ኣብ ትግራይን ኦሮምያን ዘጋጠመ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ እንታይ’ዩ ጠንቁ?

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ዝርከብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ውዕል ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ባንክ ብውሱን ደረጃ ምጅማሩ ይዝከር።

እንተዀነ እተን ስራሕ ጀሚረን ዝነበራ ባንክታት ብሰንኪ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘየለዋ ነበርቲ እቲ ክልልን ሰራሕተኛታት ባንክን ይገልጹ።

ምስ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ተኣሳሲሩ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዘለዎ ምዕራብ ኦሮምያ እውን ገለ ባንክታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይነን እየን።

ብተወሳኺ ዝተወሰና ጨናፍር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ንዓማዊለን ኣብ ዝህባኦ መጠን ጥረ ገንዘብ ገደብ ኣንቢረን እየን።

በዚ ምኽንያት ከቢድ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ኣብ ትግራይን ጸገም ጸጥታ ኣብ ዘለዎም ገለ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያን ዝነበሩ ሰባት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ንምዃኑ፡ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ትግራይን ምዕራብ ኦሮምያን ዘጋጠመ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ እንታይ እዩ?

'ፖለቲካዊ እዩ ኢለ እኣምን'

ኣቶ ክፍሎም ነባራይ ከተማ ዓቢይ ዓዲ እዩ። እታ ከተማ ካብ ነበርታ ብተወሳኺ ብሰንኪ ኲናት ቤቶምን ንብረቶምን ገዲፎም ዝተፈናቐሉ ብዙሐት ሰባት ኣዕቊባ ትርከብ።

ድሕሪ ውዕል ሰላም ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያን ካልኦት ውልቀ ባንክታትን ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚረን ነይረን። ኣብዚ እዋን ግን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝዀና ኣቶ ክፍሎም ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ቅድም ክብል ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ሽሕ ብር ምውጻእ ይከኣል ነይሩ። ድሕሪኡ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ኣጋጢሙ ብዝብል ናብ 2 ሽሕ ብር ቀኒሶምዎ። ሐዚ ‘ጠቕሊሉ ገንዘብ ዝበሃል የብልናን’ ካብ ዝብሉ መዓልቲታት ሓሊፉ።”

በዚ ምኽንያት ብሰንኪ ኲናት ንከቢድ ጸገም ዝተቓልዑ ነበርቲ፡ ጸገሞም ንምፍታሕ ጥረ ገንዘብ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ይገልፁ።

ኣቶ ክፍሎም “ብጣዕሚ ዘሕዝን፡ ሰባት ብዛዕባ እተን ባንክታት ሓበሬታ ስለዘይብሎም ቅርሺ ክንረክብ ኢና ኢሎም ዘለዎም ገንዘብ ንመጓዓዓዚ ከፊሎም፡ ካብ ገጠራት ይመጽኡ። ብእግሮም ዝመጽኡ እውን ኣለዉ።

“ካብ ባንክ ገንዘብ ኣውጺኦም መድሃኒት ንምግዛእ ዝመጹ እውን ኣለዉ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ላዕሊ ታሕቲ፡ ናብተን ባንክታት ምስ በጽሑ ኣገልግሎት የለን ይበሃሉ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ናብ ትግራይ 5 ቢልየን ብር ምልኣኹ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ጨናፍር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚረን ነይረን።

እንተዀነ እቲ ዝተላእከ ገንዘብ ካብ ዓሰርተ መዓልቲ ንላዕሊ ከምዘይጸንሐን፡ መሊሱ ሕጽረት ገንዘብ ከምዘጋጠመን፡ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ሓላፊ ዲስትሪክት ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ገሊጹ።

“ሓሙሽተ ቢልዮን እዩ ተላኢኹ። ሰለስተ ቢልዮን ንባንኪ ንግዲ፡ ባንክታት ወጋገንን ኣንበሳን ድማ ወከፈን ሓደ ቢልዮን ረኺበን። እንተዀነ ወጻኢ እምበር ኣታዊ ኣይነበረን፤ ነዚ እዩ ሕጽረት ዘጋጠመ።”

