'ምክትል የሱስ... ኤል ቻፖ... ሸያጢ ደርሆ'፡ ዓሰርተታት ሳጓታት ዝለግቦ ዘሎ ፕረዚደንት

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዙሕ ሳጓታት ዘለዎ ሰብ እዩ።

ምክትል የሱስ፡ ኤል ቻፖ፡ 'ሃስለር'ን ሸያጢ ደርሆን ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘጥረዮም ሳጓታት ሒደት እዮም።

ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ቅፅል ስም ክወሃቦም ከሎ ዝረአ፡ ክልቲኡ ትርጕም ዝሓዙ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ፍቕርን ኣድናቘትን ንምግላጽ ዝወሃቡ ፍቱዋት እዮም፤ ገሊኦም ግን ንላግጽን ዓሚቝ ቁጥዐ ንምንጽብራቕን ዝዓለሙ ይመስሉ።

ታሪኽ ሳጓታት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ኣረኣእያ ብኸመይ እናተቐየረን እናተሸርሸረን ከም ዝመጽአ ንምርኣይ ኣመት ዝህብ እዩ።

ሩቶ ነቲ ናይ ዳግመ-ምጥማቕ [ሓደሽቲ ሳጓታት] ዝንባለታት ተቐቢሉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኬንያውያን ብብዙሓት ዝገደፍሉ ከም ዘይብሎም ብዋዛ ኣምሲሉ ሕርቃኑ ገሊጹ።

"ብዙሕ ኣስማት ሂብኩምኒ። ቅድም ቀዳድም 'ዊልያም ኪፕቺርቺር ሳሞይ ሩቶ' ዝብል ስም ነይሩኒ። 'ሰርቫይቨር' ዝብል ትርጕም ዘለዎ ቃል 'ዛካዮ' ወሲኽኩሙለይ፤ ሕጂ ድማ ኣብ 'ካሶንጎ' በፂሕኹም ኣለኹም። ኣብ ዓሰርተ ዲኹም ጠጠው ክተብሉ፤ ወይስ ንኻልኦት ክዳሎ?" በለ።

ካሶንጎ፡ ኣርእስቲ ናይታ ተንካፊት ደርፊ ኮንጎ እዩ።

ኬንያውያን ግን ከምቲ ዝሓተቶ ኣብ 'ካሳንጐ' ጠጠው ዘብሉ ኣይመስሉን፤ ከምቲ ባዕሉ'ውን ዝፈርሖ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽቡ ሰልፈኛታት፡ ገና ተወሳኺ ሳጓ ከም ዘለዎም ኣንፀባሪቘም።

ሩቶ ኣብ 2022 ፕረዚደንት ኮይኑ ቅድሚ ምምራጹ፡ ከም ሰብ ዝናኡ ዘደልደሉን መሰጥቲን ዛንታት ዘንጸባርቑ ሳጓታት ነይሮምዎ።

'ሃስለር' - ከቢድ መነባብሮኡ ክስዕር ተደፊኡ ንዝሰርሕ ሰብ ዝገልጽ ኬንያዊ ኣገላልጻ እዩ፤ ንጠለባት ናይቲ ተቓላሳይ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብ ሰብ ኰይኑ ንኽርአ ሓጊዙዎ ነይሩ።

'ሸያጢ ደርሆ'፡ ኣብ ወሰና ወሰን ጽርግያ ደርሆ ኣብ ዝነግደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኵነታት ንእስነቱ ብምጥቃስ፡ ንህይወቱ ከም መርኣያ ዝወሰዱዎ ብዙሓት ነይሮም።

ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ሄርማን ማንዮራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ " መጀመርያ ኣዝዮም ኣወንታዊ [ኣስማት] እዮም ዝወሃቡዎ ነይሮም። ብመንጽር ረብሓ፡ ናብ ልቢ ህዝቢ ክኣቱ ሓጊዞምዎ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣስማት ብሓቂ ምስ ሩቶ ይጣበቑ እዮም፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ክሳብ 2022 ንትሸዓተ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ዘገልገሎ ሓዊሱ፡ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ልዑል ሽም ዘለዎ ኣካታዓይ ካብ ምዃን ግን ርሒቑ ኣይፈልጥን።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተቐየሰት 'ኣራፕ ማሻምባ' - "ወዲ ሓረስታይ" ዝብል ትርጕም ዘለዎ ስያመ ረኺቡ ነይሩ።

እዚ ምስቲ ዋንነት፡ ኣብ መላእ ኬንያ ዘለዎ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ዝተኣሳሰር እዩ።

ገለ ካብቶም መሬታት ብኸመይ ከም ዝተረኽቡ ስክፍታታት የልዕሉ።

ኣብ 2013 ቤት ፍርዲ ንሩቶ 40 ሄክታር ዝስፍሓቱ ሕርሻ ኣሕሊፉ ክህብን ንሓደ ኣብ 2007 ድሕሪ መረጻ ኣብ ዝነበረ ዓመጽ መንዚዑ ኢሉ ዝኸሰሶ ሓረስታይ ክኽሕስን ኣዚዙ።

