እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ከገልግል ይኽእል ድዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ከገልግል ምድላዩ "ዋዛ" ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
ቅዋም ኣመሪካ፡ "ዝዀነ ሰብ... ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ኣይምረጽን፡" ይብል።
እንተዀነ፡ ገለ ደገፍቲ ትራምፕ ነዚ ንምክልኻል ዝሕግዙ መንገድታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ክምረጽ ይደሊ ድዩ?
ትራምፕ ምስ ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረጻ ብምውድዳር ናብ ዋይት ሃውስ ንምእታዉ ድልየት ኣለካ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ነዚ ክትገብረሉ ዘኽእሉ ሜላታት ኣለዉ'ዮም፡" ክብል መሊሱ።
"ኣይዋዘን ዘለኹ . . . ብዙሓት ሰባት ክገብሮ ይደልዩኒ እዮም። ግን፡ ብመሰረቱ ነዊሕ መንገዲ ከም ዘለና እነግሮም። ትፈልጡዶ፡ ኣብ መጀመርታ ግዜያት ናይዚ ምምሕዳር ኢና ዘለና፡" በለ።
ኣብ መወዳእታ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ 82 ዓመት ክመልእ'ዩ።
"ኣብታ ሃገር ዝኸበደ ስራሕ፡" ኣብ ምስራሕ ከተገልግል ትደሊ ዲኻ ተባሂሉ ተሓቲቱ።
"እዋእ . . . ስራሕ እፈቱ'የ፡" ክብል መሊሱ።
እዞም ርእይቶታት ንመጀመርታ ግዜ ዝሃቦም ኣይኰኑን።
ኣብ ጥሪ ንደገፍቱ፡ "ሓንሳብ ዘይኰነስ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ምግልጋል፡ ኣብ ህይወተይ ዝዓበየ ክብሪ ክኸውን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ሽዑ እዚ ን"መራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ሓሶት ዜና፡" ዝቐረበ ዋዛ ምዃኑ ገሊጹ።
ቅዋም ኣመሪካ እንታይ ይብል?
ላዕሊ ላዕሉ ክርአ እንከሎ፡ ቅዋም ኣመሪካ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረጻ ምውድዳር ዝኽልክል ይመስል።
መበል 22 መመሓየሺ ሕጊ ድማ ከምዚ ይብል፤
"ዝዀነ ሰብ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክምረጽ የብሉን፣ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ኰይኑ ዘገልገለ ወይ ከም ፕረዚደንት ዝሰርሐ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ስልጣን ፕረዚደንት ክሕዝ ኣይኽእልን ወይ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝሰርሐ ሰብ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣይምረጽን።"
ነቲ ቅዋም ንምቕያር ካብ ክልቲኡ ሰኔትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ክልተ ሲሶ ድምጺ፣ ከምኡ'ውን ካብ ሰለስተ ርብዒ ናይተን ብደረጃ ግዝኣታት ዝርከባ መንግስታት እታ ሃገር ምጽዳቕ የድልዮ።
ኣብዚ እዋን፡ ትራምፕ ዝመርሖ ሰልፊ ሪፓብሊካን ንኽልቲኡ ባይቶታት ኮንግረስ ዝቈጻጸር ኰይኑ፡ ዘድሊ ዝበዝሐ ድምጺ ግን የብሉን።
ብተወሳኺ፡ ሰልፊ ደሞክራት ካብ 50 ሓጋጊ ኣካላት ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ነተን 18 ይቈጻጸር።
ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ከመይ ኢሉ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል?
ደገፍቲ ትራምፕ፡ ኣብቲ ቅዋም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይተፈተነ ሃጓፍ ከም ዘሎ ይዛረቡ።
መበል 22 መመሓየሺ ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ንልዕሊ ክልተ እብረ ፕረዚደንትነት "ክምረጽ" ብግልጺ ጥራሕ እዩ ዝእግድ - ብዛዕባ "ምትኽኻእ" ግን ዝብሎ ነገር የሎን ክብሉ ይምጕቱ።
ብመሰረት እዚ ክልሰ-ሓሳብ፡ ትራምፕ ኣብ መረጻ 2028 ምስ ካልእ ሕጹይ - ምናልባት ናይ ገዛእ ርእሱ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ - ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ክወዳደር ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተ ደኣ ተዓዊቶም፡ እቲ ሕጹይ ቃለመሓላ ፈጺሙ ናብ ዋይት ሃውስ ይኣቱ። ድሕሪኡ ብቕጽበት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይኽእል - በዚ ድማ ትራምፕ ብተኸታታሊ ስልጣን ንኽሕዝ በሪ ዝኸፍተሉ ይኸዉን።
ፖድካስተርን ፍሉጥ ኣማኻሪ ትራምፕ ነበርን ስቲቭ ባኖን፡ ትራምፕ "ዳግማይ ክወዳደርን ክዕወትን እዩ፡" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ብኸመይ ኣብ ምውሳን "ሓደ ክልተ ኣማራጺታት" ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተነሲ ሪፓብሊካን ኣንዲ ኦግልስ፡ ኣብ ጥሪ ሓደ ፕረዚደንት ክሳብ ሰለስተ እብረ - ተኸታተልቲ ክሳብ ዘይኰኑ - ከገልግል ዝፈቅድ ምምሕያሽ ቅዋም ክግበር ዝጽውዕ ውሳነ ኣቕሪቡ።
እዚ ማለት ካብ ኵሎም ብህይወት ዘለዉ ፕረዚደንታት ነበር፡ ትራምፕ ጥራሕ እዩ ብቑዕ ክኸውን - ባራክ ኦባማ፡ ቢል ክሊንተንን ጆርጅ ቡሽን ነፍሲ ወከፎም ብተኸታተሊ ንኽልተ ዓመታት ከገልግሉ እንከለዉ፡ ትራምፕ ኣብ 2016 ተዓዊቱ፡ ኣብ 2020 ተሳዒሩ፡ ኣብ 2024 ድማ ዳግማይ ተዓዊቱ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ልዑል ደረጃ ምምሕያሽ ቅዋም፡ ነቲ ኦግለስ ዝህቦ ግምት ዘይምሉእ ይገብሮ - ሰባት ግን ንኽዘራረብሉ መንገዲ ይኸፍት እዩ።
ነዚ መን ይቃወሞ?
