ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ውዕል 'ዝነጽግ' ሕጊ ኣጽዲቓ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, HASSAN SHEIKH MOHAMUD

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ሎሚ ምሸት፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኣተውዎ ናይ ምርድዳእ መዘክር ዝነጽግ ሕጊ ፈሪመ ኣለኹ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ሕጊ "ሓድነትናን ልኡላውነትናን ከምኡ'ውን ግዝኣታዊ ምሉእነትና ንምሕላው" ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ብሰኑይ 1 ጥሪ 2024 ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከምዝተፈራረመት ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ነቲ 'ዘይቀያዲ' መዘክር ምርድዳእ ፈሪሞም እዮም።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ወደብ ክትረክብ እያ። ሶማሊላንድ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ብጽሒት ከም እትረክብ መንግስቲ ገሊጹ እዩ።

ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ህጹጽ ኣኼባ ዝጸወዐት ሶማልያ፡ እቲ ስምምዕ "ፍጹም ተቐባልነት የብሉን" ክትብል መግለጺ ከምዘውጽአት ዝፍለጥ’ዩ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተቐረበ፡ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።

ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማልያ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂን ዝተኸተመ ስምምዕ ብምቅዋም ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ስሒባ’ያ።

ብድሕሪ እዚ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት ግብጽን መራሒ ቐጠርን ብተሌፎን ከምዝተዘራረበን፡ ግብጺ እውን ብወግዒ "መሬታዊ ሓድነት ሶማልያ ክሕሎ ኣለዎ" ከምዝበለትን ይዝከር።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እንታይ ኢሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ድሕሪ እቲ ስምምዕ "እቶም መግለጺታት ከምቲ ዝተጸበናዮ እዮም" ክብል ምስ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ።

እቲ ኣማኻሪ፡ "ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘራኽባ ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ፡ ብኽልተ እግራ ደው ክትብል እያ ዝብል ስግኣት ኣለዎም" ዝበሎም ኣካላት “ሓዊን ነዳዲን ከቐብሉ” ርኢና ኢሉ።

"ኢትዮጵያ ባዕላ እትቈጻጸሮን እተማዕብሎን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካባ ኣብ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን እታ ሃገር ዓቢ ተራ ከምዝጻወት እሙን'ዩ" ክብል ወሲኹ።

እቲ ኣምባሳደር ብዛዕባ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ እውን ርእይቶ ሂቡ።

"እቲ ስምምዕ ኣብ ምሉእ ስምምዕ ምስ በጽሐን ነቲ መሬት ምስ ወሰድናን እቲ መስርሕ ምስተዛዘመን፡ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ እትህበሉ ደረጃ ከምእትበጽሕ ዘመልክቱ ነገራት ኣለዉ።

“ስለዚ ነቲ ስምምዕ ኣይተቐበልናን፣ ክንሰማማዕ ከምዘለና ግን ተሰማሚዕና ኢና፤ ናይ ምርድዳእ መዘክር እውን ፈሪምና ኣለና” ኢሉ።

እቲ ዝርርብ ከምዝቕጽል ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ዘተ ከምዝካየድን ብምጥቃስ፡ “ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ወፍሪን ቀጻልነት እንተሃልዩ ሕጂ’ውን ዘተ ክቕጽል’ዩ” ከብል ወሲኹ ኣብሪሁ።

"እቲ ሶማሊላንድ እተቕርቦ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ መንጐ በርበራን ዘይላን ኣብ ዝርከብ ሎግሃያ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዘሎ" ይብል እቲ ኣምባሳደር።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣህጉራትን ሓሳባተን ገሊጸን እየን።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ " ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክሕሎ ኣለዎ" ክብሉ ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዘሎ "ወጥሪ" ክለዝብ ጸዊዑ’ዩ።