እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶርያ፡ ጉዳይ'ቲ 4.5 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ እንታይ ክኸውን'ዩ?
መራሒ ዕጡቓት ሶርያ ኣሕመድ ኣ'ሻራ ኣብ ደማስቆ ኣትዩ ንስርዓት ባሽር ኣልኣሳድ ብዛዕባ ዘውደቐ በርቃዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስተዛረበ ብዙሓት ቀልቢ ዘይገበሩሉ ሓደ ነገር ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘዕለቕለቐ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ማለት እዩ።
"ሶርያ ኣብ ምድሪ እታ ዝዓበየት ኣፍራዪት ካፕታጐን ኰይና ኣላ" ዝበለ ኣሕመድ "ሶርያ ካብ ደጊም ብጸጋ ኣምላኽ ክትነጽህ እያ" ኢሉ።
መብዛሕትኡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ዘይፍለጥ ካፕታጐን፡ ወልፊ ዘለዎ፡ ኣምፈታሚን ዝመስል ከኒና ኰይኑ፡ ሓሓሊፉ "ኮኬይን ድኻ" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።
ፍርያት ዕጸፋርስ ኣብታ ብኲናት፡ እገዳን ጃምላዊ ምምዝባል ዜጋታትን ዝተሃሰየት ሶርያ እናበዝሐ መጺኡ'ሎ። ሰበስልጣን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ነቲ ብኮንትሮባንድ ብብዝሒ ከኒናታት ኣብ ዶባቶም ዝዘዋወር ዕጸፋርስ ንምግታእ ላሕ ኢሎም'ዮም።
ሶርያ ቀንዲ ምንጪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካፕታጐን ምዃና ብርክት ዝበሉ መርትዖታት ዘረጋገጹ ኰይኖም ዓመታዊ ንግዲ እቲ ዕጸፋርስ 5.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝዀነ መረዳእታ ባንኪ ዓለም ይሕብር።
እቶም ከኒናታት ይፈርዩን ይለኣኹን ዝነበርሉ ደረጃ ክርአ እንከሎ እቲ ስራሕ ናይቶም ገበነኛ ጕጅለታት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ዘካይዶ ኢንዱስትሪ እዩ ዝብል ጥርጣረታት ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣ'ሻራ (ቅድሚ ሕጂ ብኣቡ መሓመድ ኣ'ጀላኒ ዝፍለጥ ዝነበረ) ዝሃቦ መደረ፡ እቲ ጥርጣረ ቅኑዕ ምንባሩ ዝሕብሩ መስተንክር ምስልታት ተቐልቂሎም ኣለዉ።
ሶርያውያን ኣዝማድ ኣሳድ ዝውንንዎ ንብረት ክፍትሹ ከለዉ ዝተቐድሑ ቪድዮታት፡ ክፍሊታት መምልእን መዐሸግን ከኒናታት ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ዘርእዩ እዮም።
ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየር ሶርያ ዝመስልን በቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዝተቓጸለን ስፍራ'ውን ብተመሳሳሊ ከኒናታት ከምዝተረኸቡ ዘርእዩ ካልኦት ቪድዮታት ኣለዉ።
ኣብ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ብዛዕባ ዕጸፋርስ ካፕታጐን መርመራዊ ጸብጻብ ንምስራሕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘሕለፈ ጋዜጠኛ፡እቲ ዕጸፋርስ ኣብ ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ ዝቕመጡ ሃብታማት መንእሰያትን ኣብ ዮርዳኖስ ዝነብሩ ሸቓሎን ኣዝዩ ተፈታዊ ከምዝዀነ ትዕዝብቱ ይገልጽ።
"ወዲ 19 ዓመት እንከለኹ ካፕታጐን ክወስድ ጀሚረ፡ ህይወተይ ድማ ብእኡ መጠን ክትዕየን ጀሚራ" ክብል ኣብ ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ኣማን ኣብ ዝርከብ ማእከል ክሊኒክ ምሕዋይ ወልፈኛታት ዝርከብ መንእሰይ ያሳር ተዛሪቡ።
ያሳር ኣስዒቡ "እዚ ነገር ምስ ዝወስዱ ሰባት ክዘናጋዕ ጀሚረ። ሰሪሕካ ብዘይ ምግቢ ስለእትናበር ናብ ኣስከሬን ኢኻ እትቕየር" ኢሉ።
ሕጂ ሕቶ ኰይኑ ዘሎ ኣ'ሻራን ጕጅለኡ ሓያት ታሕሪር ኣ'ሻምን፡ነቶም ኣብ ሶርያን ከባቢ ማእከላይ ምብራቕን ብወልፊ ካፕታጐን ዝተጸመዱ ሰባት ብኸመይ ከተኣናግድዎም'ዮም?
