ዩክረይን፡ 48 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዘሳተፈ ገዚፍ መጥቃዕቲ

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ዩክረይን ዘካየደቶ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ስዒቡ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 17 ድማ ከምዝቘሰሉ ተገሊፁ።

ከንቲባ'ታ ከተማ- ኢሆር ተረኮቭ፡ ሩስያ ኣብ ሓደ ለይቲ 48 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን ክልተ ሚሳይላትን ኣርባዕተ ተንቀሳቐስቲ ቦምባታትን ከምዝውንጨፈት ይዛረብ።

"ሰፊሕ ዕንወት እዩ በፂሑና" ዝበለ እቲ ከንቲባ፡ ሰለስተ ዓበይቲ መንበሪ-ኣባይቲ ህንፃታት ከምዝተሃስዩ ይዛረብ።

ሓያሎ ደብርታት፡ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ብትማሊኡ ምሸት፡ ሩስያ ብልዕሊ 400 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ኣስታት 40 ሚሳይላትን ነታ ሃገር ኣብ ዘጥቅዐትሉ እዋን፡ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 80 ድማ ቆሲሎም።

ሩስያ፡ ወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ከምዝተገብረ ብምኽሳስ፡ "ግብረሽበራዊ ተግባራት" እናበለት እትፅውዖ፡ ብመንግስቲ ዩክረይን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጻ።

ዩክረይን፡ ኣርባዕተ ስትራተጂካዊ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያዳ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።

ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን- SBU- ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒት [ስፓይደር ዌብ] ብውሕዱ 40 ነፈርቲ ሩስያ ከምዝተሃርማ ገሊጹ።

ዩክረይን ነቲ ስርሒት ንምፍፃም፡ 117 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቕመት ትገልፅ።

መጀመርታ ናብ ሩስያ ብሕቡእ [ክንትሮባንድ] ከምዝኣተዋ: ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ድሕሪት ናይ ጽዕነት መካይን ብዕንጨይቲ ዝሰርሓ ሳናዱቕ ተቐሚጠን ናብ ጥቓ እቶም ዒላማታት ዝዀኑ ቦታት ተንቀሳቒሰን።

መራሕቲ እተን ናይ ጽዕነት መካይን ብዛዕባ ዝፀዓኑዎ ኣቕሐ እንታይነት ዝፈልጡ ኣይመስሉን።

ብኸምኡ መገዲ፡ መራሕቲ መካይን ናብ ኣብ ጥቓ መደበራት ኣየር ሩስያ ዝርከብ ቦታታት ከምዘጓዓዙወን ይግለጽ።

ብድሕሪኡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ ርሑቕ ብዝግበረለን ቁፅፅር ዝተወንጨፋ እየን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣጋምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረናውያን ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰይጣን ከምዝቐየሩዎ ገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ከምዝጀመረት ይዝከር።