ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶም ሓደስቲ ሓድግታት ዓለም እንታይ ዝሓዙ እዮም?

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክልተ ከባቢታት ብቅርስነት ከም ዝተመዝገቡ ውድብ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፍሊጡ’ዩ።

ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦን ሃገራዊ ፓርክ ጎቦተታት ባሌን ከም ቅርሲ ዝተሰነዱ ዝተገልጸ ኣብ ሪያድ፡ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዕለት 10 ጀሚሩ ክሳዕ 25 መስከረም እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 45 ኣኼባ ኮሚተ ሓድግታት ዓለም’ዩ።

ዩኔስኮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሉጽ ጸጋታት ሰብኣውነት ተባሂሎም ዝሕሰቡ ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቅርስታት ምልላይ፡ ምሕላውን ምዕቃብን ንምትብባዕ ይጽዕር።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 9 ቅርስታት ብዩኒስኮ ተመዝጊቦም እዮም። ካብ ከውሒ ተፈልፊለን ዝተሰርሓ ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላን ሃገራዊ ፓርክ ሰሜንን ኣብ 1978 ተመዝጊቦም። ኣብ 1979 ግቢ ፋሲል ኣብ 1980 ድማ ኣክሱም፡ ታሕተዋይ ኣዋሽ፡ ጢያን ታሕተዋይ ጎልጎል ኦሞን ተመዝጊቦም። ብድሕሪኡ ሃረር ጀጎል ኣብ 2006 ከምኡ’ውን ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ኮንሶ ኣብ 2011 ዝተመዝገቡ ቅርስታት ኢትዮጵያ እዮም።

ኣብዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮሚተ ቅርስታት ድማ እቲ ውድብ ካብ ቀዳም 16 መስከረም ጀሚሩ በብመዓልቱ ሓደስቲ ዝተመዝገቡ ቅርስታት የፈልጥ ኣሎ።

ብመሰረት’ዚ ሰኑይ 17 መስከረም ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ፡ ብ18 መስከረም ድማ ጎቦታተe ባሌ ቅርስታት ዓለም ኰይኖም ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ንምዃኑ እዞም ቅርስታት ስለምንታይ ተመሪጾም?

ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ

መርበብ ሓበሬታ ዩኔስኮ ከም ዘመልክቶ ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ ኣግሮፎረስትሪ እዩ - ምትእስሳር ሕርሻን ኣግራብን ዝርከቦ ከምኡ’ውን ሕርሻዊ ኣጠቓቕማ ኣግራብ ዘጠቓልል ማለት’ዩ።

ኣብኡ ከም ቀንዲ መግቢ እቲ ከባቢ ዝዀነ እንሰት፡ ተኽልታት ቡንን ካልኦት ቁጥቋጥን ዝፈርይሉ ብዙሕ መዳይ ዘለዎ ሕርሻ ይርከብ።

ቀንዲ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብbዝሒ ጌዴኦ እዮም፤ ባህላዊ ፍልጠት ብሄረ ጌዴኦ ድማ ንኣተሓሕዛ ኣግራብ እቲ ከባቢ ዝድግፍ እዩ።

እቶም ዝለምዑ ኣኽራን ብባህሊ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ምስ ሃይማኖት ጌዴኦ ንዝተኣሳሰሩ ስርዓታት ዝውዕሉ ቅዱሳት ኣግራብ ዝሓዙ እዮም።

ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ርክብ እቲ ዞባ ኣብርሃም መኩርያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጌዴኦ መብዛሕትኡ ኣኽራንን፡ ብመጠኑ ድማ ጎልጎል ዝዀነ ከባቢ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብዚ ኣኽራን ዝበዝሖ መልክዓ ምድሪ፡ እቲ ሕብረተሰብ ንዘመናት ንሓመድ ውሑስ ዝዀነ ውህደት ሕርሻ ብምክያድ ተፈጥሮ ክዕቅብ ከም ዝጸንሐ ይንገር።

ኣቶ ዳኒኤል ከተማ፡ ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ዞባ ጌዴኦ ክኢላ ምልላይን ሓበሬታን እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ቡን፡ እንሰትን ጫካን ህይወት ጌዴኦ እዮም።

ባህላዊ ሓለዋ ኣከባቢ፡ ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ፍሉይ መስርሕ ሕርሻኦም፡ ቱቱ-ፈላ ዝተበሃሉ ጥንታውያን ኣእማን ኣብ ኣኻውሕ ዝተሰኣሉ ጥንታውያን ስእልታትን ከም ቅርሲ ዓለም ንኽምዝገብ ዘኽኣሉ ረቛሒታት ምዃኖም ዩኔስኮ ይሕብር።

እቲ ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ካብ 8ይ ክሳብ መበል 15 ክፍለ ዘመንን ዝነበሩ ዓበይቲ ኣእማን ኣኻውህ ኣርኪኦሎጂካል ቦታታት ብብዝሒ ዝሓዘ እዩ። ከምኡ’ውን ቅድሚ 2000 ዓመተ ዓለም (ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ዝነበሩ ስነ-ጥበብ ኣኻውሕ እውን ኣለዉ።

እዚ መልክዓ ምድሪ ኣብነት ናይቲ ሃብታም፡ ኣብ ምዕባለ ዝርከብ ባህሊ፡ ጽንዓትን ዘላቕነትን ከም ዝዀነ’ዩ ዩኔስኮ ዝጠቅስ።

ብባህላዊ መንገዲ ጥራሕ ዝመሓደር ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ፡ ምሕደራ መሬት፡ ታሪኻዊ ቅርስታት፡ ዝተቐረጹ ዓበይቲ ኣኻውሕ፡ ፅሑፋት በዓቲን ኣግራብን ከም ዝርከቦ ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ርክብ እቲ ዞባ ኣብርሃም ይገልጽ።