ንሱ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ እዩ ዝገልፅ።

ሩቶ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጥቃስ ዝንባለታቱ ድማ፡ 'ምክትል የሱስ' ዝብል ሳጓ ኣምጺኡሉ።

ይዅን እምበር፡ እቶም ኣስማት ዘንበሽብሹ ሰባት፡ ብፍላይ ንሱ ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር እዮም፡ ድቃስ ገዲፎም ዝሰርሑ ዘለዉ።

እቶም ነቐፌታን ቅሬታን ዘስምዑ ዓሰርተታት ሳጓታት እናወሰኹ መጺኦም ኣለዉ።

ንኣብነት፡ ሓደ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ 'ዛካዮ' - ብቋንቋ ስዋሂሊ ንዘኪዮስ ዝብል ስም ዝገልጽ ኰይኑ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንየሱስ ክርእዮ ኣብ ገረብ ዝደየበ ስሱዕ ኣካቢ ግብሪ ኰይኑ ካብ ዝቐረበ ሰብ ዝተወስደ'ዩ።

እቲ 'ኣካቢ ግብሪ' ዝብል ቃል ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝተፈጥረ ቁጥዐ ኬንያውያን ዘበገሰ ውሳነታት የዘኻኽር።

መንግስቲ ሩቶ፡ ብብዙሓት ዘይተፈተወ ፖሊሲ ግብሪ ብምትእትታው፡ ኬንያውያን ነቶም "ሃስለርስ" ጠሊምካዮም ክብሉ ጀመሩ።

ፕሮፌሰር ማንዮራ፡ "ፕረዚደንት ምስ ኰነ ቃሉ ኣዕቢሩ፤ ቃሉ ከኽብር ኣይከኣለን፡" ኢሉ።

ዝያዳ ግብሪ ምኽፋል ዘስዕቦ ሕርቃን፡ ከምኡ'ውን እቲ ገንዘብ ክባኽን [ክጠፋፋእ] እዩ ዝብል ኣረኣእያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብዙሓት ዕላላት ትኹረት ዝወሃቦ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንእሰያት ንሰሙናት ዝቐጸለ ተቓውሞታት፡ ናብ ጐደናታት ናይሮቢ ወጺኦም ድምጾም ምስምዖም ይዝከር።

ኣንጻር እቲ ዳሕራይ ዝተቛረፀ፡ ሓድሽ እማመ መንግስቲ ግብሪ ዝተኻየደ ተቓውሞታት፡ መቕተልትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣስዒቡ።

"ሩቶ ክኸይድ ኣለዎ" [Ruto must go] ዝብል ጭርሖ ንሰልፈኛታት ናይ መተኣኻኸቢ ጻውዒት ኰይኑ፤ ሕጂ ድማ ነቲ መራሒ ንምውካስ ካልእ መንገዲ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ፈጠርቲ ኣስማት፡ ሕጂ ድማ እቲ ፕረዚደንት ናይ ወጻኢ ጕዕዞ የስተማቕር እዩ ኣብ ዝብል ዘተኰሩ ይመስሉ።

ነዚ እዩ ድማ 'ቫስኮ ዳ ጋንያ' ዝብል ሳጓ ዝተለጠፎ ኰይኑ፤ ብስም ናይቲ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፖርቱጋላዊ ዳህሳሲ ቫስኮ ዳ ጋማን ብቋንቋ ስዋሂሊ ዝተዋህቦ 'ዳንጋኒያን' ዝብል መጸውዒ ግን 'ሓሳዊ' ዝብል ትርጕም ኣለዎ።

'ካውንዳ ኡኦንጎማን'፡ ዝብል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተውሃቦ ሳጓ ድማ፡ ንቅንዕናን ሓቀኝነትን ሩቶ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣኣትዩ ኣሎ።

ምስታ ነፍስሄር ወዲ ኮንጐ ሙዚቀኛ ካንዳ ቦንጎማን ደርፊ ተዛሚዱ እዩ እቲ ስም ተዋሂቡዎ።

ብሓደ ወገን፡ እቲ ፕረዚደንት ንፍቕሪ ናይቲ ካውንዳ ኮስትሞ - ምስ ዝሰማማዕ ስሩዕ ሳፋሪ ጃኬት - ከምኡ'ውን ኡኦንጎማን፡ 'ንኡኦንጎ' ዝብል ቃል ስዋሂሊ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ "ሓሶት" ዝብል እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ግን ነቶም ኣፋዊ መጥቃዕቲ ርእዩ ከም ዘይረእየ ዝሓልፍ ኣይመስልን።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢሳቕ ምዋራ፡ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝርከቡ ብዙሓት ሳጓታት "ስክፍታታት ዘየልዕሉ፤ ሰባት ንሓደ ሰብ ከመይ ከም ዝርእይዎ ዝሕዙ" ጥራይ እዮም ኢሉ።

