እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተስፋ ዝተገብረሉ ለውጢ ዘፀልምት ዘሎ ጨፍጫፍ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት
ሓይልታት ጸጥታ ሶርያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ሰዓብቲ ሓደ ንኡስ ሃይማኖታውያን-ዓላዊ፡ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓደ ንጐነፃት ዝከታተል ጉጅለ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፡ ትካል ተቖፃፃሪ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ (SOHR)፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን 'ሰዓብቲ ሃይማኖት ዓላዊ' ዒላማ ብዝገበረ ጃምላዊ 'ጨፍጫፋት' ኣስታት 745 ሲቪላት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ቢቢሲ ነዚ ፀብፃባት ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብቲ ዞባ ኣማኢት ሰባት ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ከምዘለዉ ይንገር።
እቲ ከባቢ፡ መንበሪ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ኮይኑ፡ ንሱ'ውን ተኸታሊ እዚ 'ዓላዊ' ዝበሃል ዝተፈለየ ሃይማኖት እዩ።
ኣብ ክልተ መዓልታት ውሽጢ ብድምር ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ትካል [ሶህር] ዝገለፀ ዀይኑ፡ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ኣልኣስድ፡ እቲ ኣዝዩ ዝሓሰመ ክስተት እዩ።
እዚ ኣሃዝ፡ እሙናት ኣሳድ ዝኾኑ ዓሰርተታት ወተሃደራት መንግስትን ዕጡቓትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከቡ ግዝኣታት ላታክያን ታርቱስን እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ዓመፃት፡ ኣስታት 125 ኣባላት ናይቲ ብእስላማውያን ዝምራሕ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን 148 ደገፍቲ ኣሳድ ዝኾኑ ተቓለስትን ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር።
መበቆሎም ካብ ሺዓ እስልምና ዝኾኑ ዓላዊታት፡ ኣስታት 10 ሚኢታዊት ካብ'ቲ ዝበዝሕ ሱኒ እስላም ዝዀነ ህዝቢ ሶርያ እዮም።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶርያ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር-ሳና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከድዓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም" ፡ መንግስቲ ደጊሙ ነቲ ከባቢ ከምዝተቖፃፀሮ ኣፍሊጡ።
እቲ ግጭት ንማሕበረሰብ ዓላዊት ኣብ "ዘስካሕክሕ ኩነታት" ከምዘውደቖ፡ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝነብር ተጣባቒ ብዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣማኢት ሰባት ካብቶም ጐንፂ ዝተርአየሎም ከባቢታት ከምዝሃደሙ ድማ ተሓቢሩ።
ብዙሕ ህዝቢ፡ ኣብ ላታኪያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ-ሕመይሚም ከምዘዕቘበ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሮይተርስ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ገለ ዓሰርተታት ሰባት ካብቲ መደበር ወጻኢ ዀይኖም፡ "ህዝቢ ሓለዋ ሩስያ ይደልዮ" ዝብል ጭርሖታት ከስምዑ የርኢ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስድራቤታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሊባኖስ ከምዝሃደሙ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢረን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ጌር ፔደርሰን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶርያ ዝወፅኡ "ፀብፃባት ቅትለት ሲቪላት ከምዝሰንበደ" ገሊጹ።
ኩሎም ወገናት ነታ ሃገር ናብ ዕግርግር ካብ ዝእቱን፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ " ሓቋፊ ፖለቲካዊ ምስግጋር" ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትዉን ተግባራት ክቑጠቡ ጸዊዑ።
ከም ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ቱርኪን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ምስቲ ስርዓት በሽር ኣልኣሳድ ብምእላይ ናብ ስልጣን ዝመጽአ መራሒ ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስሪተን ኣለዋ።
እቲ ዝመርሖ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣልሻም (HTS)፡ ኣብ ሕሉፍ ምስ ኣልቓዒዳ ብዝነበሮ ርክብ ብዙሓት ሃገራት ግብረሽበራዊ ጕጅለ ኢለን ኰኒነንኦ ነይረን።
ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ ነቲ ንኣልሻራ ንምሓዝ ንዝገበረ ክትህቦ ሰሊዓቶ ዝነበረት ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ሰሪዛቶ።
ኣልሻራ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ እዛ ዓለም ኣሸበርቲ ተባሂሎም ደሓር ግን ከም ሕጋውያን ፖለቲካዊ መራሕቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ክኸውን ይኽእል።