ኣንጀሊና ጆሊን ስራሓ ምስ ስደተኛታትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣምባሳደር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩኤንኤችሲኣር ኮይና ድሕሪ ምጽናሓ ካብ ስልጣና ትወርድ ምህላዋ ገሊጻ።
ጓል 47 ዓመት ኣንጀሊና ጆሊ፡ "ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ብዙሕ ነገራት እኣምን እየ፡ ብፍላይ ድማ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድሕኖ ህይወት" ክትብል ተዛሪባ።
ብተወሳኺ "ሕጂ ምስተን ብቐጥታ ብግጭት ዝተተንከፉ ሰባት ዝምራሕ፡ ዝዓበየ ድምጺ ዝህባ ትካላት ክሰርሕ እየ" ኢላ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ገዚፍ ጽልዋ ዘለዎ ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ምዃኑ'ውን ገሊጻ።
እታ ኮኾብ ሆሊዉድ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ሎሚ ካብቲ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሖ ስራሕ ይወርድ ኣለኹ" ኢላ።
"ስደተኛታት ኣብ ዓለም ኣዝየ ዘድንቖም ሰባት እዮም፡ ምሉእ ህይወተይ ድማ ምስኦም ክሰርሕ ውፉይ እየ።"
ኣንጀሊና ጆሊ ብዛዕባ እተን ክትሰርሓሎም ዝሓሰበት ትካላት ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣንጀሊና ጆሊ "ኣብ ሰፊሕ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰላትን ክትዋፈር እያ" ኢሉ።
"ጆሊ ልዕሊ 60 ተልእኾታት ብምፍጻም ዛንታታት ስቓይ ከምኡ'ውን ተስፋን ጽንዓትን ንምምስካር ከይተሓለለት ሰሪሓ" ክብል እቲ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ‘ሚስተር ኤንድ ሚስስ ስሚዝ’፡ ላራ ክሮፍት: ቶምብ ራይደር ካልኦት ሓያሎ ብሉጻት ፊልምታት ዝተዋስአት ኣንጀሊና ጆሊ ካብ 2001 ጀሚራ ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብምስራሕ ኣብ 2012 ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ትካል ኮይና።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን፡ የመን ከምኡ’ውን ቡርኪናፋሶ ምስ ዝተመዛበሉ ሰባት ተራኺባ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