እቲ ዝቐረበ ገንዘብ ብምውድኡ፡ ሃገራዊ ባንክ ተወሳኺ ጥረ ገንዘብ ክልእኽ ከምዝተሓተተን “ቕርሺ ልኣኹ ኣይተበሃልናን” ዝብል መልሲ ከምዝተወሃቦምን ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ እተን ባንክታት ንዓማዊለን ካብ ሰለስተ ሽሕ ብር ንላዕሊ ክህባ ከምዘይከኣላ ይዛረብ።

“ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ገንዘብ ክልእከልና ሰለስተ ግዜ ሓቲትና ኢና። እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፤ እምበር ምስቲ ባንክ መዓልታዊ ኢና እንዘራረብ።”

ብፍላይ መድሃኒት ንምግዛእ ጥረ ገንዘብ ዝደልዩ ዓማዊል ይከላበቱ ከምዘለዉ እውን እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።

“ሕማም ሽኮር፡ ካንሰርን ካልኦት ሕማማትን መረዳእታ ሒዞም ዝመጽኡ እውን ኣለዉ። እተን ባንክታት ዓቕመን ብዝፈቐዶ ቅሩብ ወሲኸን ንምሃብ ይፍትና እየን፤ ኰይኑ ግን ዘዕግብ ኣይኮነን።”

ኣብዚ እዋን ገሊአን ጨናፍር፡ ውሱናት ትካላት ኣታዊ ካብ ዝገብርዎ ጥረ ገንዘብ ኣገልግሎት ንምሃብ ይቃለሳ ከምዘለዋ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ እተን ጨናፍር “ቅሩብ ቅርሺ እንትእክባ ይኽፈታ፤ ቅርሺ እንትስእና ድማ ይዕጸዋ” ይብል።

ቅድሚ እቲ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ዝነበራሉ፡ ናብ ትግራይ ገንዘብ ንምልኣኽ፡ ካብቲ ዝለኣኽ ክሳብ 40 ሚእታዊት ይኽፈል ነይሩ።

ባንክታት ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ጀመራ፡ እዚ ዘይፍትሓዊ ክፍሊት ክተርፍ እዩ ዝብል ተስፋ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን እውን ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ቅርሺ ልኢኽካ ጥረ ገንዘብ ንምርካብ ዓስቢ (ኮምሽን) ከምዝኽፈል ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ጥረ ገንዘብ ዝህቡ ሰባት፡ ናብ ሕሳቦም ካብ ዝለኣኽ ገንዘብ ክሳብ ሸውዓተ ሚእታዊት ዓስቢ ከምዝወስዱ እቶም ምንጭታት ይገልጹ፡፡

“ካብ 5 ክሳብ 7 ሚእታዊት ከፊልካ ኢኻ ካብ ሕሳብ እተሕልፍ፤ ጥረ ገንዘብ ክትረክብ ክሳብ ሸውዓተ ሚእታዊት ወሲኽካ ትኸፍል፡” ይብል ኣቶ ክፍሎም።

ጥረ ገንዘብ

'ምስ ባንክ ቅርበት ዘለዎ ዝደለዮ መጠን የውጽእ'

ሕጽረት ጥረ ገንዘብ፡ ካብ ባንክ ንምውጻእ ወጻኢ ኣብ ዝግበር መጠን ዝንበር ገደብ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ኣገልግሎት ባንክ ዘይምህላው፡ መረረ ብዙሓት ነበርቲ ምዕራብ ኦሮምያ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደንቢ ደሎ ዝምህር ኤቢሳ መርጋ፡ ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ካብ ዝርከብ ባንክ፡ መኽፈሊ ክራይ ገዛ ዝኸውን ገንዘብ ከውጽእ ከምዝተጸገመ ይገልጽ።

