እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጌታቸው ረዳ፡ ብዛዕባ 'ዝተፈተነሉ ክልተ ውጥን ቅትለት' እንታይ ይብል?
ሎሚ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተሰናበተ ዝተገልጸ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ልዕሊኡ ክልተ ፈተነ ቅትለት ከም ዝተወጠነ ተዛሪቡ።
እቲ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፖለቲካውን ጸጥታውን ወጥሪ ስዒቡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ትማሊ 'ዩኤምዲ' (UMD) ምስ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ዳርጋ ምስ ፈተነ ቅትለት ዝመሳሳል ውጥናት ከም ዝነበረ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ብዕጡቓት ተዓጂቡ ንኸንቲባታት መቐለን ዓዲግራት ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራት ኣብ ዝቘጻጸረሉ እዋን፡ ንመገሻ ኣዲስ ኣባበ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ማዕገትን ውጥን ቅትለትን ከም ዝተፈተነሉ ተዛሪቡ።
እቲ ካብ 2 መጋቢት 2017 [ግእዝ] ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ገሸ፡ ብምኽንያት ጥዕና ናብ ደገ ወጺኡ ዝቐነየ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብዚ እዋን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ተመሊሱ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ - መቐለ፡ ዝወስድ መንገዲ ዝርከብ ኬላ (ነቝጣ ፍተሻ) ዝሕሉ ዕጡቕ ኣየሕልፍን ኢሉ ከልኪሉዎ ነይሩ።
"እቲ ሓላዊ ኬላ ምስ ረአየና፡ 'ኣየሕልፈኩምን፡ መጀመርታ ክድውል' ኢሉ። መስተዋት መኪና ትሕት ኣቢለ 'ናበይ ኢኻ ትድውል' ኢለ ምስረአኹዎ' ተሰኪፉ መስለኒ ኣሕሊፉና፡" ይብል።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሓደ ብስም ዝጠቐሶ 'ፖትሮል' (ዕጡቓት ዝሓዘት መኪና) ዝነበሮ ኣዛዚ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝሰዓቦን ፖሊስ ፈደራል (ሓለዋ ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ) ከም ዝኸልከሉዎም'ውን ኣብሪሁ።
እቲ "ኣዛዚ ኮር" ናብ ኣውሮፕላን ክኣቱ ፈቲኑ ከም ዝተኸልከለ፡ ካብኡ ድማ ናብ ሓላፊ ጸጥታ'ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ስልኪ ደዊሉ፡ "ጌታቸው ድዩ ኣትዩ፡ በይኑ ድዩ ካልኦት ሰባት'ውን ኣለዉዎ ምስኡ?" ኢሉ ከም ዝሓተተ'ውን ኣቶ ጌታቸው ይጠቅስ።
ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ጸጥታን ኰይኑ ተመዚዙ ዝጸንሐ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቲ ጌታቸው 'ፈተነ ቅትለት' ክብል ዝገለጾ ፍጻመ ክምርመር ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ።
"እተን ኣጋጢሙ ኣዝዩ ሕማቕን ሓደገኛን'ዩ፡" ድሕሪ ምባል "ናጻ ዝዀነ ኣካል ቈይሙ ኵሉ ዝምርምረሉን ዘጻርየሉን፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ዝግለጸሉ ኵነታት ክግበር ዘለዎ ይመስለኒ፡" ኢሉ።
