ጀርመን፡ በጽሕታት ኣብ እዋን ምዝንጋዕ ሓሽሽ ክጥቀሙ ዘፍቅድ ሕጊ ከተጽድቕ’ያ

መንግስቲ ጀርመን፡ በጽሕታት ንምዝንጋዕ ዝዝውተር ሓሽሽ ክጥቀሙ ዘፍቕድ ሕጊ ከጽድቕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓድሽ እማመ ሓደ ሰብ ክሳብ 30 ግራም ሓሺሽ ካናቢስ ክሕዝ ዘፍቕድ ኮይኑ፡ ፍቓድ ዝተውሃበን ኣብያተ መሸጣ መድሃኒትን ዱኳናትን ክሸጣ ክኽእላ እየን።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ብባይቶ እታ ሃገር ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኮምሽን ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ሕጊ ንዘተኣታተወት ሃገረ ማልታ ኣጽዲቑላ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ካርል ለውተርባች እቲ ሕጊ እንተነወሐ ካብ 2024 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማልታ ጥራይ’ያ ንምዝንጋዕ ዝዝውተር ሓሺሽ ፈቒዳ ዘላ።

ሆላንድ ከምዚ ጀርመን ዘቕረበቶ እማመ’ኳ ኣንተዘይኣቕረበት፡ ውሑድ ዓቐኑ ሓሺሽ ምሓዝ ግን ብሕጊ ዘሕትት ኣይኮነን።

እቲ ጀርመን ኣቕሪባቶ ዘላ ሓድሽ እማመ፡ ሓደ በጽሒ ክሳብ ሰለስተ ተኽሊ ሓሺሽ ክተክልን ከዕቢ’ውን ዘፍቕድ’ዩ።

ብዙሓት ሃገራት ውሑድ ዓቐን ሓሺሽ ምጥቓም ዘፍቕድ ሕጊ ከተኣታትዋ እንከለዋ፡ ካናዳን ኡራጋይን ብወገነን ዜጋታተን ንመዘናግዒ ዝውዕል ሓሺሽ ክጥቐሙ ኣፍቂደን’የን።

ኣብ ኣሜሪካ’ውን 37 ክፍለ ግዝኣታትን ዋሽንግተንን ንሕክምናዊ መዓላ ዝኸውን ሓሺሽ ክፈቕዳ እንከለዋ 19 ክፍለ ግዝኣታት ኸኣ ነበርተን ንመዘናግዒ ዝኸውን ሓሸሽ ክጥቐሙ ዘፍቕድ ሕጊ ኣታኣታትየን’የን።

በዚ መሰረት 40% ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ንመዘናግዒ ዝኸውን ሓሺሽ ክጥቐም ብሕጊ ይፍቀዶ’ዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ካርል ለውተርባች፡ ነቲ እማመ ከቕርቦ እንከሎ “ቅድሚ ሕጂ ክንክተሎ ዝጸናሕና ተጠቃምነት ሓሺሽ ዝኽልክል ሕጊ ውጽኢት ኣይርኣናሉን” ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር፡ ተጠቃምነት ሓሸሽ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ከምዘሎ ብምሕባር “ወልፊ ሓሺሽ ዘማዕብሉ መንእሰያት ይበዝሑ ኣለው፡ ስለዚ ነቲ ዘሎ ዕዳጋ ክንቆጻጸሮ ኣለና” ኢሉ።

ሓሺሽ ንትሕቲ 21 ዓመቶም ንምኽልካል ቀይድታት ክግበር ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ሕጊ ምስ ሕግታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝጻረር ከይከውን ንምርግጋጽ ናብቲ ሕብረት ከምዝልኣኽዎ ኣብሪሁ።

እንተኾነ ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ንሓሺሽ ዝምልከት ምውዕዋዓት ፈጺሙ ኣይፍቀድን’ዩ።

ሓሺሽ ኣብ ኣውሮጳ

ሆላንድ:  መንግስቲ ካብ 1976 ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ መስተ ምጡን ሓሺሽ ምጥቃም ዘይቃወም’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ኮይንካ ሓሺሽ ምጥቓም ግን ብሕጊ ዘሕትት’ዩ። በጽሕታት መዓልታዊ ክሳብ 5 ግራም ሓሺሽ ካብ ባራት ገዚኦም ኣብኡ ኮይኖም ከትክኹ ይፍቐዶም’ዩ። ንሓሺሽ ዝምልከት ምውዕዋዓት ምስራሕ ግን ኣዝዩ እጉድ’ዩ።

ስዊዘርላንድ: ኣብታ ሃገር ብሓኪም ዝተፈቐደ ኣዝዩ ትሑት ዓቐን ዘለዎ ሓሺሽ ፍቑድ’ዩ፡ ብዘይካ እዚ ንውልቃዊ መዓላ ዝኸውን ውሑድ ግራም ሓሺሽ ኣብ ስቱር ቦታ ኮይንካ ምጥቃም’ውን ብሕጊ ዘሕትት ኣይኮነን።

ዓዲ-ጣልያን:  1.5 ግራም ወይ ትሕቲኡ ሓሺሽ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ምጥቃም መንግስቲ ይጻወሮ’ዩ፡ንምዝንጋዕ ኢልካ ዝውሰድ ሓሺሽ ግን ሕጂ’ውን ብሕጊ የሕትት’ዩ።

ፈረንሳ:  ዝኾነ ዓይነት ሓሺሽ ምጥቃም ብሕጊ የሕትት።

ፖርቱጋል:  ኣብ 2001 ውሑድ ዓቐን ሓሺሽ ምጥቃም ብሕጊ ከምዘየሕትት ተገሊጹ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብኸምኡ ይቅጽል ኣሎ፡ እንተኾነ ንግዲ ሓሺሽ ብሕጊ የሕትት’ዩ።