ኤርትራ፡ ሕልሙ ከይተጋህደሉ ዝሓለፈ ኣቦ ‘ማሕበር ሸውዓተ’

መሓመድ ስዒድ ናዉድ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ስዒድ ናዉድ

መሓመድ ስዒድ ናዉድ፡ ኣቦ ‘ማሕበር ሸውዓተ’ (ሓራካ)፡ ኣንጻር ፈደረሽን፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣንጻር ጐበጣ ኢትዮጵያ ዝመከተን ሽግ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝወለዐን ዜጋ ነበረ።

እቲ ዘሕዝን ግን ፈላሚ ሰውራ ክነሱ ህይወቱ ምሉእ ዝሓለሞም ሕልምታት ከይተጋህዱ ሓሊፉ።

ኣብታ ዝተቓለሰላ ሃገር፡ ሓለፍቲ መንግስቲ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ክእሰሩ፡ ቃልስን ናጽነትን ኤርትራ ብመትከል ዘይጠለቦም፡ ቅዋም ክድርበ፡ መሰል ምርጫ ክገሃስ፡ ናጻ ፕረስ ክዕጾ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ግፍዕታት ክፍጸሙ ርእዩ ኣብ 74 ዕድመኡ እዩ ካብዛ ዓለም ተሰናበተ።

ወለዶ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ኤርትራ፡ ነቲ ብምስጢር ዝነጥፍ ዝነበረ ኣወዳድባ “ማሕበር ሸውዓተ” ዘይፈልጥ ኣይነበረን።

ማሕበር ሸውዓት ወይ ከኣ “ሓራካ” መቐጸልታ ናይቲ ብኣርብዓታት ዝተናኸሰ ሽግ ሃገራዊ ስምዒት ሒዙ፡ ንኣካይዳ ኣቦታት ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልደማርያምን ተኸቲሉ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝተወልደ ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ኣብያ ምንቅስቓስ ማሕበር ነበረ።

ንኣንድነታዊ ምንቅስቓስ ብምምካት ድማ፡ ነቲ ብስሳታት ዝተኣታተወ ዝተረረ ምንቅስቓስ ብረታዊ ቃልሲ፡ መንገዲ ዝመርሐ ምንቅስቓስ ብምንባሩ’ዩ ዝዝከር።

ማሕበር ሸውዓተ እንክዝከር፡ ስምን ተራን መሓመድ ስዒድ ናውድ’ዩ ዝዝከር። ምስኡ ኸኣ በቲ ዘመን’ቲ ብጀነራል ተድላ ዑቕቢት ዝምራሕ ዝነበረ ክንፊ ጸጥታ ፖሊስ ኤርትራ ይዝከር፤ ምኽንያቱ ፖሊስ ኤርትራ፡ ንኣባላት ሓራካ ብጥብቂ ይሃድኑዎም ስለዝነበሩ።

ሓራካ ብቝዕ ሰነዳት’ኳ እንተዘይገደፈ፡ ኣብ ተዘክሮታት ዝተመርኰሱ ጽሑፋት ግን ይርከብ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ከም “ካብ ሪቕ -ሕፍንቲ” እትብል (ብተኪኤ በየነ) ዝተደርሰት መጽሓፍን “ኤርትራ -ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን” (ብኣለምሰገድ ተስፋይ)፡ “ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ” (ብወልደየሱስ ዓማር) ኣብ ዝኣመሰላ መጻሕፍቲ፡ እዚ ታሪኽ ሓረካ ይጥቀስ እዩ።

ባዕሉ መሓመድ ስዒድ ናዉድ ብዓረብኛ ዝደረሶ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ዝብል መጽሓፍ’ውን ኣሎ።

ምንቅስቓስ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምስተቘርነት እዩ ዝጅምር። እቲ ኣብ ኣርብዓታት ዝጀመረ ፍሕትሕት፡ ሰላማውን ስቱርን ነበረ፤ ብድሕሪኡ፡ ኣብ መፋርቕ 40’ታት ድማ ብመንእሰያት ኣንድነት ጐነጻዊ ፖለቲካ ስለ ዝተኣታተወ ካብ ዓቕሊ ጽበት ንናጽነት ክብሉ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ መዓት ኣተዉ።

ንቡር መጻኢ ዕድላቶም ኣባኺኖም፡ ዝነበሮም ከስኪሶም ፡ መንገዲ ህይወቶም ብምልዋጥ ናጽነት ከረጋግጹ ተንቀሳቐሱ።

እዚ ሕጂ ኣብ ስሳታት ኣትዩ ዘሎ ወለዶ፡ ብዛዕባ’ቶም ዝተኣስርዎ፡ ዝተሸርቡዎ፡ ዝተቐትልዎ ኣባላት ቤተሰቡ ክሳብ ሎሚ’ዩ ነቲ ግፍዕ’ቲ እዩ ዝዝክሮ።

ጸሓፊ ታሪኽ ዳዊት ዮሃንስ፡ ነቲ እዋን እንክዝክር፡ ብውሑዱ፡ ጦር-ሰራዊት ኣብ ካምቦታት ኣስመራ ክኣትዉ፡ ፈደረሽን ክፈርስ፡ ሸቦሮ ተምሃሮ ክጓሃሃር፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ኣስመራ ፍርሂ ክሰፍን፡ ማእሰርቲ ክገንን፡ ኰተቴ ሓዉ ክእሰሮ፡ ቤተሰቡ ኣብ ራዕድን ሽበራን ክኣትዉ ኣጸቢቐ እዝክር ይብል።

ቀንዲ መሳርሕቱ ንመሓመድ ስዒድ ናዉድ ዝነበረ - ሳልሕ ኣሕመድ ኢያይ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ቀንዲ መሳርሕቱ ንመሓመድ ስዒድ ናዉድ ዝነበረ - ሳልሕ ኣሕመድ እያይ

ብሓጺሩ ዘመኑ ቅሳነት ዘይነበሮ ዘመን ነበረ። ፖሊስ ኤርትራ ኸኣ ቀጻዕትን ጨካናትን ስለዝነበሩ ሕግታቶም ይኽበር ነይሩ።

ዝረኣዮም ሰብ እውን ተሸቝሪሩ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። ፖሊስ ኤርትራ ብእንግሊዝ ዝሰልጠኑ ኰይኖም፡ ኣይኰነንዶ ብፖለቲካ ንዝተጠርጠረ፡ ካልእ ገበን ንዝፈጸመ ሰብ’ውን ሰተት ኣየብሉን ነበሩ።

እንተስ ብገርሁ እንተስ ብድፍረት ንስልጣን ፖሊስ ዝተጻረረ ሰብ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ይገጥሞ ነበረ። በቲ ካልእ ሸነኹ፡ ፖሊስ ንዅሉ ሰጥ ከብሉ ሕንዳ ብዘይብሉ፡ ካብ ግቡኦም ንላዕሊ ንስልጣኖም ይጥቀምሉ ነበሩ።

ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ብፍላይ፡ ብጥርጠራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዕታትን ግፋን ብቐሊሉ ዝርአ ኣይነበረን። ሓላፊ ፖሊስ ዝነበረ ጀነራል ተድላ ዑቝቢት ኣዝዩ ተፈራሒ ነበረ፤ ኣብ ርእሲኡ ምስ ከም ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ሓቢሮም - ድሕሪ ተድላ ባይሩ ኣብ ኤርትራ ገባርን-ሓዳግን ዝነበሩ - ንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ኣዳኺሞም ፍቕሪ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ከተኣታትዉ ጽዒሮም’ዮም፤ ብመጠኑ እውን ከምዝተዓወቱ’ዩ ዝግለጽ።

ዝዀነ ኰይኑ ባንዴራ ኢትዮጵያ ብድፍኢት ኣንድነታውያን ኣቢላ ኣብ ተንበልብለሉ ዘመን ስለ ዝነበረ፤ ኣምሓርኛ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክተኣታቶ ዝጀመረሉ፡ ብዙሓት ኣቦታት ብስርዓት ሃይለስላሴ ተቘጺሮም ዝተታለልሉ፡ ቍጽሪ ሲቪላውያን ጣልያን ዝነከየሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ኤርትራ ብዝያዳ ግፍዒታት ዝፍጸመሉ እዋን ከም ዝነበረ፡ ዳዊት የዕልል።

ጀነራል ተድላ ዑቝቢት (1924-1963) ምስ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል (1914-2002)

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ተድላ ዑቝቢት (1924-1963) ምስ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል (1914-2002)

ንምዃኑ፡ መሓመድ ስዒድ ናዉድ መን’ዩ?

ሓራካ፡ ብሕዳር 1958 ኣብ ፖርት-ሱዳን’ዩ ተመስረተ። መስረትቱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ነበሩ - መሓመድ ስዒድ ናዉድ (ቀንዲ መስራቲ)፡ ሳልሕ ኣሕመድ እያይ፡ ያሲን ዓቐዳ፡ እድሪስ መሓመድ ኣል-ሓሰን ከምኡ’ውን ካልኦት ተሓባበርቲ ነበርዎም።

ኣብ “ማሕበር ሸውዓተ” ሓንቲ ዋህዮ ሸውዓተ ሰባት ነይሮምዋ። እቶም ኣባላት ነቲ ሓላፊኦም እምበር ኣብተን ካልኦት ጕጅለታት በዓል መን ተወዲቦም ከም ዘሎዉ ፈጺሞም ኣይፈልጡን። እቶም ሸውዓተ ኸኣ ነናቶም ሸውዓተ ሰባት ክውድቡ ይኽእሉ።

ዝተወደቡ ካብ ወዳቢኦም ሓሊፎም ንኻልእ ሰብ ኣይፈልጡን። ከምኡ እናበሉ ድማ ዓንኬላቶም የስፋሕፍሑ ነበሩ።

ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ሓደ ካብኣቶም እንተድኣ ተቓሊዑን ተለፋሊፉን ግን እቲ ዓንኬል ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ነይሩ’ዩ።

ነቲ ዛንታ ብድሕሪት ክንጅምሮ፤ መሓመድ ስዒድ ናዉድ ብ1991 - ኤርትራ ናጻ ምስ ወጸት - ደጊምሲ ይኣክል ኢሉ ካብ ስደት ንኤርትራ ተመልሰ። “እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሐ ግን ብ2010 ኣብ ኣስመራ ሞተ” ይብል ሳልሕ ቓዲ ጆሃር - መስራቲ መርበብ ዓዋተ።

ኣብቲ ሳልሕ ጆሃር ብዛዕባ ናዉድ ዘስፈሮ ታሪኽ፡ ‘ኣፈታሪኻዊ ጅግና ኣካ ሓለፈ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብግቡእ መስከረሉ።

ሳልሕ፡ ኣብ ከረን ምንቅስቓስ ሓራካ ሓያል ስለ ዝነበረ ኣቦኡ ወላዲኡ ብኣባላት ጸጥታ ደጋጊሞም ኣብ ሽግር ክኣትዉ ከምዚ ትማል-ትማል ኰይኑ ከም ዝዝከሮ የዕልል።

ከተማ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ከረን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ከረን መንዩ ኣባል ሓረካ ዝነበረ፡ ጠቝሞም ዘእስሩ ዝነበሩ ሃሱሳት በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ንወላዲኡ ዝገርፉን ዘሳቕዩን ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ከይተረፉ ንዅሎም ሓደ-ብሓደ ይዝክሮም ... ኵሉ ሸነኻት ሓራካ ኮታ ኣጸቢቑ ከም ዝዝከሮ ይገልጽ።

ሳልሕ፡ ንመሓመድ ስዒድ ናዉድ ከምዚ ክብል ይገልጾ፡ “ቅድሚ ሰቡ፡ ሃይለስላሰ ንፈደረሽን ውሒጡ ንኤርትራ ክጐብጣ’ዩ ኢሉ ኣብ ሓምሳታት ዝምጕት ዝነበረ በዓል ራእይ ተቓላሳይ ነበረ” ኢሉ ይምስክረሉ፤ ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ።

ርግጽ’ዩ፡ እቶም ብ40’ታት ዝነበሩ ሰልፍታት ንሓድሕዶም ክካሰሱን ክናኸሱን ክናቘቱን፡ ኣባላት ኣንድነት ከኣ ንኤርትራ ኣብ ብሩር ሸሓኒ ኣቐሚጦም ንኢትዮጵያ ከም ዘቕረቡላ ምስጢር ኣይኰነን። ሽዑ’ዩ መሓመድ ስዒድ ናዉድ እቲ ናይ ሽዑ ዘረባን ቈይቍን ንትርኽን ፋይዳ ከም ዘይነበሮ ኣስተብሂሉ ብናቱ ተበግሶ ንማሕበር ሸውዓተ ዘበገሰ።

ሳልሕ፡ መሃሪ ዛዕባታት ኣልዒሉ ብናቱ 'ነጋሪት' ኣቢሉ ንህዝቢ ዘስተምህር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰልን ተቓላሳይን፡ ናዉድ ምስ ሞተ ከምዚ ዝስዕብ በለ፡ “መንግስቲ ኣብ ጋዜጣኡ ሕንጥጥ-ሕንጥጥ ኣቢሉ ናዉድ ከም ዝተሰውአ፡ መዓልቲ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ንጽባሒቱ ሰዓት 10፡00 ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክካየድ’ዩ” ኢሉ ንህዝቢ ሓበረ።

እቲ ዕለት 16 መስከረም 2010 ነበረ። እዚ ፍጻመ’ዚ ንሳልሕ ኣዝዩ ኣሕዘኖ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ቀንዴል ኤርትራ ዝነበረ፡ ንዓመታት ዝተቓለሰ ጅግና ብክልተ-ሰለስተ ሕንጻጻት ብምፍናዉ።

እዚ ብ1936 ኣብ ሳሕል ዝተወልደ፡ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝዓበየ መስራቲ ሓራካ፡ ንቃልሲ ኤርትራ ኣሳልዩ፡ ንቕሓት ኣስኒቑ፡ ኣበዮ ቤት ዕዮታትን ጽሕፈትን፡ መደበራት ፖሊስ ይዅን ኣብያተ ትምህርቲ ምስጢራውያን ዓንኬላት ብምፍጣር፡ ነቶም በብሸውዓተ ዝተጠርነፉ ዓንኬላት ድማ ኣራቢሑ፡ ምንቅስቓስ ሓራካ ኣብ ግዳምን ውሽጢ ዓድን ኣብ ፈቐድኡ ከም ዝዝራእ ገበረ።

ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት፡ እቲ ምንቅስቓስ ማዕረ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኣኽሉ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ኣባላት ነበርዎ፤ ኣብ ፖርትሱዳን፡ ከሰላ፡ ካርቱም፡ ገዳርፍ፡ መደኒ፡ ቶከር፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣስመራ፡ ከረን፡ ባጽዕ ... ኣብ ኵሉ ቦታ ተዘሪኦም ገንዘብ እናዋጽኡ፡ ንሓድሕዶም እናኣማዕበሉ፡ እናስፋሕፍሑ ይነጥፉ ነበሩ።

ኣብ ስግር ባሕሪ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ ተወዲቦም ንሓራካ ኣሐየልዎ።

ዕላማ መሓመድ ስዒድ ናዉድ፡ ሓራካ ብሃገራውን ሓድነታውን ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንኽነቅሕን ክመሓደር ነበረ፤ ከምኡ ኸኣ ኰነ። እቲ ዝመስረቶ ማሕበር ኣሽሓት ኣጕባዝ ስለ ዝተጸንበርዎ፡ እቲ ሓይሊ መንእሰይ ነቲ ምንቅስቓስ ነዳዲ ብምንዛሕ ንቕድሚት ደፍኦ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተረፈ እቲ ምንቅስቓስ ሰጐመ።

እቲ ምንቅስቓስ ብዓይኒ ሚዛን ሃይማኖት ክርአ ኸሎ ተሳተፍቲ መብዝሕትኦም ኣስላም ኤርትራ ከም ዝነበሩ ባዕሉ መሓመድ ስዒድ ናዉድ ከም ዝመስከረ ኣብ ናይ ጆሰፍ ቨኖሳ (Paths toward the Nation) መጽሓፍ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ይብዝሑ’ምበር እቲ ምንቅስቓስ፡ ብቅዋሙ መሰረት፡ ናይ ኣስላም ዘይኰነስ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ነበረ። ነቲ ምንቅስቓስ ብዙሓት ኣባላት ኣል-ራቢጣ እስላሚያ ስለ ዝተሓወስዎ ኸኣ ሰዓብቲ ኣንድነት “ናይ ኣስላም ማሕበር” ኢሎም ጠቀንዎ።

