ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ወጥሪ ተጋዲዱ ሓዲሩ

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ንዝርከቡ ዒላማታት ዘጥቀዐ ዀይኑ፡ ካብ ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጤም ንዝመጽኦ ስግኣታት ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ሓደ ቆልዓን ሓደ ኣዛዚ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን [ፒ.ኣይ.ጀይ ] ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እስራኤል ኣብ ዌስተርን ባንክ፡ ንሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፒ.ኣይ.ጀይ ድሕሪ ምእሳራ ናይ መዓልታት ወጥሪ ስዒቡ’ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ፒኣይጀይ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሮኬታት ናብ እስራኤል ዝወንጨፈ ኮይኑ፡ ብኣሃዱታት ምክልኻል ሚሳኤል እስራኤል ከምዝመኸኑ ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያየር ላፒድ፡ እስራኤል "ጉጅለታት ግብረ-ሽበራ ኣጀንዳ ከኸፍታላ" ከምዘይትፈቅድ ገሊጹ።

"ንእስራኤል ክጎድእ ዝለዓል ዝኾነ ሰብ፡ ናብታ ዘለዋ መጺእና ከም እነጥቀዖ ክፍለጥ ኣለዎ። ሓይልታት ጸጥታና ኣንጻር ኣሸበርቲ እስላማዊ ጅሃድ ስጉምቲ ብምውሳድ ካብ ዜጋታት እስራኤል ስግኣት ከወግዱ እዮም" ኢሉ።

ሓይልታትምክልኻል እስራኤል፡ ምስ ፒ.ኣይ.ጀይ ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ይሃርም ከምዘሎ ገሊጹ።

ካብቶም ዝተቐትሉ፡ ኣዛዚ ተይሰርጃባሪ ዝርከቦም ኣርባዕተ ዕጡቓት ፒ.ኣይ.ጀን ሓንቲ ጓልሓሙሽተ ዓመትን ኣባላት ሰበ ስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ካልኦት 55 ሰባት ከምዝቖሰሉ’ውን ይዛረቡ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ "ኣስታት 15 ዕጡቓት” ከምዝተቐትሉ ይግምት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተርውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣየለት ሻከድ፡ ንቻነል 12 ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እዚ ብኸመይ ከም ዝጻወት ኣይንፈልጥን ኢና... እዚ ግን ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ... እዚ ነዊሕ ዙርያ [ግጭት]ን ከቢድን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢላ ምዝራባ ተጸብጺቡ።

ዋና ጸሓፊ ፒኣይጀይ ዚያድ ኣልናካላ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ነዚ መጥቃዕቲ ብሓይሊ ክንምልስ ኢና፡ ህዝብና ዝዕወተሉ ውግእ ክህሉ'ዩ" ኢሉ።

"ነዚ ውግእቀይሕ መስመር የለን... ተልኣቪቭ ድማ ኣብ ትሕቲ ሮኬታት ተቓውሞ ክትህሉ እያ።"