መቐመጫ ጋዜጠኛ ተናኺፉ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ተኣሲሩ

ጋዜጠኛ ኢሳ

ምንጪ ስእሊ, CUATRO

ፖሊስ ስጳኛ፡ ቀጥታዊ ፈነወ እትመርሕ ንዝነበረት ጋዜጠኛ ጾታዊ ትንኮያ ፈጺሙ’ዩ ንዝበሎ ስጳኛዊ ውልቀሰብ ቀይዱ።

እቲ ፍጻመ፡ ኢሳ ባላዶ፡ ኣብ ከተማ ማድሪድ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዝምታ ኣብ ተሌቭዥን ቀጥታዊ ፈነወ ትሰርሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ዩ ብሰኑይ ተኸሲቱ።

እቲ ሰብ ናብታ ጋዜጠኛ ከይዱ መቐመጭኣ ክተናኽፋ ዝተርኣየ ኰይኑ፡ ንሱ ግን ነቲ ተግባር ‘ኣይወዓልክዎን’ ኢሉ።

ጋዜጠኛ ኢሳ ቀጥታዊ ፈነወኣ’ኳ እንተቐጸለት፡ ነቲ መደብ ካብ ስትድዮ ዝመርሑ ዝነበሩ ሰባት ግን ነቲ ፈነወ ከቋርጽዎ ተገዲዶም’ዮም።

መራሒ እቲ መደብ ናቾ ኣባድ፡ “ኢሳ ይቕረታ ግበርለይ ደኣ እምበር መቐመጫኺ ክተናኽፈኪ’ዶ ርእየዮ ሓቀይ?” ክብል ሓቲትዋ።

ንሳ “እወ” ዝብል መልሲ ምስሃበቶ፡ ንሱ “ደንቆሮ” ናብ ካሜራ ኣቕርብዮ ክብል ተሰሚዑ።

ካብኡ ንደሓር’ዩ እቲ በዓል ሞያ ካሜራ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ውልቀ ሰብ ዓይኒ ካሜራኡ ዝጠወየ።

እቲ ወዲ ኣብ ካሜራ ምስቀረበ’ውን እንተዀነ ኣብ ጐድኒ እታ ጋዜጠኛ ደው ኢሉ ብፍሽኽታ ተዓጂቡ ይርአ።

ጋዜጠኛ ኢሳ፡ “ካበየናይ መደበር ተሌቭዥን ከምዝዀንኩ ንኽትፈልጥ መቐመጫይ ዘተንክፍ ኣይነበረካን? ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እየ ዘለኹ፡ ኣብ ስራሕ እንድየ ዘለኹ” ኢላ ሓቲታቶ።

እቲ ወዲ ነቲ ተግባር ከምዘይወዓሎ’ኳ እንተገለጸ ካብ ዓይኒ ካሜራ እናረሓቐ ክኸይድ እንከሎ ግን ርእሱ ክሕዝ ይርአ።

ፖሊስ፡ ድሕሪ እቲ ክስተት ኣብ ልዕሊ እታ ቀጥታዊ ፈነወ ትመርሕ ዝነበረት ጋዜጠኛ “ጾታዊ ትንኮያ ብምፍጻም ስለዝጠርጠርክዎ” ኢሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎ ኣፍሊጡ።

ወናኒ እቲ መደበር ተሌቭዥን ሚድያሰት ኢስፓና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጋዜጠኛ ኢሳ ከምዝድግፋ ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ግዳይ “ፈጺምና ዘይንዕገሶ ጸያፍ ተግባር” ኰይና’ያ ድሕሪ ምባል፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ትንኮያን ግህሰትን ኣይንቕበልን ኢሉ።

ሚኒስተር ዓቕሚ ሰብ ስጳኛ ዮላንዳ፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ሰብ ግቡእ መቕጻዕቲ ክረክብ ኣለዎ ኢላ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ፡ ንተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ከንፈራ ብምስዓሙ ኣዘራራቢ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ከምዝቐነየ ይዝከር።