እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ውጥን ምጥራዝ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ 'ሞይቱ ዝተቐብረ' ኢሉዎ
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታርመር፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስልጣኑ፡ እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን፡ "ሞይቱ ዝተቐብረ" ክብል ኣረጋጊጹ።
እቲ መራሒ ሰልፊ ዕዮ፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን "ውዲት" ዓቃባዊ መንግስቲ ዝበሎ ከብቅዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዛኣተዉ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዘሻቐለ ፖሊሲ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሰልፊ ዕዮ፡ ነቲ ዛጊድ ኣስታት 310 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ዝሓተተ ውጥን ንምስራዝ ኣብ ማኒፌስቶኡ ኣካቲቱ ጎስጓስ ገይሩሉ እዩ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ብዝያዳ ውጽኢታዊ ኣገባብ ከምዝትከኦ ድማ ቃል ኣትዩ።
ሰር ኬር ናብ ቤተ መንግስቲ ካብ ዝኣቱ ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ፡ "እቲ ውጥን ሩዋንዳ ቅድሚ ምጅማሩ ሞይቱ ዝተቐብረ እዩ" ኢሉ።
እቲ ውጥን ነቶም ብኣናእሽቱ ጀላቡ ዝመጹ "ትሕቲ 1 ሚኢታዊት" ጥራይ ስለዝሰጎግ ፍታሕ ክኸውን ከምዘይኽእል ወሲኹ ኣብሪሁ።
ምፍራስ እቲ ውጥን፡ ዘምፀኦ ፋይናንሳዊ ሳዕቤንን ኣብ ልዕሊ ከፈልቲ ግብሪ ዘስዕቦ ኪሳራን ዛጊድ ኣይተሰልሐን።
እቲ ውጥን ምብቅዑ፡ ዕጫ ናይቶም ንኽስጎጉ ተዳልዮም ዝነበሩ 52 ሽሕ ስደተኛታት'ውን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ።
ናብ ሩዋንዳ ክሰጐጉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ክልተ ስደተኛታት ብዋሕስ ከምዝልቀቑ'ውን ድሒሩ ዝወፅአ ሓበሬታ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ገሊጹ።
እቶም ናብ ሩዋንዳ ክስጐጉ ዝፅበዩ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብዋሕስ ክልቀቑ ምዃኖም መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ፡ 218 ስደተኛታት ብዋሕስ ካብ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝተፈትሑ ኣቃሊዑ።
ቅድሚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ብዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ናብ ሩዋንዳ ክጥረዙ ዝነበሮም እዮም።
ሪሺ ሱናክ ኣብ ቀዳሞት ሰሙናት ወርሒ ሓምለ በረራታት ክብገሳ ምዃነን ድሕሪ ምግላጹ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ማእሰርቲ ኣትዮም።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ እዋን ዓቃባዊ መንግስቲ፡ ንሩዋንዳ ክስጎጉ ዝተኣስሩ ሰባት ብዝሒ ምርግጋጽ ኣብዩ።
ቢቢሲ ሕጂ ብድምር 220 ሰባት ብመሰረት እቲ ውጥን ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተረዲኡ።
እቲ ውጥን ምስጓግ፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልታት መንግስቲ ሪሺ ሱናክ፡ ቁልፊ ኣካል ጐስጓስ እዩ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ “ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንቻነል እንግሊዝ ካብ ምሕላፍ ዝዓግት እዩ” ብምባል፡ ነቲ ፖሊሲ ምትግባር ቀዳምነት ስልጣኑ ገይሩዎ ቐንዩ።
እቲ ውጥን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት በቲ ሽዑ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን እኳ እንተተጀመረ፡ ብዙሕ ሕጋዊ ብድሆታት ዘጋጠሞ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
እቶም ውጥናት ብባይቶ ኣቢሎም ክሓልፉ ሰፊሕ ብድሆ ኣጋጢምዎም፣ ብዙሓት ተቓውሞታት ኣበጊሶም።
ክሳብ 26 ሰነ፡ 13,195 ሰባት ኣብ 2024 ኣብ ቻነል ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም - እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ብዝሒ ክብ ዝበለ እዩ
ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት 120 ሽሕ ሰባት በዚ መስመር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ፀብፃባት ይሕበሩ።
እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒሰተር፡ "ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕን፡ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዝመጸ ብዝሒ ርኣዩ፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ'ዩ፡ ንሱ'ዩ እቲ ንወርሶ ዘለና ጸገም" ኢሉ።
"ፍጹም ተጻራሪ ውጽኢት ነይርዎ'ዩ፡ ከም ፍታሕ ዘይሰርሕ ውጥን ክቕጽል ድሉው ኣይኮንኩን።"
ሓድሽ መንግስቲ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ከም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሐሉ ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ።
ማኒፌስቶ ሌበር፡ መርመርቲ ብምቑጻርን ጸረ-ሽበራ ስልጣን ብምጥቃምን ንጉጅለታት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ዒሊማ ብምግባር፡ ንቻነል ዝሰግራ ንኣሽቱ ጀላቡ ንምግታእን ቃል ኣትዩ።
እንተዀነ፡ ሰልፊ ዕዮ ገና ምሉእ ዝርዝር ናይቲ ውጥን ኣይገለጸን።
ዋና ሓላፊ ኢሚግሬሽን ቦርደር ፎርስ ነበር ኬቪን ሶንደርስ ንታይምስ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ሌበር ንጹር ውጥን ዘይምህላዉ፡ ንኣናእሽተይ ጀላቡ ምሕላፍ ብኸመይ ደው ከም ዝብል ስክፍታ ነይሩዎ።
"ኣዝዮም ኣዝዮም ተጨኒቖም ነይሮም። ሰባት ድማ ኣብኡ ክካተቱ ስለዘይደለዩ ናብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ክሃድሙ ርኢና" ኢሉ።
ኣብዚ ዓመት "ካብ 50 ክሳብ 60 ሽሕ" ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንቻነል ኢንግሊዝ ክሰግሩ ከምዝኽእሉ ኣተንቢሁ።