ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝህብዎ ድምጺ መጻኢ ውድብ ኤኤንሲ ዝውስን ድዩ?

መረፃ ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድሕሪ እቲ ኣብ 1994[ኣ ኣ] ዘብቀዐ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ወሳኒ ኣብ ዝዀነ ሃገራዊ መረጻ ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

ኣብዚ ድሕሪ 30 ናይ ዲሞክራሲ ዓመታት እናዓበየ ንዝመጽአ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ዘርኢ መረጻ፡ ልዕሊ 27 ሚልዮን ህዝቢ ድምጹ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብዚ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓድሽ ባይቶን ትሽዓተ ኣውራጃዊ ሓገግትን ንምምስራት ድምጾም ዝህብሉ መረጻ፡ 70 ውድባት ፖለቲካን 11 ውልቀ ተወዳደርትን ይነሓንሑ።

ተንታኒ ፖለቲካ ሪቻርድ ካላንድ፡ “ኣብ ውድባት ዝርአ ዘሎ ዕብየት ኣብተን ዓበይቲ ውድባት ፖለቲካ ዘሎ ተስፋ ምቕባጽ ዘርኢ እዩ። ዘይትስፍዋት ድማ፡ ሰባት ናብ ባይቶ ብምእታው ኣበል ጥሮታ ዝረኽብሉ ዕድል ይደልዩ ኣለዉ ይበሉ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምልክት ጸረ ኣፓርታይድ ዝዀነ ኔልሰን ማንዴላዕምሪ ምሕደራ ውሑዳን ጸዓዱ ንምሕጻር ናብ ዓወት ካብ ዝመርሖ ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC)፡ ሕጂ እውን ንሻብዓይ እብረ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይብህግ ኣሎ።

ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC) “ወሳኒ ዓወት” ከም ዝረክብ’ኳ እንተተኣማመነ፡ ወሃብቲ ርእይቶ ግን እቲ ውድብ ንፈለማ እዋን ዝበዝሐ ድምጺ ባይቶ ከም ዝስእንን ምስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ተቓዋሚ ውድብ ክላፈን ከም ዘገድዶን ይገልጹ።

ፕሮፌሰር ካላንድ፡ “ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ዲሞክራሲና ኢና ንኣቱ ዘለና። ዓብይ ምስግጋር ድማ ክኸውን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ተንታኒ ወሲኹ፡ “ወይ ድማ ዝበለጸ ንሕንሕ ዘለዎ ብሱል ዲሞክራስን ክንከውን ኢና ወይ ፖለቲካና ዝያዳ ዝተሰባበረ ክኸውን እዩ” ኢሉ።

እዚ ጐስጓስ ምረጹኒ፡ ኣብ መንግስቲ ዘሎ ዝገወደ ብልሽውና፣ ሸቕለት ኣልቦነት መንእሰያት፡ ምንቁልቋል ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ሰማይ ዝዓረጉ ገበናትን ዝዓብለሎ እዩ።

ቀንዲ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (DA)፡ ኣብዚ መረጻ እኹል ድምጺ እንተ ረኺቡ ንሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣን ንምእላይ ምስ ካልኦት 10 ውድባት ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ተሰማሚዑ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ዓብይ ውድብ ኰይኑ ክቕጽል ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ፡ እዚ ልፍንታዊ መንግስቲ ምምስራት ዝብል ሓሳብ ዘጠራጥር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መረጻ፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ 57.5 ሚእታዊት፡ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድማ 21 ሚእታዊት ድምጺ እዮም ረኺቦም።

ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብቲ ዝሓለፈ ታሕሳስ ንውድብ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ራሕሪሑ ንሓድሽ ውድብ ‘ኡምኽሆንቶ ዊሲዝዌ (uMkhonto weSizwe (MK) ከም ዝወዳደር ምስ ኣፍለጠ ከቢድ ስምባደ ተፈጢሩ ነይሩ።

እንተዀነ ብገበን ቤት ፍርዲ ምድፋር ንባይቶ ከይወዳደር ተኣጊዱ፤ ኣብ መረጻ ወረቐት ግን ከም መራሒ ኤምኬ ኮይኑ ክቐርብ እዩ።

ርእይቶታት መረጻ ከም ዘመልክትዎ፡ ኤምኬ 10 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብታ ወጥሪ ሰማይ ዝዓረገላን ኣብ እዋን ጐስጓስ ናዕቢ ዝተርኣየላን ትውልዲ ዓዱ ክዋዙሉ ናታል፡ ጽቡቕ ድምጺ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።

ፕሮፌሰር ካላንድ፡ “እቲ ኣብ ክዋዙሉ ናታል ዝግበር መረጻ ብጣዕሚ ዕግርግር ዝበዝሖ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውጽኢት እውን ብዙሕ ዘይምርድዳእን ንሕንሕን ክህሉ ትጽቢት ይግበር” ኢሉ።

ከም ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን መረጻ፡ ድምጾም ንምሃብ ካብ መንጐ ዝተመዝገቡ መረጽቲ፡ 55 ሚእታዊት ማለት’ውን ኣስታት 15 ሚልየን ደቂኣንስትዮ እየን።

ወዲ 66 ዓመት ነባሪ ሶዌቶ ማዌላ ረዛንድ፡ እቲ ዝምረጽ ቀጻሊ መንግስቲ ገበንን ሽቕለት ኣልቦነትን ከም ዝምክት ተስፋ ብምግባር ድምጹ ከም ዝህብ ይገልጽ።

“ቍጠባና ዓብዩ ክርኢ እትስፎ። ፖሊስ ምስ ምሉእ ሓይሎም ክወጽኡ ተስፋ እገብር።”

እዚ መረጻ ብሰለማዊ መንገዲ ክሳለጥን ድምጺ መውሃቢ ካርድታት ከይስረቑን፡ ፖሊስን ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ነቝጣታት መረጻ ተዋፊሮም ይርከቡ።