"ፕረዚደትን ጌታቸው ባዕሉ'ውን ዘጻሪ ኮሚተ ከጣይሽ ይኽእል . . . ሓቂ ተጻርዩ ውጽኢቱ ግልጺ ክግበር ዘለዎ ይመስለኒ፡" ክብል እቲ ኣብታ ክልል ዝለዓለ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ጀነራል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ብራኸ ሾው ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ መርመራ ተኻይዱ እንተዀይኑ ዛጊት ዝተፈልጠ የሎን። ካብ ሓላፍቲ ጸጥታን ሰላምን ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺታቱ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ክሳብ ሽዑ ጌታቸው ረዳ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ ነይሩ። ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ መዝነቶም ገዲፎም ካብታ ክልል ዝወጽኡ ሰበስልጣን ከም ዘለዉ ብምምልካት ድማ ውሕስነቶም ከረጋገጽ ከም ዝግባእ ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጌታቸው ካብ መዝነቱ ከም ዝወረደ ዝእምት መግለጺ ሂቡ ኣሎ።
"ብፍላይ ድማ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ከም ዘለዎን ኣብ ቀጻሊ ስራሕቲ እውን ብሓባር ተቐራሪብና ከም እንስራሕን እናረጋገጽኩ፡ ንዝነበሮም ጻንሒት አመስግን፡" ክብል ናይ ክልቲኦም ስእሊ ብምስናይ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
''መነመን ምዃኖም እፈልጥ እየ''
ኣብታ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ኣባላት ዘለውዋ ትግራይ፡ ብሰንኪ'ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ስእነት ጸጥታዊ ውሕስነት ንነበርታ ዓቢይ ብድሆ ኰይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ጀነራል ታደሰ፡ ሰራዊቱ ብዝግባእ ዝሰልጠኑ ኣባላት ዘለውዎ ስሩዕ ሓይሊ ጸጥታ ዘይምዃኑ'ዩ ዝምጕት።
ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ኵነታት ናይቲ ዝጠቐሶ ኣዛዚ ዘይኰነ፡ "እቶም ተለኣኣኽቶም 'ኣምሊጦሙና' ምባሎም ግን ዝሓሰቡዎ ነገር ነይሩ ማለት እዩ። ናይ ምቕታል ውጥን ዝነበሮም ሰባት መነመን ምዃኖም እፈልጥ እየ፡" ብምባል፡ ፈተነ ቅትለት ከም ዝነበረ ጸኒሑ እሙን ሓበሬታ ምርካቡ ወሲኹ ይዛረብ።
"ብድሕሪኡ ዝሰማዕኩዎ፡ ብምምላጠይ ተናዲዶም ዝዛረቡ ሰባት ነይሮም። ዝፈልጦም ዘኽብሮም ዓበይቲ ሰባት እዮም፣ ብስልኪ ዘውግዑዎ እየ ረኺበ፣ 'ከመይ ገይሩ ኣምሊጡልና' ኢሎም ተናዲዶም ተዛራሪቦም።"
"ከም ሓደ ትግራዋይ ስርዓትን ሕግን ይፈልጡ ዝብሎም ሰባት፡ ብዛዕባ ሰብ ምውጋድ (ፊዚካሊ ኢሊሚኔት ምግባር) ክሓስቡ እዮም ኢለ ጠርጢረ ኣይፈልጥን፡" ይብል እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓቚቡ ዘሎ መራሒ።
ቅድሚኡ ድማ ኣብ ታሕሳስ 27 ኣብ ብዓል ጥምቀት፡ ካልእ ፈተነ ቅትለት ተወጢኑ ከም ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ይገልጽ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽአ ሓደ ብዓል ሃብቲ ምስ ሓደ ኣባል ጸጥታ - ቪኣይፒ ናይ ምቕታል ፈተናታት ከም ዝነበረን ከም ዝፈሸለን ሓቢሩ።
"እቲ ገበን ግብረ ሽበራ እዩ፣ ኣብ ፈደራል እዩ ክረአ ዝግባእ፣ እንተዀነ፡ ዕብይ ዝበሉ ሰባት'ውን ዝተሳተፉሉ ስለ ዝዀነ - ብዝብል፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ውክልና ሓቲትና እቲ ምጽራይ ኣብ ትግራይ ክኸውን ገይርና ነይርና፡" ይብል።
ገለ ሰባት እቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ተጓይዮም ኣብ ቤትፍርዲ ተኻቲዖም ብዋሕስ ክወጽእ ከም ዝገበሩዎ'ውን፡ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ተታሒዙ፡ እቶም ካልኦት'ውን ከምኡ ተታሒዞም፡" ኢሉ።
ስለምንታይ እቲ ፍጻመ ንህዝቢ ዘይተገፈልጸ ንዝብል ሕቶ እንክምልስ ግን፡ ህዝቢ ከይሻቐል ካብ ዝብል ስክፍታ ከም ዝዀነ ኣረዲኡ።
"እቲ ውጥን [ቅትለት] ኣብ ጥምቀት ንኽፍጸም እዩ ነይሩ። ህዝቢ ናብ ጭንቂ ክኣቱ ኣይደለኹን ነይረ፣ ናይ ዓርሰይ እኹል ሓለዋ ነይሩኒ። እንተገደደ ድማ ኣብ በዓላት ከይንርከብ ወሲንና ነይርና።"
ደሓር ግን፡ እቲ ዝፈሸለ ዝበሎ ውጥን ቅትለት ንህዝቢ ክግለጽ ከም ዝነበሮ ኣቶ ጌታቸው ኣሚኑ።
"ብዝርዝር ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣሎ፡ ናይ ምቕታል ውጥን ከም ዝነበሮም ይፈልጥ እየ። እቲ ኣዝየ ዘይተጸበኹዎ፡ ኣዝዩ ዘሕዘነኒ፡ ናብዚታት ዲና ወሪድና?" ብምባል ኣቶ ጌታቸው እምብዛ ከም ዝጎጐሃየ'ዩ ዝገልጽ።
"ፕረዚደንት ዓጊትካ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ፊዚካሊ ኢሊሚኔት ምግባር [ብኣካል ምቕንጻል] ድሌት ከም ዘሎ ምፍላጥ እዩ ዘደንግጸካ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ክፍጠር እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን።"
"እቶም ዝተሳተፉ ሰባት እፈልጦም እየ፣ ገለገሊኦም 'ገለ ሽግር ገጢሙዎ እንተዀይኑ ደሓር ክንጸባጸብ' ክብሉ ሰሚዕ ኣለኹ፡ ምንም ከም ዘይተፈጠረ፡ ኣየናይ ሽግር ተጸባጺብና መዕለቢ ገይርናሉ ንፈልጥ?" ብምባል እምነቱ ከም ዝጐደለ የመልክት።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ ግዝያዊ ምመሕዳር ትግራይ፡ ከም ቀንዲ ዐላማት ኢሉ ዝሓዞም፡ "ግዝኣትና ምምላስን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምልሳን፡" ዘይምኽኣሉ ከም ዘሕዝኖ'ውን ተዛሪቡ።
እዚ ኵነታት'ዚ ብኸመይ ማዕቢሉ?
ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ስዒቡ፡ ኣብቲ ክልል ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ መዕለቢ ኣይረኸበን።
ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ኣቶ ጌታቸው ዝመርሖ ምምሕዳር 'ብስንፍናን ብጥልምትን' ብምኽሳስ፡ ምትዕርራያት ክግበር ዘካየዱዎ ምንቅስቓስ ነቲ ኵነታት ኣጋዲዱዎ ይርከብ።
እንተዀነ፡ ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገለ ሕጋዊ ምምሕያሻት ተገይርሉ ንሓደ ዓመት ከም ዝናዋሕን ኣብ ውልቀሰባት ለውጢ ከም ዝግበርን ኣብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣብሪሁ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝመልኦ ኰይኑ፡ በቲ ደማዊ ኲናት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣደዳ ጸሓይን ቍርን ኰይኖም ይርከቡ።
ህዝባዊ ኣጀንዳታት ንጐድኒ ተገዲፎም፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ተጸሚዶም ዝኸረሙ መራሕቲ ህወሓት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፍጸም ብምዕንቃፍ ምስ መንግሰቲ ፈደራል ይካሰሱ ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ብወገን መንግስቲ ፈደራል ውዕል ፕሪቶርያ ዝጥሕሱ 'ጓስጓሳት ሚድያ' ይረአዩ ከም ዘለዉ ድማ ይነቕፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ካብ ላዕለዎት ኣዝዝቲ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል መግበይ፡ ምስ 'ኣኽራሪ ጕጅለ ፋኖ' ይተሓባበር ኣሎ ዝብል ዝርከቦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሰፋሕቲ ክስታት ከም ዘቕረበ ዝዝከር እዩ።
ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ክስታት ነገር ጻሕታሪ ጸለመን'ዩ ክብል ኰኒኑዎ ነይሩ።
እቲ ነታ ክልል ንልዕሊ 35 ዓመታት ዘመሓደራ ህወሓት፡ ድሕሪ'ቲ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት-ሓድሕድ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ምምቕቓል ኣብ ቀራና መንገዲ ይርከብ።
ዋላ'ኳ ሕጂ'ውን ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ዘለዎ እንተዀነ፡ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝነበሮ ስልጣንን ጽልዋን ከሲሩ ነታ ክልል ካብ ዝኸፍአ ኲናት ከድሕና ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሓድሽ ወለዶ ዝነበሮ ደገፍ ከም ዝኸሰሮ ይንገር።