እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላምፔዱሳ፡ ኣደን ውላዳን ኣብ ዝቐተለ ሓደጋ ጃላቡ፡ ደሃይ 30 ሰባት ጠፊኡ
ኣብ ኢጣልያ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጃላቡ ብምጥሓለን፡ ዛጊት ክልተ ሞይቶም፡ ደሃይ ልዕሊ 30 ሰባት ድማ ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ።
እተን ክልተ ጃላቡ ካብ ቱኒዝያ ወደባዊት ከተማ ስፋክስ ነፍስወከፈን 48 ን 42 ሰባት ጽዒነን እየን ተበጊሰን።
ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፡ ሬሳ ኣይቮሪያዊት ሰበይትን ጓል ሓደ ዓመት ውላዳን ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም።
ብኻልእ ወገን ሰብመዚ ቱኒዝያ፡ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ስፋክስ ሬሳ 14 ስደተኛታት ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
ሬሳ እቶም 14 ሰባት ኣብ መንጐ ዓርብን ቀዳምን ከም ዝተረኽበን፡ ማዕበልን ንፋስን ጠንቂ ምጥሓል እታ ጀልባ ክኸውን ከምዝኽእልን ቱኒዝያዊ በዓልስልጣን ንኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
እታ ወደባዊት ከተማ ቱኒዝያ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዝሐሸ ሂወት ዘናድዩ ስደተኛታት ዝሰግሩላ ምዃና ይፍለጥ።
ሰብመዚ እታ ካብ ደሴት ላምፔዱሳ ኣስታት 130 ኪ.ሜ ርሒቃ እትርከብ ስፋክስ፡ ዜግነት እቶም ስደተኛታት ንምፍላጥ ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ከምዝመጽኡን ገሊጾም።
ብወገን ኢጣልያ’ውን ነዞም ፍጻመታት ዝምልከት መርመራ ተጀሚሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ኣብተን ብቀዳም ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ላምፔዱሳ 46 ኪሎሜትር ርሕቐት ካብ ዝጠሓላ መራኽብ፡ 57 ስደተኛታት ከም ዘድሓነ ገሊጹ።
ቅድም ክብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 30 ሰባት ደሃዮም ከምዝጠፍአ ኣፍሊጡ’ዩ።
እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ግሪኽ ብዝጠሓለት ጃልባ ብውሑዱ 78 ሰባት ምማቶምን ሃለዋት ኣማኢት ሰባት ምጥፍኡን ዘጋጥም ዘሎ’ዩ።
ብሰንበት ጕጅለታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ኣብ ኣኻውሕ ገምገም ባሕሪ ላምፔዱሳ ጅሆ ንዝዀኑ 20 ስደተኛታት ንምድሓን ይዳለዉ ነይሮም።
እዞም ስደተኛታት፡ ሓያል ንፋስ ነተን ዝጓዓዙለን ዝነበሩ ጀላቡ ናብቲ ኣኻውሕ ምስ ገለፈን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ጅሆ ኰይኖም ይርከቡ።
ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ኦፕን ኣርምስ’ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ንልዕሊ ክልተ መዓልታት ተጓዒዙ፡ ካብ ደቡባዊ ኢጣልያ ወደብ ብሪንዲሲ ንዘድሓኖም 195 ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን ጕጅለታት ገበርቲ ሰናይን፡ ናብቲ ደሴት ዝበጽሑ ክልተ ሽሕ ሰባት ከም ዘድሓኑ ይፍለጥ።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፡ ብባሕሪ ዝግበር ስደት ኣብዚ ዓመተ 2023 ናብ 92 ሽሕ ከም ዝዓበየ ይገልጽ። ዝሓለፈ ዓመት፡ እዚ ቍጽሪ 42 ሽሕን 600ን እዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሰዒድ፡ ስደተኛታት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንባህሊ ማሕበረሰብ ቱኒዝያ ንምቕያር ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ካብ መጋቢት 2023 ንነጀው ካብ ወደብ ስፋክስ ናብ ላምፔዱሳ ዝግበር ስደት ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ።
ኣብቲ ቀታሊ ምዃኑ ዝፍለጥ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑ ልዕሊ 1800 ስደተኛታት ሞይቶም’ዮም።