ሰልፊ ደሞክራት ብትሪ ይቃወሙዎ።
"እዚ ምዕባለ መንግስቲ ንምቍጽጻርን ደሞክራሲና ንምፍራስን ዝገበሮ ካልእ ግሁድ ጻዕሪ'ዩ፡" ይብል፡ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝተገብረ መስርሕ ፍርዲ መሪሕ ጠበቓ ኰይኑ ዘገልገለ ወኪል ኒውዮርክ ዳኒኤል ጎልድማን።
"ኣባላት ኮንግረስ ሪፓብሊካን በቲ ቅዋም ዝኣምኑ እንተዀይኖም፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝግበር ህርፋን ትራምፕ ክቃወሙዎ'ዮም።"
ገለ ኣባላት ሰልፊ ትራምፕ'ውን፡ እቲ ዘርእዮ ዘሎ ዝንባለ ቅኑዕ ኣይመስሎምን።
ሪፓብሊካን ሴናተር ማርክዌይን ሙሊን ኣብ ለካቲት ንትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ዝግበር ፈተነ ከም ዘይድግፍ ገሊጹ ነይሩ።
ሙሊን ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብቐዳምነት ነቲ ቅዋም ኣይቅይሮን እየ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ከምኡ ክገብር እንተ ዘይመሪጹ፡" ኢሉ።
ክኢላታት ሕጊ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረደም ፕሮፌሰር ሕጊ መረጻ ዴሪክ ሙለር፡ መበል 12 መመሓየሺ ሕገ መንግስቲ "ብሕገ መንግስቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብቑዕ ዘይኰነ ሰብ፡ ንቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ብቑዕ ኣይኸውንን፡" ይብል ብምባል የረድእ።
እዚ ማለት ንኽልተ እብረ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰብ ዳግም ከም ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ካብ ምውድዳር ይግደብ ማለት'ዩ።
"ገደብ ዕምሪ ፕረዚደንት ንምሕላፍ ዘኽእል ዝዀነ 'ዘይፍለጥ ብልሓት' ዘሎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።
ኣብ ቦስተን ኖርዝኢስተርን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ቅዋማዊ ሕጊ ጀረሚ ፖል ንሲቢኤስ ኒው ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሳልሳይ ግዜ ንምውድዳር ዘኽእል "ዘተኣማምን ሕጋዊ ሞጐተ" ከም ዘየሎ ገሊጹ።
ልዕሊ ክልተ እብረ ዘገልገለ ሰብ ኣሎ ድዩ?
ፍራንክሊን ደላኖ ሩዝቨልት ኣርባዕተ ግዜ ተመሪጹ።
ንራብዓይ ግዜ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ሚያዝያ 1945 ዓሪፉ።
ሩዝቨልት ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን፡ ዓቢይ ቅልውላው ቍጠባን ካልኣይ ኲናት ዓለምን ነይሮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንምንዋሕ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ከም ምኽንያት ይለዓሉ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ዝነበረ ናይ ክልተ ዙርያ ግዜ ገደብ ኣብ ሕጊ ኣይሰፈረን ነይሩ - እኳ ደኣ ጆርጅ ዋሽንግተን ብ1796 ሳልሳይ እብረ ኣይደልን ምስ በለ፡ መራሕቲ እቲ ክልተ እብረ ከም ልምዲ ይኽተሉዎ ነይሮም።
እቲ ትውፊት ድማ ኣብ መጀመርታ 1950ታት ኣብ መበል 22 መመሓየሺ ሕጊ ናብ ሕጊ ክቕየር ምኽንያት ኰይኑ።