እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ነዳዲ እትጽዕን መርከብ መጥቃዕቲ ምፍጻማ ሩስያ ገሊጻ
11 ኣባላት ዝሓዘት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብዩክረይን መጥቃዕቲ ከምበጽሓ ሰበስልጣን ሩስያ ኣፍሊጦም።
ክፍሊ ሞተር እታ መርከብ በቲ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወን ዋላ ሓደ ዝተጎድአ ሰብ ከምዘየለን እቶም ሰበ ስልጣን ሓቢሮም።
ዩክረይን ብዛዕባ እቲ ካብ ሩስያ ዝቐረበላ ክሲ ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የለን። እንተኾነ ሓደ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዩክረይን ዝሰርሕ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድሮን ባሕሪ ምጥቃሞም ገሊጹ።
እቲ ናይ ሎሚ ቀዳም መጥቃዕቲ ንካልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ እዩ። ሩስያ ግን በቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ሳዕቤን ከምዘየለ’ያ እትገልጽ።
ድሮናት ባሕሪ ኣዝየን ንኣሽቱን ሰብ ኣልቦን ኮይነን ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ማይ ከምዝንቀሳቐሳ ይግለጽ። ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘመላኽቶ ዩክረይን ድሮናት ባሕሪ ተጠቒማ ብዙሕ መጥቃዕቲ ፈጺማ’ያ።
እቲ ሎሚ ቀዳም ኣብ መርከብ ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ዩክረይን ብምትሕብባር ዝተፈጸመ ኮይኑ 450 ኪ.ግ ዝምዘን ተተኳሲ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ መረዳእታ ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን የመልክት።
እታ መርከብ ነዳዲ ጽዒና ምንባራ ክግለጽ እንከሎ ምፍንጃራት ካብ ርሑቕ ይርአ ምንባሩ ተሓቢሩ።
እታ ሲግ ዝብል መጸውዒ ሽም ዝተውሃባ መርከብ ነዳዲ ካብ ድልድል ክሪሚያ 27 ኪ.ሜትሮ ራሕቒ ከምዝተወቕዐት ተፈሊጡ።
መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ሩስያ ታስ፡ ንሓደ በዓል ስልጣን ማእከል መተሓባበሪ ድሕነት ባሕሪ ብምጥቃስ ኣብ ዘቃልሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ግዜ እቲ መጥቃዕቲ ክልተ መራኽብ ዝጐትታ ጀላቡ መጺኤን ከምዝነበራ ሓቢሩ።
ኣስዒቡ ሞተር እታ መርከብ ኣመና’ኳ እንተዘይተብሃለ ግን ድማ ዕንወት ከምዝገጠሞ ጠቒሱ።
ኣብ ሞተር እታ መርከብ ነዃል ከምዝተረኸበን ምናልባት’ውን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ባሕሪ ዝወረደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ድልድል ክሪሚያ ብኣንፈት ሰሜን ዝተተኸሉ መብራህቲ ጠፊኦም ከምዝነበሩን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኩሉ ዓይነት ናይ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ተገቲኡ ከምዝነበረን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ጸብጺባ።
ትማሊ ዓርቢ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ፡ ኣብ ወደብ ኖቮሮሲክ ጸሊም ባሕሪ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ባሕሪ ዩክረይን ከምዝተወቕዐት ሰበ ስልጣን ድሕነት ዩክረይን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ድሮን ባሕሪ ንሓንቲ ዓባይ መርከብ ክወቕዓ እንከለዋ ዘርኢ ስእልታት ድማ ድሓረ ተዘርጊሑ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ግን ነቲ ካብ ዩክረይን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኖቮሮሲክ ካብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ከምዝመከቶ እኳ እንተገለጸ ዕንወት ከምዘጋጠመ ግን ኣይተኣመነን።
ብመንጐኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ፡ ዩክረይን ብመገዲ ጸሊም ባሕሪ ኣቢላ ስርናይ ብዘይ ገለ ጸገም ሰደድ ክትገብር ዘኽእል ውዕሊ ብሩስያ ምስተኾለፈ፡ ኣብ ባሕሪ ዝግበር ውግእ ሓይሉ ይቕጽል ኣሎ።
ብኻልእ ዜና ስዑድ ዓረብ ሎሚ ቀዳም እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂባ ዘተ ክተካይድ ምዃና ተገሊጹ።
ልዕሊ 30 ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ ክዝትያ መጸዋዕታ ክግበረለን እንከሎ፡ ሩስያ ግን ኣብቲ ዘተ ኣይክትሳተፍን’ያ።