ኣብ ኢንስቲትዩት ኒው ላይንስ ክኢላ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ሶርያ ካሮሊን ሮዝ ኣብዚ ጉዳይ ስክፍታታት ኣለዋ፤ "ስግኣተይ ኣብ ቀረብ እቲ ዕጸፋርስ ናይ ምግታእ ስራሕ ሰሪሖም ኣብ ምጕዳል ጠለባት ግን ዋላ ሓንቲ ስራሕ ከይሰርሑ ስቕ ከይብሉ'ዩ" ኢላ።
ግን ካልእ ካብኡ ዝሰፍሐ ሕቶ ሒዙ'ውን ክመጽእ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ማለት ክሳራ - ከምዚ ዝኣመሰለ ኣታዊ ዘለዎ ንግዲ ኣብ ቁጠባ ሶርያ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ እዩ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ 'ኲናት ናርኮ'
ብዝሒ ካፕታጐን ንማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓያል ኲናት-ናርኮ ደፊእዎ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ምስ ሰራዊት ዮርዳኖስ ኣብ ዶባት ሶርያ ፊልም እናቐረጹ፡ እቶም ወተሃደራት ከመይ ገይሮም ድፋዖም ከም ዘደልደሉን ብዛዕባ እቶም ምስ ኣስገርቲ ካፕታጐን ብዝተፈጸመ ምልውዋጥ ተዅሲ ዝተቐትሉ ብጾቶም ከምዘለዉን ተዓዚቦም።
እቶም ኣብ ስግር ዶብ ዝርከቡ ወተሃደራት ሶርያ ነቶም ኣሰጋገርቲ ይሕግዝዎም ኣለዉ ክብሉ ከሲሶም። ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ እውን ብተመሳሳሊ በቲ ንግዲ ተረቢሸን እየን።
ስዑዲ ዓረብ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ሊባኖስ ፍረታትን ኣሕምልትን ምእታው ደው ክተብሎ ተገዲዳ እያ። ምኽንያቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ኣብ ገሊኦም ፍርያታት ከኒና ካፕታጐን ዝተመልኡ ኰይኖም ስለዝረኸቡ'ዩ።
ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት፡ እንተላይ ኣብቲ ብስርዓት ኣሳድን ብዓመጽትን ዝተትሓዙ ከባቢታት ሶርያ ፊልም ቀሪጾም፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ንዝርከቡ ምንጭታት ተወኪሶም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጀርመንን ሊባኖስን ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት ቤት ፍርዲ ምስጢራዊ መዛግብቲ ረኺቦም።
ክልተ ዓበይቲ ኣካላት ኣብ ንግዲ እቲ ዕጸፋርስ ኢዶም ከምዘሎ ይጠቕሱ። እቲ ሓደ ስድራቤት ኣሳድ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ሓይልታት ሶርያ ብፍላይ ድማ ብሓው ኣሳድ ማህር ዝምራሕ ራብዓይ ክፍለ ሰራዊቱን'ዮም።
ኣብ ዙርያ ሓው ኣሳድ ዝቐረቡ ሕቶታት
ማህር ኣልኣሳድ ምናልባት ኣብ ሶርያ ካብ ሓዉ ቀጺሉ እቲ ዝሓየለ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝፈጸሞ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ብብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት እገዳ ዝተገበረሉ ኰይኑ፡ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ንዕኡን ሓዉን ኣብ 2013 ኣብ ሶርያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተሓተትቲ'ዮም ብዝብል ኣህጉራዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺኡሎም እዩ።
ኣብ ሊባኖስ ዝተኣስረ ነጋዳይ ካፕታጐን ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቲ ረኺብና ኔርና። ኣዛዚ ራብዓይ ክፍለ ሰራዊት ማህር ኣልኣሳድን ምክትሉ ጀነራል ጋሳን ቢላልን ኣብቲ ዝውውር ዕጸፋርስ ኢዶም ሰፊሕ ከምዝዀነ ይፍለጥ።
