እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንካይ ማይ ባሕሪ ዘቃልዖም ብገጽ ሰባት ዝተቐረጹ ጥንታዊ ኣኻውሕ
ማይ ኣማዞን ድሕሪ ምንካዩ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኣብ ትሕቲ ማይ ዝጸንሑ ቅርጻታት ኣኻውሕ ተቐሊዖም።
እቶም ኣኻውሕ ዝተረኸቡሉ ቦታ ኣብ ሰሜናዊ ብራዚል ኣብ እትርከብ ከተማ ማናውስ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ብመልክዕ ገጽ ደቂ ሰባት ዝተቐረጹ ኣኻውሕ ብቐሊሉ ምርኣይ ከም ዝከኣል’ዩ ተገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ከምዚኦም ዓይነት ኣኻውሕ ተራእዮም ነይሮም።
ይኹን'ምበር፡ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተረኸቡ ዝያዳ ዝተፈላለየ ቅርጻታት ዝሓዙ ምዃኖም ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ ይገልጹ።
ዝተረኸቡሉ ፍሉይ ቦታ ገማግም ባሕሪ ፖንታ ዳስ ላጀስ ኰይኑ ኣብ ጥቓ እቲ ሪዮ ኔግሮን ሩባ ሶሊሞስን ናብ ኣማዞን ዝውሕዝሉ ቦታ ይርከብ።
ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ጃይመ ኦሊቨራ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ እዋን ቅድመ-ኮሎምብያ ኣብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ሰባት ዝተቐርጹ ምዃኖም ሓቢሩ።
"እዚ ዞባ ቅድሚ መግዛእቲ ዝነበረ ቦታ ኰይኑ፡ ቅድሚ ኣስታት ካብ 1000 ክሳብ 2000 ዓመታት ነበርቲ ከምዝነበርዎ ዘመልክቱ መርትዖታት ኣለዎ" ይብል።
ወሲኹ "ኣብዚ ንርእዮ ዘለና ውክልናታት ሰብኣዊ ባህሪ ዘለዎም ጥበባት’ዮም" ክብል ኣረዲኡ።
ካልእ ከውሒ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ደቀባት ፍላጻኦም (ኲናት) ንምብላሕ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ዘመልክት ፍሕጣር ኣለዎ።
እቶም ቅርጻታት ንመወዳእታ ግዜ ክረኣዩ እንከለዉ መጠን ማይ ሪዮ ኔግሮ ናብ 13.63 ሜትሮ ወሪዱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ እቲ መጠን ንፈለማ እዋን ናብ ትሕቲ 13 ሜትሮ ወሪዱ። ትማሊ ሰሉስ ድማ 12.89 ሜትሮ በጺሑ።
መንግስቲ ብራዚል፡ እቲ ድርቂ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማን ተርእዮ ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖን ዝመጸ ምዃኑ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ መጠን ዝናብ ናብ ትሕቲ ታሪኻዊ ማእከላይ ገማግም ክወርድ እንከሎ ሩባታት ድማ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኵነታት ከም ዝነከዩ ወሲኹ ሓቢሩ።