'የማነይቲ ኢደይ ክቖርጽዋ ፈቲኖም ነይሮም' -ጋዜጠኛ

ኡማሩ ፎፋና፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ሴራልዮን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ምጽብጻቡ ብኸመይ ከምዝጸለዎ ሎሚ እውን ጋዜጠኛታት እንታይ ሓደጋታት ከምዘጋጥሞምን ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ገለ ዘሰክፍ ኣገላልጻታት ዝሓዘ እዩ።
ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሴራሊዮን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ናይ ሓሶት ዜናን ወረን ብበዝሒ ነይሩ።
ኣብቲ ኢንተርነት ይኹን ሞባይል ቴሌፎን ኣብ ዘይነበረሉን እዋን፡ ሪፖርተራት መብዛሕትኡ ግዜ ሓበሬታ ክረኽቡ ብኣካል ክኸዱ ነይርዎም።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ዓመት ገይሩ።
ኣብ 9 ጥቅምቲ 1997፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ብወተሃደራዊት ጀት ናይጀርያ ብቦምባ ከምዝተሃርመ ዝገልጽ ጸብጻብ ከረጋግጽ ወጺአ።
ብርኡይ ሕነ ምፍዳይ እቶም ወተሃደራት ናይቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ፕረዚደንት ናይ ብሕቲ መንበሪ ገዛ ብሓዊ ከምዘቃጸልዎ ተገሊጹ።
ኣብቲ ኲናት፡ እቶም ብሓሽሽ ብምስኻርን ኣካላት ሰባት ብምቑራጽን ዕሉላት ዝኾኑ ዕጡቓት ስሙር ግንባር (RUF)፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተሓባበሩሉ እዋን'ዩ ነይሩ።
ወተሃደራት ናይጀርያ ኣብ ወሰን ርእሰ ከተማ ሴራልዮን ዓስኪሮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብቲ እዋን ጣልቃ ንምእታው ዝኾነ ስልጣን ኣይነበሮምን።
ብወተሃደራትን ተቓወምቲ ዕጡቓትን መሓዙቶምን ዝመልአ ዕጽው መንገዲ እናሓለፍኩ ከለኹ ናብቲ ዝተቓጸለ መንበሪ ገዛ የምርሕ ከምዘለኹ ፈለጡ።
ኣስታት ፍርቂ ደርዘን ዝኾኑ ካብኣቶም ከባርሩኒ ጀሚሮም። "ጠጠው በል!" ኢሎም ጠበንጃኦም እናቀባበሉ ጨደሩ።
"እንተሃዲመ ክቐትሉኒ እዮም" በልኩ ብልበይ። ስለዚ ደው ኢለ።
ምስ ቀረቡ ሓደ ካብኣቶም ተኲሱለይ። የማናይ ዓጽሚ በራቒቶይ ተሰባቢሩ።
ናብ መፈተሺኦም ክወስዱኒ ከለዉ ብጸጋማይ እግረይ ዘሊለ። ክወድቕ ከለኹ ተንስእ ኢሎም እናጨደሩ ይሃርሙኒ ነይሮም።
ኣብቲ ናቶም መፈተሺ ነቑጣ፡ ኣብ ደፍተርይ፡ ብዛዕባ ኣብ ጽርግያ ዝሞተ ሓደ ሓላፊኦም ዘቕረብክዎ ጽሑፍ ክርእዩ ከለዉ ሕጉሳት ኣይነበሩን።
ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝነበሮም ጽልኢ ርኡይ እዩ ነይሩ።
ሓደ ካብኣቶም ንዓይ ክቐትል ተኲሱ፡ ካልእ ግን ስለዝደፍኦ እታ ጥይት ኣብቲ ገረብ ዓሊባ።
ብድሕሪኡ ናብቲ መሕብኢ ቦታ ክወስዱኒ ወሲኖም።
ኣብኡ ፕላስቲክ ኣቃጺሎም ነቲ ሃልሃልታ ኣብ ሕቖይ ኣንጠብጢቦምለይ።
የማነይቲ ኢደይ ክቖርጽዋ ፈቲኖም፡ ኣነ ግን ብተፈጥርኣዊ መንገዲ ተቓሊሰ።
ሓደ ካብኣቶም ኣብ ኣፈይ ሽንቲ ሸይኑ ክውሕጦ ኣገደዱኒ።
ኣብታ ለይቲ እቲኣ ንኽቐትሉኒ ድሉዋት ምዃኖም ብዘፍልጥ መገዲ ናብ ድሕሪት እቲ ህንጻ ወሲዶሙኒ።

ምንጪ ስእሊ, ኡማሩ ፎፋና
ገለ ውጉኣት ብጾቶም ንሕክምና ናብቲ መሕብኢ ዘምጽአ ሓደ ካብ ኣዘዝቶም ግን ኣቐዲሙ ኣብቲ መፈተሺ ነቑጣ ርእዩኒ ስለዝነበረ ኣበይ ከም ዘለኹ ሓተተ።
ናብ ሆስፒታል ከም ዝወስዱኒ ክነግርዎ ምስ ሰማዕኹ፡ "ሓሶት እዩ ኣብዚ ኣለኹ" ኢለ ጨዲረ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ተወሲደ፣ ኣብኡ ድማ ሓደ ሓኪም ራጂ ክገብር መኺሩኒ።
ሓደ ወተሃደር ነቲ ብሽክለታ ጉዱኣት ኣካላት ኮነ ኢሉ ፈቲሑ ደፊእዎ። ኣነ ድማ ኣብቲ መንሸራተቲ ወዲቐ ዝያዳ መጉዳእቲ ኣጋጢሙኒ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብሓደ ሸያጢ ፍረታት ኣቢለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈትይ መልእኽቲ ልኢኸ። ንሶም ንለንደን ድሕሪ ምሕባሮም ናብ ሓደ ሲቪላዊ ሆስፒታል ተሰጋጊረ።
ኣብቲ ን11 ዓመታት ዝቐጸለ ኣረሜናዊ ግጭት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም እዮም።
ብመሰረት እቲ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት መራኸቢ ብዙሃን፡ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብ መንጎ 1996ን 2000ን ጥራይ 15 ናይ ወጻኢን ውሽጢ ዓድን ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም እዮም።
ስለዚ ብብዙሕ መዳይ ዘይሙማተይ ዕድለኛ እየ።
እቲ ኲናት ምስተወድአ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2020 ድሕሪ ነዊሕ ጎስጓስ ዝወጸ ሕጊ ገበናዊ ጸለመ፡ ጋዜጠኛታት ዝእሰረሉ ኩነታት ነክዩ እዩ።
ግን ኩሎም ወገናት ኣብ ሚድያ ጽልዋ ከሕድሩ ስለ ዝደልዩ፡ ኣብቲ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ሕጂ’ውን ለውጢ የለን።
ገለ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም እዩ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ምግፋዕ ጋዜጠኛታት ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይበዝሕ።
ንስድራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ንኣሽቱ ደቀይ ናይ ሞት ምፍርራሕ ክበጽሓኒ ከሎ ይጉዳእ እየ።
እዚ ሓደጋታት ግን ከምቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዘጋጠመኒ ኣይኮነን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







