እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ንመዓርፎታት ነፈርቲ ትግራይ ክቆጻጸር' ዕለማ ኣለዎ- ሰብመዚ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ስጉምቲ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ "ንህወሓት ዝድግፉ ተጻባእቲ ናይ ወጻኢ ኣካላት" ክጥሕስዎ ምጽንሖም ሰብመዚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ከሲሶም።
ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ። ቅድሚኡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ተኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።
ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብታ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ዘሎ ህዝቢ ጥምየት ንዝርከቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ተቓሊዑ ኣሎ።
መንግስቲ፡ ናብቲ ብኲናት ዝተጸልወ ከባቢታት ሰብኣዊ ረዲኤት ንክበጽሕ ክሰርሕ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ መግለጺ ዋላ'ኳ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻውዒታትን ምሕጽንታታትን ይግበር እንተሎ፡ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ዝእምት'ዩ።
ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ከምዝድግፍ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣነጺሩ'ሎ።
"ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል፡ ብልዝብ ዝተበጽሐ ሓፈሻዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ንኣምን" ኢሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያለ ወገናት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።
ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ፤ ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ "ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታት፡" ክትግበርን ጸዊዑ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ብህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክንቅየድ ድሉዋት ኢና" ክብሉ፡ ንጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተቐበልዎ ገሊጾም ነይሮም።
ማሕበረሰብ ዓለም " ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸቕጢ ክገብሩ" ድማ ጸዊዖም። መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣብቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከተማታት ትግራይ ውግእ ንምውጋድ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ።
ኣብቶም ትሕቲ ምቁጽጻሩ ዘእተዎም ከባቢታት ከኣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ከም ሽረ ዝበላ ከተማታት ትግራይ ይድብደባ ከምዘለዋን ሲቪላውያን ሰባት ይቕተሉ ምህላዎምን ብዙሓት ዓለምለኻውያን ወገናት ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለዉ።