ሳሃር ታባር፡ ኢራናዊት 'ምውት መንፈስ ኣንጀሊና ጆሊ' ተኣሲራ

ሳሃር ታባር

ምንጪ ስእሊ, Instagram

መግለጺ ስእሊ, ሳሃር ታባር "ዕዙም" ምስሊ ኣንጆሊና ጆሊ ብምፍጣራ ትኹረት ክትስሐብ ክኢላ

ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ኣነጀሊና ጆሊ ንምምሳል ዘይገበረቶ ከምዘየለ ዝዝረበላ፡ ብእተካፍሎም ስእልታት ህቡብነት ዝረኸበት ኢራናዊት ኾኸብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኣሲራ።

ሳሃር ታባር፡ ብእትጥቅዖም ስእልታት፡ ብምርካስ፡ ምውራድን፣ ጎንጺ ብምልዕዓልን ብዝብል ገበናት ከም ዝተኣሰረት፡ ማዕኸን ዜና ታስኒም ጸብጺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኢንስታግራማ እትጥቅዖም ስእልታት፡ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ኢንተርነት ምዝርግሐም፡ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለምለኻዊ ክትከውን በቒዓ'ያ።

ሳሃር፡ ዋላ'ኳ ነታ ተዋሳኢት ንምምሳል 50 ግዘ መጥባሕቲ 'ፕላስቲክ' ገይራ'ያ እንተ ተብሃለ፡ እትልጥፎም ስእልታት ግን ብዙሕ ምትዕርራይ [ኤዲት] ዝተገበሩ'ዮም።

ጓል 22 ዓመት ሳሃር ታባር፡ ናይ ኣንጆሊና ጆሊ 'ዞምቢ' [ብዙሕ ግዘ ኣብ ዘፍርሑ ፊልምታት ዝርኣዩ ናይ ምውት መንፈስ] ገጸ ባህሪ ብምውሳእ፡ ብስእልታትን ተንቃሳቓሲ ምስሊ ብምፍናውን፡ ትኹረት ዓለም ክትስሕብ ከም ዝኸኣለት ሪፖርተር ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ ሙሁር ሰባስቲያን ኣሸር ተዛሪቡ።

ንሳ፡ ዝጠምቦቐ ምዕጉርቲ፣ ኣዝዩ ዘፍርሕ ክምስታን ዝተሰንዐ ኣፍንጫ ዘርኢ ስእልታት፡ ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ ንምምሳል ብዝገበረቶ መጥባሕቲ 'ፕላስቲክ' ዝሰዓበ ከም ዝኾነ ኣምሲላ'ያ ትጥቅዖም ነይራ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ኢንስተግራም ብዘደንቐን ዘደንግጽን መልክዑ ቑጽሪ ሰዓብታ ስለ ዝወሰኸ፡ እትጥቅዖ 'መንፈስ' ዝመስል ስእሊ ብመጸባበቒ [ሜክኣፕ] እትፈጥሮ ከም ዝኾነን፡ እቶም ስእልታት ብግቡእ ምትዕርራይ ብምግባር ንርእሳ ናብ ናይ ጥበብ ስራሕ ከም ዝቐየረት፡ ኣፋፍኖት ሂባ'ያ።

ኢንተስግራም ሳሃር ክጠፍእ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Instagram

መግለጺ ስእሊ, ኢንተስግራም ሳሃር ክጠፍእ ተገይሩ

ሰብ ሞያ ፍትሒ፡ ዝተወሰኑ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ልዕሊኣ ቅሬታ ብምቕራቦም ሳሃር ከም ዝተኣሰረት ገሊጾም።

ብምርካስን ብምውራድን፣ ጎንጺ ብምልዕዓል፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንብረት ምፍራይ፣ ስርዓት ኣከዳድና እታ ሃገር ብምጥሓስን መናእሰይ ኣብ ብልሽውና ክኣትው ብምልዕዓልን፡ ከም ዝተኣሰረት'ውን እቲ ማዕኸን ዜና ገሊጹ።

ብሰንኪ'ዚ ኢንስታግረማ ከም ዝተዓጽወ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።