ኣመሪካ፡ ሓገግቲ ኣካላት ንምምሕያሽ ትሕተ ቕርጺ ዝውዕል 1 ትሪልዮን ዶላር ሰሊዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ፡ ንምምሕያሽ ትሕተ ቕርጺ ኣመሪካ ዝውዕል ሓደ ትሪልዮን ዶላር ሰሊዖም፡ በዚ መሰረት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ትሕተ ቕርጺ ኣብ ሓደ እዋን ዝበዝሐ ገንዘብ ዝተሰለዓሉ መራሒ ክኸውን እዩ።
እቲ ብ228 ደገፍን 206 ተቃውሞን ዝጸደቐ ሰልዲ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ዲሞክራትስ ምግምማዕ ፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ብሓገግቲ ኣካላት ተሰሊዑ ዘሎ 1 ትሪልዮን ዶላር፡ ብላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ፌርማ ናይ ጆ ባይደን ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ።
ካብዚ ሓደ ትሪልዮን ዶላር እቲ 550 ቢልዮን ዶላር ጽርግያ፡ መንገዲ ባቡራት፡ ንዓበይቲ ከተማታት ዘራኽብ ገፋሕቲ ጽርግያታትን ተመሳሳልቲ ነገራትን ኣብ ምምሕያሽ ክውዕል እዩ ውጥን ወጺእዎ ዘሎ።
ገለ ክፋል እቲ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ኸኣ፡ ኣብ ምስፋሕ ተተካኢ ጽዓት፡ ኣብ ምፍረይ ጽሩይ ማይን ኣብ ምስፍሕፋሕ ቅልጡፍ ኢንተርኔትን ክውዕል እዩ።
ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ 19 ኣባላት ሪፓብሊካን ምስ ኣባላት ዲሞክራትስ ብምጽንባር ነዚ እማመ ምስ ኣቐረብዎ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ምግምማዕ ተራእዩ ነይሩ።
ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ምውሃብ ድምጺ’ውን 13 ኣባላት ሪፓብሊካን ነቲ መደብ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጾም እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተነድፈ ሓሳብ፡ ናብ ተግባር ንኽሰግር ፌርማ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።
ካብ ሚኒሶታ ኢልሃም ዑመርን ካብ ኒው ዮርክ ኣሌክሳንድራ ኮርተዝን ዝርከብኦም ሽዱሽተ ካብ ኣባላት ዲሞክራትስ ነቲ ሓሳብ ዘለዎም ተቃውሞ ብምግላጽ ኣንጻር እቲ ንድፊ ድምጾም ሂቦም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







