ሶማልያ፡ ነፈርቲ ኢትዮጵያን ቀጠርን ክጋጨዋ ቀሪበናሉ ዝነበረ ህሞት

ነፋሪት ቀጠር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ዝጓዓዛ ዝነበራ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቀጠርን ብሰንኪ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ሞቓድሾ ዝተዋህበን ግጉይ ሓበሬታ ክጋጨዋ ቀሪበን ነይረን ዝብል ሓበሬታ፡ በዓል ስልጣን ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ ነጺጉ።

ቀዳም 16 ለካቲት 2016 [ግ] ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ እታ ካብ ዶውሓ ናብ ዩጋንዳ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት (6U)፡ ብጌጋ ብተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ሞቓድሾ ብራኸ ክትውስኽ ተነጊርዋ።

ምስታ ነፋሪት ኢትዮጵያ ክትጋጮ ኣብ ሓደገኛ ርሕቀት ከም ዝነበረት በዓል ስልጣን ኣቬሽን ሶማሊላንድ ሓቢሩ።

በዓል መዚ ኣቬሽን ሶማልያ ግን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ርሕቀት ስግኣት ዝፈጥር ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ነቲ ዝበሃል ነጺጉ።

“ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ርሕቀት ሓደገኛ ኣይነበረን። ኣብ ንቡር ደረጃ ብራኸ እየን ነይረን" ክብል በዓል ስልጣን ኣቬሽን ሶማልያ ኣሕመድ ማክሊን ሓሰን ንቢቢሲ ሶማልያ ተዛሪቡ።

እታ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ቀጠር (Qatar 6U) ዝዀነት ነፋሪት ብተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ሞቓድሾ ካብ 38 ሽሕ ጫማ ናብ 40 ሽሕ ጫማ ክትድይብ ከም ዝተነግራ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዱባይ ኣብ 39 ሽሕ ጫማ ብራኸ እትበርር ዝነበረት ቁጽሪ 602 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክትጋጮ ቀሪባ ነይራ።

ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ ኣብ መንጐ ክልቲአን ነፈርቲ ዘሎ ርሕቀት ሓደገኛ ምንባሩን፡ ካብቲ ምግጫው ዘድሓነን ኣብ መንጐ እተን ክልተ ነፈርቲ ዝተተኽለ ጸረ-ምግጫው ስርዓት ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበረ ስርዓት (Traffic Avoidance Collision System) ህጹጽ መጠንቀቕታ ሂቡ፤ ኣብ ተመሳሳሊ ብራኸ ካልእ ነፋሪት ከም ዘላ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።

ነዚ ብዝምልከት በዓል ስልጣን ኣቬሽን ሶማልያ፡ ካብ ስርዓት ጸረ-ምግጫው ነተን ነፈርቲ ዝተወሃበ መልእኽትታት መጠንቀቕታ ሓደጋ ዘይኰነስ ምኽሪ ምዃኑ ገሊፁ።

ብኣንጻሩ ኣሕመድ ማክሊን፡ ኣብ 40 ሽሕ ጫማ ብራኸ ንምብራር ምስ መንገዲ ኣየር ቀጠር ርክብ ከምዝገበሩ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ብራኸ ይበርር ከም ዝነበረ ብምግላጽ ኣብ መንጎ ክልቲአን ነፈርቲ ዘሎ ርሕቀት ሓደገኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኣብረርቲ ቀጠርን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ሶማልያ ጌጋ መምርሒ ከም ዝተዋህቦምን ክዘራረቡ ከም ዝተሰምዑ ሓደ በዓል ስልጣን ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዓሊባ ጕዕዞኣ ከም ዝቐፀለት ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቢቢሲ ካብ ሰበስልጣን ሶማልያን ሶማሊላንድን ጸብጻብ ናይቲ ፍጻመ ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ከምኡ’ውን፡ ወነንቲ እተን ነፈርቲ ዝዀኑ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይዅን ቀጠር፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ዝበልዎ የለን።