እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀነራል ታደሰ 'ካብ ልኡላውነት እታ ሃገር ወጻኢ ዝዀኑ ዝምድናታት ደው ከብል' ዕማም ተዋሂቡዎ
ካብ ስልጣኑ ንዝተሰናበተ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኰይኑ ዝተሾመ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ 'ማእከላይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ርክባት ደው ከብል' ቃል ኣትዩ።
ንሱ፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኻየደ ስነ-ስርዓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጌታቸው ረዳን ኣብ ዝተረኽብሉ እዩ ነቲ ሽመት ተቐቢሉዎ።
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ምክትል ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ''ሎሚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምእታው ስልጣን ንምስግጋር ዘመቻችእ መደብ ብወግዒን ብሰላምን ኣተግቢርና ኣለና። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክትል ኣቶ ጌታቸው ኰይኑ ዘገልገለ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ናይ መሪሕነት ግደ ብሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኣሎ። ናይቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ንጹር ርድኢት ስለ ዘለዎ፡ ንትግራይ በዚ ወሳኒ ግዜ ምስግጋር ንምምራሕ ጽቡቕ ቅዋም ከም ዘለዎ እኣምን፡'' ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
ወሲኹ፡ "ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ተጠቒሙ ህዝቢ ትግራይ፡ ንሰላምን ልምዓትን ዘለዎ ባህጊ - ልክዕ ከምቶም ኣብ መላእ ሃገር ዘለዉ ደቂ ሃገሩ - ክሕግዞን ከምኡ ብምግባሩ ድማ ንኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ብሓፈሻ ትርጕም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ተስፋይ እዩ፡'' ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ምኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኸውን ሰብ ህዝቢ ብ መገዲ 'ኢመይል' ክረቍሕ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ህዝቢ ንመን ከም ዝመረጸ ግን ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።
ድሕሪ እቲ ጻውዒት ግን፡ ህወሓት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ "ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ኰይኑ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ክትክእ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኢና ተሰማሚዕና" ክብል ነቲ ኣካይዳ ንውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ዘይገበረን ካብቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ወጻእን ምዃኑ ብምግላጽ ተቓዊሙ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኰይኑ ንኣቶ ጌታቸው ክትክእ፡ ካብ ወገን ዶ/ር ደብረጽዮን ዝቐረበ እማመ ብመግስቲ ፈደራል ተቐባልነት ዘይምርካቡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።
እንተዀነ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካልኣይ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ድሕቲ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ፡ ኣብቲ ክልል ፈኸም እናበለ ዝመጽአ ወጥሪ፡ መዕለቢ ኣይረኸበን ጸኒሑ።
ብዶ/ር ደብረጸዮን ዝምራሕ ክንፊ ብድጋፍ ዕጡቓት፡ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራትን ከከንቲባታትን ተቘጻጺሩ ይርከብ።
እቲ ካብ 2 መጋቢት 2017 [ግእዝ] ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገሸ ዘይተመልሰ ጌታቸው ረዳ ድማ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ትማሊ ተሰናቢቱ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጌታቸው "ብፍላይ ድማ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ከም ዘለዎን ኣብ ቀጻሊ ስራሕቲ እውን ብሓባር ተቐራሪብና ከም እንስራሕን እናረጋገጽኩ፡ ንዝነበሮም ጻንሒት አመስግን፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ታደሰ ወረደ ነዛ ኣብ ቅውላው ኣትያ ዘላ ክልል ካብቲ ዘላቶ ሕሰም ክውጽኣ ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩ'ሎ።
ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ዝመርሐ ጀነራል ታደሰ፡ ኣብቲ 17 ዓመት ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ፡ ካብ ተራ ወተሃደር ክሳብ ኣዘዚ ኮር ኰይኑ ምስ ህወሓት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።
ታደሰ ዝፈረመሉ ሰነድ ቃል-ኪዳን
እቲ ሓቛፊ ክኸዉን ኣለዎ ዝተባህለ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዋህቦ ልኡኽ ኣፈጻጽማ ሸሞንተ ዝርዝር ነጥቢታት ኣስፊሩ ኣሎ፤
- መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምምላእን ኣብ ዝተረፉ ከባብታት ክጅመር ምግባርን
- ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕጥቂ ምፍታሕን ዕጡቓት ናይ ምጥያስ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ምፍጻምን
- ኣብቲ ክልል ልዕልና ሕጊ ክነግስ ምግባር፡ ጠንቂ ድሕነት፡ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ዝዀኑ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ደው ክብሉ ምግባርን ግቡእ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምስራሕን
- ስሩዕ ስራሕቲ ልምዓት፡ መንግስታዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት፡ ከምኡ'ውን ስራሕቲ ዳግመ ህንጸት ምስላጥ
- ካብ ሕገ መንግስታውን ሕጋዊን ስርዓት ከምኡ'ውን ካብ ልኡላዉነትን ስምምዕ ፕሪቶርያን ወጻኢ ዝዀኑ ርክባትን ምንቅስቓሳትን ደው ክብሉ ምግባር
- እቲ ክልል ንደሞክራስያዊ መረጻ ድልዊ ክኸውን ምግባር፡ መሰላት ስቪክን ፖለቲካን ግብራዊ ዝዀንሉ፡ ብዙሕነት ፖለቲካ ዘተኣናግድ ደሞክራስያዊ ባይታ ክፍጠር ምስራሕ
- ህዝቢ እቲ ክልል ምስ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባትን ተዋሳእቲ ፖለቲካን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፍ ምምችቻእ
- ምንቅስቓሳት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓንን መስተራኽብ (ኮምዩኒኬሽን)ን እቲ ክልል፡ ርክብ ህዝብታት እታ ሃገርን ሰናይ ዝምድናታትን ዘጠናኽሩ፡ ሕግን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘኽብሩ ምዃኖም ምርግጋጽ ዝብላ እየን።