ናሳ፡ ድሕሪ 54 ዓመታት ሰባት ናብ ወርሒ ክሰድድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
ናሳ ድሕሪ 1972 ንፈለማ እዋን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ደቂ-ሰብ ናብ ዙርያ ወርሒ ክሰድድ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ 'ኣርተሚስ II' ዝተሰምየ ተልእኾ፡ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓባይ ኤስኤልኤስ ሮኬት ኣብ ካፕሱል ኦርዮን ኣስታት 10 መዓልታት ከሕልፉ እዮም። ኣብ ወርሒ ንዝግበር ምዕላብ ደቂ-ሰብ ንመጻኢ መንገዲ ዝጸርግ ከም ዝኸውን ድማ ሓቢሮም።
ኵነታት ኣየር ምቹእ እንተዀይኑ ብ7 መጋቢት ናብ ዙርያ ወርሒ ጕዕዞኦም ክጅምሩ እዮም።
እቶም ተጓዓዝቲ ሰለስተ ኣመሪካውያንን ሓደ ካናዳውን ኰይኖም፡ ሪድ ዋይዝማን፡ ቪክቶር ግሎቨር፡ ክርስቲና ኮች፡ ከምኡ'ውን ካናዳዊ ጀረሚ ሃንሰን ይበሃሉ።
ውሽጢ ናይታ መንኮርኰር ክንዲ ዓቐን ሓንቲ ሚኒባስ ኰይኑ፡ ኣርባዕተኦም ተልእኾኦም ክሳዕ ዝውድኡ ኣብኣ ኰይኖም ክበልዑ፡ ክሰርሑን ክድቅሱን እዮም።
ሎሪ ግሌዝ ካብ ናሳ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ምሸታዊ ንወርሒ ቍሊሕ ክብላ ከለኹ ኣዝየ እምሰጥ፣ ትጽውዓና ዘላ ኰይኑ ይስምዓኒ፣ ድልዋት ድማ ኣለና፡" ኢላ።
እታ ናብ ወርሒ እትጓዓዝ ጕጅለ፡ "ክትህነጽ ጀሚራ ኣላ፣ ተመስጦ ድማ ይውስኽ ኣሎ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ተልእኾ ካብ ቅናት መሬት ጀሚሩ ናብ ወርሒ እዩ ከቕንዕ፣ ካብ ኣስታት 6,500 ክሳብ 9,500 ኪሎሜትር ካብ ልዕሊ ምድሪ ብምዃን ንሓያሎ ሰዓታት መጽናዕቲ ከካይዱን ኣሳእል ክወስዱን እዮም።
ድሕሪ ናይ ኣስታት 10 መዓልታት ከኣ ኣብ ፓስፊክ ጕዕዞኦም ክዛዘም እዩ።
እዚ ጕዕዞ ዝካየድ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ዕዉት ልምምዳት ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ፈተነ ብሰንኪ ላሕኲ ሃይድሮጅን ደው ኢሉ ነይሩ እዩ።
ናሳ ነቲ ዝነበረ ጕድለታት ኣሪሙ ድማ ድልው ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ተልእኾ'ዚ፡ ነታ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ንዝዓልቡ ጠፈርተኛታት ዒላማ ዝገበረት ኣርተሚስ ሳልሳይ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ 2028 ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።
ስፔስኤክስ ንኣርተሚስ ሳልሳይ ኣብ ወርሒ ዝዓልብ መንኮርኰር ንምህናጽ ውዕል ተዋሂብዎ እኳ እንተ'ሎ፡ ብምድንጓዩ ግና ናሳ ብዝቐልጠፈ ዝፍጽመሉ ክደሊ ተደሪኹ ኣሎ። ብሉ ኦሪጅን እውን ቅልጡፍ ውጥን ወርሒ ክገብር ይሕተት ኣሎ።
ቻይና ክሳዕ 2030 ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክትዓልብ መደብ ከም ዘለዋ፡ እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ናብ ወርሒ ንምምላስ ዝግበር ዓለማዊ ውድድር ዘጕልሕ እዩ።
ወዲ-ሰብ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዝረገጸሉ ብ20 ሓምለ 1969 እዩ፤ ነይል ኣርምስትሮንግ፡ ሚካኤል ኮሊንስን ኤድዋር ኣልድሪንን ብ16 ሓምለ ካብ መሬት ነቒሎም። እቲ ተልእኾ 'ኣፖሎ 11' ይበሃል።
ኣርምስትሮንግ ፈለማ ንወርሒ ዝረገጸ ክኸውን እንከሎ፡ ኣልድሪን ድማ ስዒቡዎ። ኮሊንስ ግና ኣብ ቅናት ወርሒ ኰይኑ ተጸብዩዎም።
ብድሕሪኡ፡ 'ኣፖሎ 17' ዝተሰምየ ተልእኾ፡ ብ7 ታሕሳስ 1972 ዝነቐለት መንኮርኰር ብ11 ታሕሳስ ኣብ ዙርያ ወርሒ በጺሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