እዚ ሰራዊት ሶርያን ውሽጣዊ ዓንኬል ባሽር ኣልኣሳድን ኣብ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ከምዘለዉ ዓብይ መረጋገጺ'ዩ።
እቶም ዕጡቓት እናገስገሱ እንከለዉ ሞራሎም ዝሰኣኑ ሰራዊት ሶርያ ክሃድሙ ዘርኢ ምስልታት ምስ ተራእየ፡ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሓደ ወተሃደር ስርዓት ኣልኣሳድ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከምዘዘኻኸሮ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ይገልጽ።
ወርሓዊ ደሞዙ 30 ዶላር ከምዝዀነን ናይ ስድራኡ ናይ ሰለስተ መዓልታት መግቢ ጥራይ እያ ከም እትሽፈነሉን እቲ ወተሃደር ተዛሪቡ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እታ ንሱ ዝተጠርነፈላ ኣሃዱ ኣብ ምዝውዋር ካፕታጐንን ከምዝተጸምደት ነጊሩ።
"ሕጂ ዝበዝሕ ገንዘብ ዘምጽእ ንሱ'ዩ" ይብል እቲ ወተሃደር።
ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ሶርያ ህዝባዊ ዓመጽ ብሓይሊ ጨፍሊቓ ኢሉ ካብቲ ኪዳን ኣልዩዋ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሕሪ 12 ዓመት መሊሱ ናብቲ ኪዳን ክትጽምበር ወሲኑ።
ኣሳድ ንዝውውር ዕጸፋርስ ካፕታጐን ክገትእ እየ ኢሉ ናብቲ ማሕበር ምምላሱ ከም ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተቘጺሩ ነይሩ።
መራሕቲ ናይቲ ዝዓመጸ ሓይሊ ውጽኢታውያን ዶ ይዀኑ?
መራሕቲ ዕጡቓት ሶርያ መንግስታዊ ስልጣኖም ኣብ ዘደልድልሉ ዘለዉ እዋን፡ ንንግዲ ካፕታጐን ክገትኡ ቃል ብምእታው ናብተን ጐረባብቲ ሃገራት ዝልእክዎ ዘለዉ እወታዊ ምልክታት ዝተረድኦም ይመስል።
እንተዀነ እቲ ዝውውር ዕጸፋርስ ብመንግስታዊ ትካላት ተዓጂቡ ይካየድ ብምንባሩ ብቐሊሉ ደው ንኸብልዎ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኢሳም ኣል ረይስ፡ ኣብ ሰራዊት ሶርያ መሃንድስ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንግዲ ካፕታጐን ኣብ ምጽራይ'ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ።
ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ዕጸፋርስ ስለዝሃደሙ ደው ንምባሉ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘየድልዮ ዝኣምን ኢሳም፡ ኣብ ሰደድ ካፕታጐን ቅልጡፍ ምንቍልቋል ከምዝተርኣየ ገሊጹ።
እንተዀነ ሓደስቲ ነጋዶ ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ክደልዩ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሶርያ ዝሽየጥ ካልእ ዕጸፋርስ ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ።
"ብዙሓት ተጠቀምቲ ከም ኣማራጺ ክሪስታል ሜት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጸፋርስ ክደልዩ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ብፍላይ ድማ እቶም ካፕታጐን ዝለመዱ ሰባት ቅሩብ ሕይል ዝበለ ዕጸፋርስ ስለዝደልዩ" ክትብል ክኢላ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ሶርያ ካሮሊን ሮዝ ገሊጻ።
እቲ ካልእ ጸገም ከምቲ ሚስተር ኣል ረይስ ዝጠቐሶ ፋይናንሳዊ ጸገም እዩ። ከምቲ ንሱ ዝብሎ "ሶርያውያን እቲ ገንዘብ የድልዮም'ዩ።"
ተስፋኡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሰብኣዊ ሓገዝን ምቅላል እገዳታትን ሰባት ናብ ንግዲ ዕጸፋርስ ከይኣትዉ ክሕግዝ እዩ።
ሚስ ሮዝ ግን እቶም ሓደስቲ መራሕቲ "ሶርያውያን ኣብቲ ሕጋዊ ወግዓዊ ቍጠባ ንኽሳተፉ ንምትብባዕ ሓደስቲን ኣማራጺን ቍጠባዊ መንገድታት" ከለልዩ ከድልዮም'ዩ ትብል።