ብመሰረት እዚ ክኢላ ባህልን ቱሪዝምን ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ 10 ሽሕ ዝተቐረጹ ዓበይቲ ኣኻውህ፡ ልዕሊ 6 ሽሕ ኣብ ዞባ ጌዴኦ ይርከቡ።

እቶም ኣኻውሕ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይርከቡ፤ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራሕ ልዕሊ 1500 ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ዝሓበረ ድማ ዳኒኤል’ዩ።

እቶም ሰለስተ ቦታታት መካነ ቅርሲታት ጫልባ ቱቲቲ፡ ቱቱፋላን ኦዶላ ገልማን ከም ዝዀኑ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት እቲ ከባቢ ይገልጹ።

ብመልክዕ ገጽ ሰብን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይን ዝተቐርጹ ምዃኖም’ውን ወሲዀም ይሕብሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ እምኒ ተኽሊ ምቕባር ይፍጸም ነበረ፣ ካልእ መሳርሒታት ድማ ኣብቲ መቓብር ተረኺቡ።

ኣብ ወረዳ ይርጋ ጨፌ፡ መካነ ቅርሲ ጫልባ ቱቲቲ ጥራይ፡ 1506 ብብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝተቐርጹ ኣኻውሕ ኣለዉ።

ኣብ መካነ ቅርሲ ቱቱፋላ ድማ 525 ዝተቐረጹ ኣኻውሕ ይርከቡ።

እዚ ድማ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ ብዩኔስኮ ክምዝገብ ካብ ዝገበሩ ነገራት ሓደ ምዃኑ ዝጠቅስ እቲ ክኢላ፡ እቲ ሕልው ጫካ ከይተጎድአ ሕርሻ ከም ዝካየድ የረድእ።

ካብቲ ባህላዊ ስርዓተ ምሕደራ ጌዴኦ ዝተለዓለ፡ እቲ ሕብረተሰብ ንኣግራብ ከም "ደቁ" ናይ ምርኣይ ባህሊ ከም ዘማዕበለ ክልቲኦም ክኢላታት እቲ ዞባ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ጌዴኦ፡ ባሌ ዝተባህለ ባህላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣለዎም፤ በብዓመቱ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ብዛዕባ ሓለዋ ከባቢን ሓልዮት ኣግራብን መልእኽቲ የመሓላልፉ።

ሃገራዊ ፓርክ ኣኽራን ባሌ

ብሄራዊ ፓርክ ኣኽራን ባሌ ቅድሚ ሕዚ ብዩኔስኮ ንግዚኡ ተመዝጊቡ ዝፀንሐ ኰይኑ ብቐዋምነት ንምምዝጋብ 16 ዓመት ወሲዱሉ’ዩ።

ብ1962 ዝተመስረተ ብሄራዊ ፓርክ ኣኽራን ባሌ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።

እቲ 215 ሽሕ ሄክታር ዝሽፍን ሃገራዊ ፓርክ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝርከቡ ዓይነታት እንስሳታት ዝሓዘ እዩ።

ቢቢሲ ኣቐዲሙ ዘዘራረቦም ክኢላታት እቲ ፓርክ፡ መሬት እቲ ፓርክ ኣብ ኦሮምያ ዝርከቡ ኣብ 6 ወረዳታትን 29 ቀበሌታት ዘዳወብ ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብዚ ፓርክ ኢትዮጵያ ካልኣይ ነዊሕ እምባ ዝዀነን 4377 ጫማ ቁመት ዘለዎን እምባ ቱሊ ድምቱ ዝርከብዎም በረኽቲ ቦታታት 'ኣፍሮ-ኣልፓይን' ኣለዉ።

ኣብ ልዑል ከባቢ ኣኽራን ባሌ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተፈጠሩ ቀላያት፣ ራህዲ ዘለዎም መሬታት፡ ተረፈ-እሳተ ጎመራ’ውን ይርከቡ።

ኣስታት 40 ሩባታት ብሃገራዊ ፓርክ ባሌ ዝውሕዙ ኰይኖም ካብዚኦም ዋቢ ሸበሌ፣ ዌብ፣ ዱማል፣ ያዶትን ወልመልን ይጥቀሱ።

ብተወሳኺ ቀይሕ ውኻርያ፣ ንያላ፣ ሳላ ወይ ዓጋዘንን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ይርከቡ።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ኣቶ ነጋ ወዳጆ፡ ባሌ ከም ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ 16 ዓመት ከም ዝወሰደሎም ይገልጽ።

እቲ ምዝገባ፡ ዓለምለኸ ተፈላጥነት ንኽረክብ ከም ዝሕግዞ ዝሓበረ እቲ ኮምሽነር፡ እዚ ድማ ዝያዳ በጻሕቲ ናብቲ ከባቢ ከም ዝስሕብን፡ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓ ከም ዘምጽእን ይገልጽ።

ንሃገራዊ ፓርክ ኣኽራን ባሌ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየን ሸውዓተ ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ጫካ ሃረና ኣብ ውሽጡ ስለ ዝርከብ’ዩ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 1600 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተኽልታት፡ 78 ዓይነታት መጥበውትን እንስሳ ዘገዳምን ኣስታት 200 ኣዕዋፍ ዘዕቚበ ፓርክ’ዩ።

ካብዚኦም እቶም 32 ዓይነት ተኽልታትን ኣስታት 17 እንስሳታት ዘገዳምን ኣብዚ ሃገራዊ ፓርክ ጥራይ ዝርከቡ’ዮም።