ብዘይወዓለቶ ገበን ን43 ዓመታት ዝተኣሰረት ኣመሪካዊት ተፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Innocence Project
ብዘይፈጸመቶ ገበን ቅትለት ኣብ ቤት ማእሰርቲ 43 ዓመታት ዝተኣሰረት ኣመሪካዊት ተፈቲሓ።
ሳንድራ ሄመ ጓል 20 ዓመት እያ ነይራ፤ ኣብ ሕዳር 1980 ንሰራሕተኛ ቤተ መጻሕፍቲ ፓትሪሻ ጀሽከ ብኻራ ቀቲላ ብዝብል ገበነኛ ኰይና ስለ ዝተረኸበት ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዋ።
ኣብ ሆስፒታል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና መደንዘዚ መርፍእ ተወጊኣ ዝሃበቶ ቃል እንተዘይኰይኑ ምስቲ ገበን ዘተኣሳስራ መርትዖ ከም ዘየለ ግን፡ ኣብ ጉዳያ ዝተገብረ ዳግመ ምጽራይ ኣረጋጊጹ።
ሕጂ ጓል 64 ዓመት ኰይና፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብዘይወዓለቶ ገበን ንነዊሕ እዋን ዝተኣሰረት ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝዀነት ወከልታ ይገልጹ።
ጠበቓታት እታ ግዳይ፡ ሄመ ኣብ መወዳእታ ምስ ስድራኣ ክትጽንበር ምኽኣላ ከም ዘመስገኑን፡ ስማ ሓራ ንምውጻእ "ቃልሲ ክቕጽሉ" ምዃኖምን ገሊጾም።
ንሳ ዋላ’ኳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተዘይሃለወት፡ ጉዳያ ግን ክሳብ ሕጂ ይግምገም ኣሎ።
ዳኛ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ራያን ሆርስማን፡ ንፍርዳ ዝስዕር መበገሲ 118 ገጻት ዝሓዘ ውሳነ፡ ብ14 ሰነ’ዩ ሒዙ መጺኡ።
ጠበቓታት ሄመ እቲ ገበን ከም ዘይወዓለቶ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከም ዘለዎምን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዘይተዋህበ መርትዖታት ከም ዘለዎምን ገሊጹ።
እቲ ሄመ ፈጺማቶ ተባሂሉ ዝተገለጸ ገበን ብኻልእ ሓደ ኣባል ፖሊስ ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ መርትዖ’ዮም ኣቕሪቦም። እንተዀነ ፖሊስ ነቲ መረዳእታ እንከይመርመሮ’ዩ ጸኒሑ።
ማይክል ሆልማን ዝተብሃለ ፖሊስ፡ እታ መዋቲት ኣብ ዝተቐለትሉ ቦታን ግዜን መኪናኡ ደው ኣቢሉ ከም ዝነበረ’ዩ እቲ ዝቐረበ መርትዖ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ’ውን እቲ ፖሊስ ናይ መዋቲት እትጥቀመሉ ዝነበረት ናይ ባንኪ ካርዲ ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።
ፖሊስ ነታ ሓሓሊፉ ብናይ ኣእምሮ ጸገም እትሳቐ ዝነበረት ሚስ ሄመ ኣብ ሕክምና መደንዘዚ መርፍእ ተወጊኣ እንከላ ምርመራ ብምግባር፡ ነቲ ገበን ከምዝፈጸመቶ ስለ ዝኣመነት ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱላ ጸኒሑ።
ነቲ ገበን ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተጠርጠረ ፖሊስ ብኻልእ ገበን ተጠርጢሩ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ሞይቱ።
ሳንድራ ሄመ ድሕሪ ናይ 43 ዓመታት ሕሱም ማእሰርቲ ብቕድሚ ትማሊ ተፈቲሓ ምስ ስድርኣ ተጸንቢራ ኣላ።
ጠበቓኣ ሾን ኦ’ብራየን ንጋዜጣ ስታር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝበዝሕ ዕድሚኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘሕለፈትን ንማሕበራዊ ድሕነት ብቑዕ ስለዘይነበረትን ገና ሓገዝ ከም ዘድልያ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







