ኣብ ህንዲ ኣናጹ 200 ኪሎ ሓሽሽ በሊዐን

ፖሊስ ህንዲ፡ ካብ ነጋዶ ዝተታሕዘን ኣብ መደበራት ፖሊስ ዝተቐመጠን ኣስታት 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዕጸፋርስ በሊዐን ክብል ንኣናጹ ወቒሱ።

ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ እተን ኣናጹ "ኣጻብዕተን ደቀቕቲን ንፖሊስ ዝኾነ ፍርሒ ዘይብለንን እየን። ነቲ ሓሽሽ ካብአን ንምክልኻል ኣጸጋሚ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ ነቲ ዕጸፋርስ ከም መርትዖ ከቕርብ ሓቲቱ ነይሩ።

ዳኛ ሳንጃይ ቻውዳሪ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝተታሕዘ ዕጸፋርስ ከም መርትዖ ከቕርብ ንፖሊስ ምስ ሓተተ፡ 195 ኪሎ ዕጸፋርስ ብኣናጹ "ከምዝጠፍአ" ከምዝተነግሮ ገሊጹ።

ኣብ ካልእ 386 ኪሎ ግራም ዕጸፋርስ ዝምልከት ጉዳይ፡ ፖሊስ "ገለ" ካብቲ ካናቢስ "በተን ኣናጹ ተበሊዑ" ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ዳኛ ቻውዳሪ፡ ብፖሊስ ዝተታሕዘ ኣስታት 700 ኪሎ ዝምዘን ማሪዋና ኣብ ኣውራጃ ማቱራ ኣብ ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ተደፊኡ "ኩሉ ኣብ ሓደጋ ምውራር ኣናጹ ከምዝነበረን" ገሊጹ።

እተን ኣናጹ "ኣዝየን ንኣሽቱ" ብምዃነን፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሕላው ዝኾነ ክእለት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ነቲ ዝተታሕዘ ሓሽሽ ካብ "ከምዚአን ዝኣመሰላ ፍርሒ ዘይብለን ኣናጹ" ንምክልኻል እቲ እንኮ መገዲ፡ ነቲ ሓሽሽ ናብ ቤተ-ፈተነታት ምርምርን ትካላት መድሃኒትን ብሓራጅ ምሻጥ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊስ ኣውራጃ ማቱራ ኣባል ባይቶ ሲንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ከባቢኡ ኣብ ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ዝተዓቀበ ማሪዋና "ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝተሃስየን ብኣናጹ ከምዘይዓነወን ሓቢሩ።

ኣብ 2018 ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኣርጀንቲና ካብ መኽዘን ፖሊስ ብዝጠፍዐ ፍርቂ ቶን ካናቢስ፡ ኣናጹ ድሕሪ ምውቃሶም ካብ ስራሕ ከምዝተባረሩ ይዝከር።

ክኢላታት ግን ነቲ ክሲ ብምቅዋም፡ እተን ኣናጹ እቲ ሓሽሽ መግቢ ክመስለን ተኽእሎ ከምዘይብለንን፡ "ዓቢ ጉጅለ ኣናጹ እንተዝበልዕዖ ነይረን ኣብቲ መኽዘን ብዙሕ ሬሳታት ምተረኽበ ነይሩ" ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ 2019 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ላቦራቶሪ ኣናጹ ብካናቢስ ዝተኣሳሰረ ብሒቝ ክወሃቦም ከሎ፡ "ንጥፈታትን ሙቐት ኣካላተንን ከም ዝንኪ" ኣረጋጊጹ።

ኣብ 2017፡ ፖሊስ ምብራቓዊ ህንዲ ግዝኣት ቢሃር፡ ኣናጹ ዝተመንዝዐ ኣሽሓት ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ከምዝሰተያ ወቒሶም ነይሮም፡ እዚ ድማ እታ ግዝኣት መሸጣን መስተን ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምእጋዳ ሓደ ዓመት ጸኒሑ ዘጋጠመ እዩ።

ኣብ 2018፡ ኣብ ግዝኣት ኣሳም ንዝተበላሸወት ናይ ገንዘብ ማሽን ንምጽጋን ዝመጹ ቴክኒሻናት፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሩፒ (14,691 ዶላር) ዝግመት ባጤራ ተቐዳዲዱ ከምዝረኸቡን ኣናጹ ገበነኛታት ተባሂለን ከምዝተጠርጠራን ገሊጾም ነይሮም።