ሩቶ "ኣዝዩ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ቍጠባ ንምቕያር ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ... ዝዀነ መራሒ ብዙሕ ሳጓ ክወሃቦ ንቡር'ዩ፣ እዚ ድማ ከም መራሒ ዝተፈላለየ ባህርያቱን ተበግሶታቱን ዘመልክት'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምዋውራ፡ ዋላ'ኳ 'ዛካዮ' ዝብል ሳጓ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ንሓደስቲ ፕሮጀክትታት ንምኽፋል፡ ሕጽረት ባጀት ንምንካይን ቍጠባ ንምዕራይን ግብሪ ክውስኽ ከም ዝተገደደ'ውን ተማጒቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰባት ካብ ምምሃዝ ሓደስቲ ኣስማት ሓሊፎም መልክዓትን ኤኣይ ኣሳእልን ተጠቒሞም ንፕረዚደንት ክላገጹ ከለዉ፡ ካብ ሰበስልጣን ኣሉታዊ ግብረ-መልሲ ተሰሚዑ ኣሎ።

ገለ ካርቱናትን ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ [ኤኣይ] ዝተፈጥሩ ምስልታትን፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ኣእቲኻ ዘርኢ ሓዊሱ፡ "ዕሉልነት"ን "ዘይጥዕምን" ተባሂሎም ብሰበስልጣን ተነቒፎም።

መንግስቲ ከም ምልክት ዘይምጽዋር የስዕብ ከም ዘሎ ፕሮፌሰር ማንዮራ ገሊጹ።

ወዲ 23 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ላቾን ኪፕሊሞ፡ ነቲ ፕረዚደንት ክድግፎ እንከሎ፡ ገለ ካብቲ ዝኣተዎ መብጽዓታት ሓደ ሓደ ግዜ "ዘይክውንነታዊ" ምዃኑን፡ እዚ ድማ ነቲ ሳጓታት ነዳዲ ኰይኑ የገልግል ከም ዘሎን ገሊጹ።

ንሱ፡ ሩቶ ኣብ ርእሰ ከተማ ንዝርከቡ ህጻናት ቤት ትምህርቲ ንምምጋብ መዓልታዊ ሓደ ሚልዮን ቻፓቲ (ኣብ ኬንያ ቻፖ ተባሂሉ'ውን ዝፍለጥ) ዘፍሪ ማሽን ከእቱ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ነቲ ሜክሲካዊ ጐይታ ዕጸ-ፋርስ ነበር ብምጥቃስ 'ኤል ቻፖ' ዝብል ሳጓ ምጥቃም ከምዘስዓበ ተዛሪቡ።

እቶም ነቲ ፕረዚደንት ሳጓታት ዘውጽኡ መንእሰያት፡ ሕርቃኖም ዘተንፍሰሉ መገዲ ከም ዝዀነ እቲ ፕሮፌሰር ይዛረብ።

እዚ ኣረኣእያ ብጓል 24 ዓመት ተመሃሪት ማርጋሬት ዋይሪሙ ካሁራ ዝድገፍ ኰይኑ፡ ብዙሓት ኬንያውያን "ኣብ ሰፊሕ ቃንዛ ይርከቡ፡" ኢላ።

እቲ ላግጺ ንሩቶ እቶም መንእሰያት ከመይ ከም ዝስምዖም ዝሕብሩሉ መንገዲ ኰይኑ ይስምዓ።

ካልእ ፕረዚደንት ኬንያ በዚ ደረጃ ኣይተዋረደን።

ሓቂ እዩ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ሳጓ ነይርዎም እኳ እንተዀነ ክሳብ ክንድኡ ግን ኣይበዝሑን።

እቲ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ካምዋና ("ንእሽቶ ቘልዓ")፡ ጄይደን (ንሓደ ዝተደናገረ ወይ ሰነፍ ቈልዓ ዝምልከት ኬንያዊ መወከሲ) ከምኡ'ውን ዋማሻቲ (ብፍቕሪ ጽሑፍ ዘለዎም ማልያታት ዝወደቐ) ይበሃል።

ቅድሚኡ ዝነበረ ምዋይ ኪባኪ፡ ጀነራል ኪጉዮያ (ዝፈርሕ ጀነራል)ን ፌንስ ሲተርን ተባሂሉ ይፍለጥ ነይሩ።

ምናልባት ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምስቲ ንሰባት ዘዘናግዕ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ተወሲኹዎ፡ ኣንፈቱ ኣዕብይዎ ክኸውን ይኽእል።

ንብዙሓት ግን፡ ንሩቶ ዝወሃቡ መጠን ሳጓታት ሓቀኛ ነጸብራቕ ናይቲ "ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ቃንዛ፡" እዩ።