“መንግስቲ ዝህበኒ፡ ንክራይ ገዛ መኽፈሊ ዝኸውን 2500 ብር ከውጽእ ከይደ፡ ክህቡኒ ኣይከኣሉን። ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ኣይከኣልን ኢሎም መሊሶምኒ።”

ኣብ ከተማ ደንቢ ዶሎ ከቢድ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ከምዘሎ ዝገልጽ ካልእ ነባራይ፡ እቲ ኵነታት ንብልሹው ኣሰራርሓ ማዕጾ ከምዝኸፈተ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ምስ ሓለፍቲ ባንክ ወይ ድማ ምስ ባንክታት ቅርበት ዘለዎ ሰብ፡ ዝደለዮ መጠን ገንዘብ ከውጽእ ይኽእል እዩ። ዓማዊል ሪጋ እናተጸበዩ፡ ምስቶም ናይቲ ባንክ ሰባት ርክብ ዘለዎ ግን ዝደለዮ ገንዘብ ኣውጺኡ ክኸይድ ርእየ እየ።”

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ገንዘብ ደልዮም ናብ ባንክ ኣብ ዝኸድሉ፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ‘ሞባይል ባንኪን’ ተጠቒምኩም ሓድሕድኩም ተለኣኣኹ ከምዝበልዎም ይሕብሩ።

ኣብዞም ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ገንዘብ ኣብ ዝደልዩሉ ናብ ዝፈልጥዎም ነጋዶ እናኸዱ እዮም ብሞባይል ባንኪን ገንዘብ ልኢኾም ጥረ ገንዘብ ዝቕበሉ።

እዚ ክኸውን ግን እቶም ሰባት ዝፋለጡ ወይ ዝረዳድኡ ክዀኑ ኣለዎም።

መምህር ኤቢሳ ከምዝብሎ፡ ኣብ ከተማ ደንቢ ዶሎ ካብ ባንክ ገንዘብ ንምውጻእ ዝተሰርዑ ሰባት ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባታት ምዕራብ ኦሮምያ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ዕጡቕ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሓይልታት መንግስትን ዝለዓል ተደጋጋሚ ግጭት፡ ባንክታት ዝረከባአን ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ስራሕ ደው ከብላ ይግደዳ እየን።

እዚ ጸገም ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ኣመና ዝኸፍአ ስለዝዀነ፡ ነበርቲ ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከባ ከተማታት ከይዶም እዮም ገንዘብ ዘውጽኡ።

ነበርትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ወረዳታት ሙጊን ጊዳሚን፡ ኣብ ከባቢኦም ኣገልግሎት እትህብ ባንክ ስለዘየላ፡ ናብ ከተማ ደንቢ ዶሎ ብምምልላስ ከምዝጽገሙ እቲ መምህር ይዛረብ። ነዊሕ ተጓዒዞም መጺኦም’ውን ዝደልይዎ መጠን ገንዘብ ብሓደ መዓልቲ ከውጽኡ ስለዘይክእሉ፡ ኣብታ ከተማ ብዙሕ መዓልቲታት ክጸንሑ ይግደዱ። እዚ ድማ ንተወሳኺ ውጻኢታት የቃለዖም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ገንጂ ነባሪት ዝዀና ኣደ ንቢቢሲ ከምዝሓበራኦ፡ ኣብታ ወረዳ ዝነበራ ክልተ ባንክታት ‘ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ’ ከብ ዝዕጸዋ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ባንክ ገንዘብ ከውጽኡ ናብ ከተማታት ጊምቢን ዩብዶን ከምዝጓዓዙ እውን ይጠቕሳ።

ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት ጨናፍር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ባንክታት ጥረ ገንዘብ ሒዘን ክጸንሓ ስለዘይክእላ፡ እቲ ኵነታት ምኽንያት ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዛዕባ ቢቢሲ ንዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ መብርሂ ዝሓተተ ኰይኑ፡ እቲ ባንክ ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደልን ምላሽ ክህብ ዘለዎ ሃገራዊ ባንክ ከምዝዀነን ገሊጹ።

ቢቢሲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኸኣ ኣይሰመረን።