ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ሴራልዮን ብዘጋጠመ ነትጕ ልዕሊ 80 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, President Julius Maada Bio/ Twitter
ኣብ ርእሰ ከተማ ሴራልዮን ፍሪታዉን ብዘጋጠመ ከቢድ ነትጕ 84 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ከምዝተጎድኡ ተፈሊጡ።
እቲ ነትጕ ሓንተ ነዳደ ዝጽዓነት ዓባይ መኪና ኣብ ብዙሓት ሰባትን መካይን ዝነቀሳቐስሉ ከባቢ ምስ ካልእ ምስ መኪና ምስ ተጋጨዋ'ዩ ኣጋጢሙ።
ማዕኸናት ዜናት እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሕኦ ስእልታት ኣዕርዮም ዝተሃሰዩ ሰባተግ ኣብ ጎደና ኣብ ጣቓ እተን ዝቃጸላ ዝነበራ መካይን ይረኣዩ።
ከንቲባ እተራ ከተማ ዩቮኔ ኣኪ ሳውየር እቲ ክስተት "ኣስካሕካሒ'እዩ" ድሕሪ ምባል መጠን ዕንወት ግን ዛጊት ብንጹር ከምዘይፍለጥ ተዛሪባ።
እታ ከንቲባ ኣብ ናይ ፌስቡክ ማሕበራዊ ገጻ “ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጽንጽንታ’ሎ” ዝበለት ኮይና ዛጊት ግን ብወግዒ ዝፍለጥ ቁጽሪ መወትቲ የለን።
ብመንግስቲ ዝምራሕ መካነ ሬሳ ግን ክሳብ ሕጂ 91 ሬሳታት ከምዝተቐበለ ኣመሓዳሪ እቲ መካነ ሬሳ ንሮይተረስ ተዛሪቡ።
እቲ ሓደጋ ነትጕ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣዝዩ ዕሙር ዕዳጋ ኮይትራም’ዩ ተኸሲቱ።
ሓላፊ ትካል ምቁጽጻር ሃንደበታዊ ሓደጋታት ሴራልዮን ቢሪማ ቡረህ፡ ንዘቤታውያን ሚድያታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ሓደጋ “መሰምበዲ” ኢልዎ።
እታ ኣብ ጥቓ ወደብ ዝተደኮነትን መንበሪት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባትን ዝኾነት ፍሪታውን ኣብ ቀረባ እዋናት ተደጋጋሚ ሓደጋታት ክርኣየላ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሓደ ሻውላዊ እታ ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ 80 ሰባት ተጎዲኦም ልዕሊ 5 ሽሕ ድማ ተመዛቢሎም ነይሮም። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣጋጢሙ ብዝነበረ ከቢድ ዝናብ ከኣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ምሟቶም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







