
እዚ ምቍራጽ ወይ ምንካይ ዝብል ዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ ምክልኻል ኣየር ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።
ትራምፕ፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ስርዓተ ጸረ-ሚሳይል ፓትሪዮት ንዩክረይን ንምሃብ ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ "ንገለ ካብኣቶም ክንህቦም ንኽእል እንተዄንና ክርእዩዎ እዮም፡" ኢሉ።
ትራምፕ ምስ ዘለንስኪ ዝገበሮ ዝርርብ ብምጥቃስ፡ "ገለ ወጥሪ ዝመልኦ ህሞታት ነይሩና፣ እንተዀነ፡ ወትሩ ምቝሉል እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ለካቲት ኣብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ርሱን ክትዕ ኣካዪዶም ነይሮም። ብድሕሪ'ዚ ትራምፕ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ባይደን ብዝወሰኖ ንዩክረይን ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ደው የብሎ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምስ እታ ሃገር ዝካፈል ዝነበረ ሓበሬታ ስለያ'ውን ኣቛሪጹ።
ድሒሩ ግን ክልተኡ ውሳነ ትራምፕ ተላዒሉ።
ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ፡ ኣምሳያ ናይቲ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህባ ወተሃደራዊ ሓገዝ ፍሉይ ማዕድናት ካብታ ሃገር ክትረክብ ክልተአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሐን።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሞስኮ ኣስታት 20% መሬት ዩክረይን ትቈጻጸር ኣላ። እዚ ድማ ነታ ኣብ 2014 ተጸንበረት ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ሓዊሱ እዩ።