እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንደቡብ ሱዳናውያን ዝሃበቶ ቪዛ ሰሪዛ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝተጠረዙ ዜጋታታ ክትቅበል ፍቓደኛ ስለዘይኮነት ንኹሎም ወነንቲ ፓስፖርት ደቡብ ሱዳን ዝወሃብ ቪዛ ብቕልጡፍ ትስርዞ ከምዘላ ኣፍሊጡ።
ሩቢዮ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣመሪካ ካብታ ሓዳስ ሃገር ዓለም ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ንዝመጹ ዜጋታት'ውን ኣብ መእተዊ ዶባት ኣመሪካ ክትዓግት ምዃና ሓቢሩ።
ንሱ፡ "መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ናብ ሃገሮም ዝተጠረዙ ዜጋታቱ ኣብ ግዜኡ ክቕበል ዘይምኽኣሉ" ወቒሱ።
እምነ ኩርናዕ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ጃምላዊ ምስጓግ" ዝብል ኮይኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ምእላይ እዩ።
"መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንኣመሪካ ምብልላጽ ደው ከብሎ እዋኑ'ዩ" ይብል ሩቢዮ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ኣመሪካ ዜጋታት ደቂ ካልእ ሃገር ክተውጽእ ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዜጋኣ ብግዜ ክትቅበል ኣለዋ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ውሳነ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ናብ ኲናት ሓድሕድ ክትሽመም ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተዋሂቡ።
ብ8 መጋቢት፡ ኣመሪካ ኣብ 2018 ተጻባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ዝፈረምዎ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ብጀካ ኣገደስቲ ስታፍ ንኹሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ሰራሕተኛታታ ክወጹ ኣዚዛ።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ደቡብ ሱዳናውያን ቅድሚ ሕጂ 'ግዝያዊ መፅንሒ' ተዋሂብዎም ዝነበረ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ኣመሪካ ንዝተወሰነ ግዜ ክጸንሑ ዘኽእሎም እዩ።
እቲ ንደቡብ ሱዳናውያን ዝተውሃበ 'ግዝያዊ መፅንሒ' ክሳብ 3 ግንቦት ከብቅዕ'ዩ።
ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ሱዳን ድሕሪ ምግንጻላ ኣብ 2011 ናጽነታ ረኺባ።
እንተኾነ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ብዝተፈጥረ ምውጣጥ እቲ ወጥሪ ናብ ኲናት ሓድሕድ ማዕቢሉ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝተገብረ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ነቲ ውግእ ደው ኣቢልዎ እኳ እንተነበረ፡ ቁልፊ ባእታታት ናይቲ ስምምዕ ግን ኣብ ግብሪ ኣይወዓሉን።
ኣብ መንጎ ብሄራትን ከባብያውን ጉጅለታት ዝርአ ዓመጽ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ቀጺሉ'ሎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣብ ጉዳይ ምጥራዝ ዜጋታት ደቂ ካልእ ሃገር ምስ መንግስታት ዓለም ተጋጭዩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ፡ ዝተሰጉ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገሩ ደቡብ ኣመሪካ ከይዓልባ ኣጊዱ ነይሩ።