መራሕቲ ሓራካ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ጸጋም ንየማን) ካሕሳይ ባህልቢ፡ ትኩእ ይሕደጎ፡ ኢስማዒል ሓጂ ማሕሙድ፡ መሓመድብርሃን ሓሰን - ንጋንታ ኣዱሊስ ዝወደቡ ኣባላት

ምንጪ ስእሊ, DW

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ሓራካ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ጸጋም ንየማን) ካሕሳይ ባህልቢ፡ ትኩእ ይሕደጎ፡ እስማዒል ሓጂ ማሕሙድ፡ መሓመድብርሃን ሓሰን - ንጋንታ ኣዱሊስ ዝወደቡ ኣባላት

ናዉድ ኣብ መጽሓፉ፡ ኣባል ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ከም ዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ብምዛር ኵነታት ሃገር ከም ዘጽንዐ፡ ምስ በዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ዝነበሮ ዕድል ግን ጸቢብ ብምንባሩ ናይ ባዕሉ ማሕበር ንኽምስርት ከም ዝተደፋፍአ ይጥቀስ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ መሓመድ ስዒድ ናዉድን ብጾትን ህዝቢ ብምስጢር ኣበዮ እንዳ-ሻሂታት፡ ባራት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ይዅን ካልኦት ሰባት ዝእከበሎም ቦታታት እናረኸቡ፡ ጕዳያት ሓራካ የሰላስሉ ነበሩ።

እቲ ምስጢራዊ ማሕበር ይማዕብል’ምበር ምስ ፖሊስ ኤርትራ ግን ኣብ ጭርጭር-ዓበደ ኣተዉ።

መንእሰያት ኤርትራ ግን በቲ ኣካይዳ ምሉእ-ብምሉእ ኣይዓገቡን፤ ብዛዕባ ዝሓየለ ኣገባብ ቃልሲ ክሓስቡ ጀመሩ። ምናዳ ኣብ ግዳም ዝነበሩ፡ ዋላ’ኳ ነቲ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ይደግፍዎ መሰረታዊ ሕቶ ከልዕሉ ጀመሩ።

ክሳዕ መዓስ ኢና ብሰላማዊ መንገዲ ነቲ ስርዓት ክንገጥሞ ካብ ዝብል ሓሳብ ከኣ ከጕረምርሙ ጀመሩ።

እቲ ጕዳይ ብምጕርምራም ዝጀመረ እናኸረረ ከደ፤ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተምሃሮ ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ ጀመሩ፤ ድልየቶም ከኣ ኣነጸሩ።

ብሓጺሩ መንእሰያት ዝሓየለ ምንቅስቓስ ብምጥላብ እቲ ምንቅስቓስ ኣድላይነት ብረታዊ ቃልሲ ተቐበልዎ።

ቃልሲ ኤርትራ ቀስ ኢሉ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ኣተወ። ኣገባብ ቃልሲ ክልወጥ ናይ ግድን ኰነ፣ እድሪስ መሓመድ ኣደም ከኣ ከም መራሒ ቦሎኽ በለ፤ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኸኣ ክብል-ክብል ብብረታዊ ቃልሲ ተተክአ።

ናዉድ ህርኩት ጸሓፋይ ከም ዝነበረ ሳልሕ ጆሃር ይምስክረሉ። ናዉድ ብዛዕባ ግዝኣት ጣልያን፡ ምስልምና ከመይ ኢሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወ፡ ዛንታ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ)፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ በቒዑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ኸኣ ኣብ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ዘምህረት ዮሃንስ ተመዲቡ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይንገር።

“ብ2010፡ ናዉድ ክመውት እንከሎ ዕድመኡ 74 ነበረ። እቲ መስተውዓሊ፡ ግዱስ ተዓዛባይ፡ ኵነታት ሃገር ብቐረባ ንኽዕዘብ ክኢሉ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ትዕዝብትታቱ ምስኡ ሒዙዎም ምስንባቱ’ዩ” ይብል ሳልሕ።