እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንዓዱ ዝተጠረዘ ሓዱሽ ፖሊስ ብኸመይ ተቐቢሉዎ?
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎገ ኢትዮጵያዊ፡ ብ 500 ፓውንድ ክፍሊት ጥራይ ከምዝተፋነወ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ሓዱሽ ገ/ስላሴ ቅብኣቱ፡ ኣብ ኤፒን - ኤሰክስ - ኣብ ዝርከብ ሆቴል መዕቈቢ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ጓልን ሓንቲ ዓባይ ጓል ኣንስተይትን ጾታዊ ትንኮያ ፈጺሙ ብዝብል ተፈሪዱ'ኳ እንተነበረ፡ ብጌጋ ካብ ቤት ማእሰርቲ ነጻ ወጺኡ ነይሩ።
ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ክትትል ፖሊስ ድማ ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ነፋሪት ተሰቒሉ ንጽባሒቱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝኣተወ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ይሕብር።
ሓዱሽ፡ "ብጉልበት ከምዝተሰጎገን" ናብታ ነፋሪት ብሓሙሽተ ዓጀብቲ ከምዝተሰነየን ምንጭታት ሓቢሮም።
ንሰባት ናብ ሃገሮም ምምላስ ከም መስርሕ ንቡር ኰይኑ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክወጹ ንዝሰማምዑ ወጻእተኛታት ዜጋታት 1500 ፓውንድ እዩ ዝወሃቦም።
"ኣገዲድካ" ዝግበር ምምላስ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክፍሊት ዘጠቓልል ኣይኰነን።
እንተዀነ ነገራት ብዘይ ገለ ጸገም ንኽፍጸሙ ብዝብል እቲ ነቲ ምስጓግ ዘካየደ ጕጅለ ንሓዱሽ ቅሩብ ገንዘብ ክወሃቦ ከምዝወሰነ ይንገር።
ሓዱሽ ብረቡዕ ናብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ቅድሚ ምፍታሑ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ንሓጺር እዋን ተታሒዙ ከምዝነበረ ፖሊስ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ኣሲርካ ንምፅንሑ ዝዀነ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይነበረ" ወሃቢ ቃል ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጃይላን ዓብዱ ገሊጹ።
ሊበራል ዲሞክራትስ እቲ ክፍሊት "ዘሕርቕ" ምዃኑን፡ ሰባት ክቑጥዑ ምዃኖምን ገሊጹ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ሰልፊ ማክስ ዊልኪንሰን፡ "ድሕሪ ብጌጋ ምፍታሑ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ እምነት ስኢኑ፡ ሕጂ ድማ ከምዚ [መፋነወ ገንዘብ ሂቦምዎ] " ክብል ቍጥዐኡ ገሊጹ።
ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝተፈጥረ ቍጥዐ ከምእትርዳእ ሓቢራ።
"ኣቶ ሓዱሽ፡ እዚ ጾታዊ ገበነኛ ከምዝተሰጎገ ምርግጋጸይ ሕጕስቲ እየ። ስለዚ ጐደናታትና ዝያዳ ውሑስ'ዩ" ክትብል ወሲኻ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓዱሽ ካብቲ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ ናብ መዳጎኒ ማእከል ኢሚግሬሽን ክውሰድን ብመሰረት መደብ ምእላይ (ERS) ገበነኛታት ዜጋታት ወጻኢ ክጥረዝን ተሓሲቡ ነይሩ።
ግን ከኣ ብጌጋ ምሉእ ብምሉእ እዩ ተፈቲሑ።
ፖሊስ ኤሰክስ ነቲ ኵነታት ኣብ ዝፈለጠሉ እዋን፡ ሓዱሽ ድማ ንሰባት ሓገዝ ብምሕታት ናብ ለንደን ኣብ እትኸይድ ባቡር ተሰቒሉ ነይሩ።
