ፕረዚደንት ኬንያ ንኣብያተ ክርስትያን ዝህቦ 'ሞባእ' ስለምንታይ ጐንጺ የልዕል?

ፖሊስ ኬንያ ኣብ ቀረባ እዋን ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብርክት ዝበለ ሓገዝ ገንዘብ [ሞባእ] ንዝተዋህባ ቤተክርስትያን ንምሓዝ ንዝፈተኑ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኲሱ።

እታ ቤተክርስቲያን ካብ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሮይሳምቡ ዝበሃል ከባቢ እትርከብ 'Jesus Winner Ministry' ብዝብል እያ ትፅዋዕ።

እቲ ፕረዚደንት ድማ 20 ሚልዮን ሽልንግ (155 ሽሕ ዶላር) ሓገዝ ገንዘብ ሂቡዋ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዝቃለሱ ዘለው መንእሰያት ኬንያ ነቐፌታ ኣስዒቡ።

ሩቶ ንወፈያኡ ብምክልኻል፡ ኣብ ኤልዶሬት ንእትርከብ ካልእ ቤተክርስቲያን'ዉን ተመሳሳሊ ህያብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዉን፡ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካንን ኣብያተ ክርቲያናት ኬንያ፡ ቤተክርስትያን ንፖለቲካዊ ዕላማታት ከይትውዕል ምክልኻል ኣድላይነት ኣለዎ ብምባል፡ ካብቲ ፕረዚንት ንዝቐረበለን ወፈያታት ነጺገንኦ እየን።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኬንያ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝተገብረ ልግሲ ኣስታት 40 ሽሕ ዶላር እያ ነጺጋቶ።

እቲ ገንዘብ ንህንጸት መንበሪ ገዛ ካህናትን ንመዘምራን ዝኸውን ህያብን ተባሂሉ ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሶዌቶ ኣብ ዝተኻየደ ሰበኻ ጕባኤ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።

ጳጳስ ኤድዋርድ ምዋይ፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰባት ነቲ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ንምዝራግ "ሸፋቱ" ከም ዘዋደዱ ገሊጾም ክብል መርበብ ሓበሬታ ስታር ጸብጺቡ።

ሩቶ ዝተባህለ ወንጌላዊ ክርስትያን እዚ ወፈያ እዚ ንሞራላዊ ምብስባስ እታ ሃገር ንምፍታሕ ዝግበር ፈተነ እዩ ብምባል ነቲ ወፈያ ተኸላኺሉ።

ኬንያውያን ኣብ 2022 ሩቶ ካብ ዝምረጽ ንደሓር ብዘተኣታተዎ ተኸታታሊ ወሰኽ ግብሪ ተቖጢዖም ኣለዉ።

ንሱ፡ ካብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝወረሶ ገዚፍ ዕዳታት ንምኽፋል ገንዘብ ከም ዘድልዮ ይምጕት።

እንተዀነ ብዙሓት ኬንያውያን መጀመርያ ህዝባዊ ብኽነትን ብልሽውናን ክምክቶ ኣለዎ ክብሉ ይምጕቱ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ሓደሽቲ ግብሪታት ከተኣታቱ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ሓያሎ ተቓውሞታት ዝገብሩ ዝነበሩ መንእሰያት ሰልፈኛታት፡ ምስ መንግስቲ ወጊነን ኣብ ልዕሊ ዝበሉወን ኣብያተ ክርስትያናት ልዑል ጸቕጢ ክገብሩ ተራእዮም'ዮም።

እዚ #OccupyChurch ብዝብል ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐስጓስ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ፡ ብዙሓት እተን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብቲ ዝተሓሰበ ወሰኽ ግብሪ መንግስቲ ምላሽ ክህባን ኣብ ጐድኒ መንእሰያት ክስለፋን ብዘይምኽኣለን ተነቒፈን።

እቲ ተቓውሞታት መንግስቲ ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ሓምለ ነቲ ኣካታዒ እማመ ወሰኽ ግብሪ ክስሕቦ ተገዲዱ።