ርዋንዳ ካብ ኣመሪካ ዝተሰጐጉ ስደተኛታት ንምቕባል ትዘራረብ ኣላ

ርዋንዳ ካብ ኣመሪካ ንዝስጐጉ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትላዘብ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኦሊቨር ንዱሁንጊረ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ዋሽንግተን "ኣፈናዊ" ዝርርብ ከምዝተኻየደ ተዛሪቡ።

ዝተጠረዙ ስደተኛታት ምቕባል ንርዋንዳ "ሓድሽ ኣይኮነን" ክብል 'ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ። ኪጋሊ ምስ ብሪጣንያ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ለንደን ሓድሽ መንግስቲ ሰልፊ ዕዮ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ከምዝበርዓነ ይዝከር።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝቕበላ ሃገራት ይደልዩ ምህላዎም ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

እቲ ርዋንዳዊ ብዓልስልጣን ንመንግስታዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ውሳነ "ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስደተኛታት ካልእ ዕድል" ክረኽቡ ንምግባር ዝወሰድዎ ምዃኑ ይምጕት።

እቲ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ኣብዚ እዋን'ዚ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ኣመልኪቱ'ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ዘይሕጋውያን ዝብሎም ስደተኛታት ብጃምላ ንምጥራዝ ከም ቀንዲ ቀዳምነቱ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ጀሚሩ'ውን፡ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገረ ኤል ሳልቫዶር ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ገበነኛታት ብምቕባል ኣብ ሓደ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ፍሉጥ ቤት ማእሰርቲ ትዳጉኖም ኣላ። ገለ ካብዚኦም ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም'ዮም።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ናዪብ ቡከለ፡ "ንገንዘብ ክብል" ነቲ ስጕምቲ ከምዝወሰደ'ዩ ዝዛረብ።

ፓናማን ኮስታሪካን'ውን ኣመሪካ ዝሰጐጎቶም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምቕባለን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ርዋንዳዊ ብዓል ስልጣን ንዋሽንግቶን ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ንምቕባል ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ሓደ ኣመሪካ ዝሰጐገቶ ዒራቓዊ ክትቅበል ከምዝተገደደት ይዝከር።

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምምላሱ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ልዝብ ከምዝጀመረ'ውን እቲ ብዓልስልጣን ጠቒሱ'ሎ።

እታ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት እትንቀፍ ርዋንዳ፡ እቶም ዝሰጋገሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብተን ሃዲሞም ዝወጹለን ሃገራቶም ኣሕሊፋ ክትህቦም ከምእትኽል ተሓለቕቲ የጠንቅቑ።

ኪጋሊ ግን፡ ንስደተኛታት ውሕስቲ ኣይኮነትን ንዝብል ክስታት ብምንጻግ፡ ንሰብኣውነት ክትብል ነቶም ኣብ ጸገም ዝወደቑ ስደተኛታት ክትቅበል ከምዝወሰነት'ያ ትምጕት።

እቲ ዘገርም፡ እታ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ሲኦል ዝርእዩዋ ሊብያ'ውን ካብተን ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ንምቕባል ዝጥቀሳ ዘለዋ ምዃና'ዩ።