ሓደ ሰብ ኣብ ጥቓ መደበር ፊንስበርይ ፓርክ ከምዝረኣዮ ንፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ ስዒቡ ድማ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ሰሜን ለንደን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ምኒስተር ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሌክስ ኖሪስ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኵነታት "ክውዳእ ብዝነበሮ መንገዲ ከምዝተዛዘመ" ገሊጹ።
"ጌጋ ከምዝተገብረ ንኣምን፤ ህዝቢ ከም ዝፈልጦ ብሓቂ ብዛዕባ'ዚ ሓሪቕና ኣለና።"
እቲ ፍጻመ ንኸይድገም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጥቡቕ ሓለዋ ክግበርን፡ ከምኡ'ውን ናጻ መርመራ ክግበር ምዃኑን ገሊጹ።
እቲ መርመራ፡ ሓዱሽ ብኸመይ ነጻ ከም ዝወጸን ሰራሕተኛታት እኹል ተመኵሮ፡ ስልጠናን ቴክኖሎጅን ነይርዎም ድዩ ኣይነበሮምን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ።
ኣባል ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ኤፒን ፎረስት፡ ኒል ሃድሰን፡ ንመደብ ቱደይ ቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብሰንኪ ምእላይ ቅብኣቱ "ኣዝዩ ዕረፍቲ ክረክብ'ዩ" ኢሉ።
"ዓድና ኣብ ዜና መሪሕ ዛንታ ክርእያ ዝደሊ ሰብ የለን" ብምባል፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ስደተኛታት ኣብቲ ቅብኣቱ ዝሓድረሉ ዝነበረ ሆቴል ዘ ቤል ከይሓድሩ ንምዕጋት ዘቕረቦ ሕጋዊ ብድሆ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጹ።
"እቶም ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘጋጠሙ ፍጻመታት ብሓቂ ነገራት መሊሶም ናብ ላዕሊ ኣውጺኦምዎም'ዮም" ኢሉ። "እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ተስፋ ዘቝርጽ'ዩ።"
ሓዱሽ ገብረስላሴ ቅብኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተወሲኑሉ ዝነበረ'ዩ።
ምንጭታት ቤትማእሰርቲ ከምዝሓበርዎ፡ ቅድሚ ናብ ሃገሩ ምጥራዙ ኣብ ቀይዲ ንኽጸንሕ ናብ ሓደ ማእከል መዳጐኒ ኢሚግሬሽን ክሰጋገር'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
ብኸመይ ካብ ኢድ ሓለውቱ ከምዝተለቐቐ ንምጽራይ መርመራ ከምዝተጀመረን፡ እቲ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ብዓልመዚ ካብ ስራሑ ደስኪሉ ከምዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ስደተኛ ብ7 ሓምለ ነታ ኣብ ሓደ መንበር ኮፍ ኢላ ዝነበረት ጓል ክስዕማ ከምዝፈተነን፡ ቅሉዕ ጾታዊ ርእይቶታት ከምዝሃባን ኣኽበርቲ ሕጊ ንመጋባእያ ቤትፍርዲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ፡ ብ8 ሓምለ፡ እውን ነታ ጓል ከምዝረኸባ፡ ክስዕማ ከምዝፈተነን ከምዝተንከፋን እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ይጠቅስ። ንሓንቲ ብዛዕባ ስራሕ ክትሕግዞ ዝፈተነት ካልእ ጓልኣንስተይቲ'ውን ጾታዊ ትንኰያ ከምዝፈጸመላ ተኸሲሱ'ዩ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ እቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ በል ሆቴል ሓያል ተቛውሞታት ኣስዒቡ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ መስከረም ብሰለስተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ድማ ን12 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ።
ንሱ 'ኣነ ኣራዊት ኣይኰንኩን' ብምባል፡ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲታት ብምንጻግ፡ ናብ ዓዱ ክምለስ ሕጕስ ምዃኑ ኣብቲ መጋባእያ ምዝራቡ ይዝከር።