ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐ ዝርከቦም ኣመሪካውያን ቈልዑ ምስጓጎም ቍጥዐ ፈጢሩ

ሕማም መንሽሮ ዘለዎ ዝርከቦም ሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ዝዀኑ ቈልዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣደታቶም ናብ ሆንዱራስ ከም ዝተሰጐጉ ጕጅለታት ተጣበቕትን ጠበቓታት ስድራቤትን ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ቈልዑ ደረጃ 4 መንሽሮ ዘለዎ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ብዘይ መድሓኒት ከም ዝተላእከ ጠበቓ ናይታ ስድራቤት ሓቢሩ።

ሓላፊ ዶባዊ ጉዳያት ቶም ሆማን፡ እተን ኣደታት ደቀን ምስአን ክስጓጕ ከም ዝመረጻ ብምግላጽ፡ "ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ቈልዓ ምህላው፡ ካብ ተሓታትነት ሕግታትና ናጻ ኣይገብረካን፡" ኢሉ።

እተን ኣደታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝነበራ'ውን ተዛሪቡ።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ህጻናትን ቈልዑን ካብ ወለዶም ዝፈላሊ ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ብዓርቢ ሰበስልጣን ኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ግምሩክን ኒው ኦርሊንስ፡ ነተን ክልተ ኣደታት ምስ ክልተ ኣርባዕተን ሸውዓተን ዓመት ዝዕድሚኦም ደቀን ካብ ሉውዚያና ናብ ሆንዱራስ ከም ዝሰጐጉ ማሕበር ስቪላዊ ሓርነት ኣመሪካ (ACLU) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ።

እዘን ክልተ ስድራቤታት - ሓንቲ ነፍሰጾር ኣደ እትርከበን - ንዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝነበራ እየን።

ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ኣመሪካውያን ቈልዑ፡ ብመንሽሮ ይሳቐ ምንባሩን ምስ ሓካይም ዝዀነ ምምኽኻር ከይተገበረ ከም ዝተሰጐገን እቲ ተጣባቒ ጕጅለ ከሲሱ።

ሆማን ትማሊ ሰኑይ (28 ሚያዝያ 2025) ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስድራቤታት ካብ ምፍልላይ ብሓባር ምስጓግ ዝሓሸ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ተሰጒጎም፡" ዝብል ቃል ምጥቃም ብምንጻግ፡ "ንሕና ዜጋታት ኣመሪካ ኣይንሰጕግን። ወለዶም ደኣ'ምበር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣይኰነን ነዚ ውሳነ ዝወሰነ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ፈደራላዊ ዳኛ፡ ሓንቲ ካብቶም ናብ ሆንዱራስ ዝተሰጐጉ ህጻናት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ኣመሪካ ክትወጽእ ከም ዝተገብረት 'ሓያል ጥርጣረ' ከም ዘለዎ ገሊጹ።

እታ ስድራቤት ግቡእ መስርሕ ተዋሂቡዋ ድዩ ኣይተዋህባን ንምፍላጥ፡ ን19 ግንቦት ኣብ ቤትፍርዲ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ ትራምፕ ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር ክልተ ውሳነታት ከም ዘሕልፍ ሓቢራ።

ቀዳማይ ውሳነ ንስደተኛታት ዘዕቍቡ ቦታታት ብዝርዝር ክግለጹ ዘገድድ ኰይኑ፡ እዞም ቦታታት ንስደተኛታት ብመንግስቲ ከለላ ዝህቡ ክዀኑ እዮም።

ሊቪት ብተወሳኺ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኮሎራዶ ስፕሪንግስ ኮሎራዶ ኣብ ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት፡ ልዕሊ 100 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ዝኣሰሩን ኣጽዋርን ሓሽሽን ዝሓዙ ከም ዝነበሩን ገሊጻ።

ምምሕዳር ኣኽበርቲ ዕጸፋርስ ኣብ X ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ 114 ስደተኛታት ተታሒዞም ንኽስጐጉ ኣብ ኣውቶቡሳት ተሰቒሎም ከም ዘለዉ ጽሒፉ።

ዶናልድ ትራምፕ ብ20 ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣሽሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።