እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፖለቲከኛታት ዓዲ እንግሊዝ ዘካትዕ ዘሎ ስደተኛ ሓዱሽ ገ/ስላሴ እንደገና ኣብ ቀይዲ ኣትዩ
ብጌጋ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ስደተኛ፡ ኣብ ሰሜን ለንደን ተረኺቡ፡ ተመሊሱ ናብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ኣፍሊጡ።
ሓዱሽ ገ/ስላሴ ቅብኣቱ፡ ብጌጋ ካብቲ ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍታሑ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ሎሚ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 08፡30 [ጂኤምቲ] ኣብ ከባቢ ፊንስበርይ ፓርክ እዩ ተረኺቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ኤፒንግ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሓተቲ ዕቝባ እናተቐመጠ፡ ኣብቲ ከባቢ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ጓልን ሓንቲ ጓለንስተይትን ጾታዊ ትንኮያ ፈጺሙ፡ ተባሂሉ ዝተፈርደ ሓዱሽ፡ ኣብ ክንዲ ዝጥረዝ ብጌጋ ተፈቲሑ።
ነቲ ስደተኛ ንምርካብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተቘጻጸረ ሲኤምዲ ጄምስ ኮንዎይ፡እቲ ከይዲ ብፍሉይ ምውህሃድ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ከምዝተኻየደ ተዛሪቡ።
"ንሚስተር [ሓድሽ] ኣብ ምድላይ ዝሓገዘ ጻውዒትና ስዒቡ ካብ ህዝቢ ንዝረኸብናዮ ደገፍ ኣዝየ እየ ዘመስግን።"
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት [ግእዝ] ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተኸሰሰ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ፡ ብጌጋ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሑ ስዒቡ፡ ኣብ ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ውዕዉዕ ኣርእስቲ ኰይኑ እዩ ቀንዩ።
ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ሓዱሽ ገብረስላሴ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ጸረ-ስደኛታት ተቓውሞታት ተላዒሉ።
እቲ ጉዳይ ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ካብ ዝፍረዶ ንደሓር ኣዕሪፉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብጌጋ ካብ ማእሰርቲ ካብ ዝፍታሕ ንደሓር ግን እቲ ክትዕ ዳግማይ ደጊሱዎ ኣሎ።
ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብጌጋ ምፍታሕ ሓዱሽ፡ ከም ድኽመት ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ ንምግላጽ ከም መውቅዒ ይጥቀሙሉ ኣለዉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ስታርመር ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ብምኽንያት ምፍታሕ እቲ እሱር ቍጥዐኦም ብምግላጽ፡ ናጻ መርመራ ክካየድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ለውጢ ክግበርን ጸዊዖም።
ኣብ ዝቕጽል መረጻ ንቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር ክብድሁ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኪም ባዴኖክን፡ መራሒ ጽገናዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅን፡ ምፍታሕ ሓዱሽ፡ መንግስታዊ "ድኽመት" ዘመልክት እዩ ክብሉ ነቒፎም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብጌጋ ዝተፈትሐ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ሓዱሽ ገብረስላሴ፡ባዕሉ ኢዱ ክህብ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
ፖሊስ ብቐዳም ከምዝበሎ፡ ሓዱሽ ዓርቢ ምሸት ኣብ ሰሜን ለንደን ዩኒፎርም ቤት ማእሰርቲ ተኸዲኑ ብቤተ መፃሕፍቲ ክሓልፍ ዘርኢ ናይ ጸጥታ ካሜራ ቪድዮ ተመልኪቱ ነይሩ።
ፖሊስ ሜትሮፖሊታን፡ ሓዱሽ ኣብ ዝተራእየሎም ከባቢታት ተወሳኺ መኮንናት'ውን ከምዘዋፈረ ሓቢሩ።
ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ምኒስተር ፍትሕን ዴቪድ ላመይ ሓዱሽ ብኸመይ ከምዝተፈትሐ ንምፅራይ ናፃ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ ኣሎ።
ሓዱሽ ንኽፍታሕ ዝደረኾ ዓይነት ጌጋታት ከይድገም ንምክልኻል፡ ሓድሽ ስርዓት ምቍጽጻር ክግበር እውን ኣዚዙ፤ እዚ ድማ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።
ምኒስተር ፍትሒ ዴቪድ ላመይ፡ እቲ እሱር ንኽፍታሕ ዘጋጠመ ኵነታት፡ "ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።
መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኪም ባዴኖች፡ እቲ እሱር ዘምለጠሉ መገዲ ኣልዒላ፡ ንመወዳድርታ ገዛኢ ሰልፊ ብምውቃስ፡ "ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰልፊ ዕዮ ዘሎ ስርዓት ይፈርስ ኣሎ" ኢላ።
መራሒ ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ኒጀል ፋራጅ ብወገኑ፡ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ብምንቃፍ " ሓዱሽ ሕጂ ኣብ ጎደናታት ኤሰክስ ይንቀሳቐስ ኣሎ፤ ብሪጣንያ ኣብ ጸገም ኣላ፡" ኢሉ።
ሓዱሽ ገብረስላሴ ቅብኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተወሲኑሉ ዝነበረ'ዩ።
ምንጭታት ቤትማእሰርቲ ከምዝሓበርዎ፡ ቅድሚ ናብ ሃገሩ ምጥራዙ ኣብ ቀይዲ ንኽጸንሕ ናብ ሓደ ማእከል ኢሚግሬሽን ክሰጋገር'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
ብኸመይ ካብ ኢድ ሓለውቱ ከምዝተለቐቐ ንምጽራይ መርመራ ከምዝተጀመረን፡ እቲ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ብዓልመዚ ካብ ስራሑ ደስኪሉ ከምዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ስደተኛ ብ7 ሓምለ ነታ ኣብ ሓደ መንበር ኮፍ ኢላ ዝነበረት ጓል ክስዕማ ከምዝፈተነን፡ ቅሉዕ ጾታዊ ርእይቶታት ከምዝሃባን ኣኽበርቲ ሕጊ ንመጋባእያ ቤትፍርዲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ፡ ብ8 ሓምለ፡ እውን ነታ ጓል ከምዝረኸባ፡ ክስዕማ ከምዝፈተነን ከምዝተንከፋን እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ይጠቅስ። ንሓንቲ ብዛዕባ ስራሕ ክትሕግዞ ዝፈተነት ካልእ ጓልኣንስተይቲ'ውን ጾታዊ ትንኰያ ከምዝፈጸመላ ተኸሲሱ'ዩ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ እቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ በል ሆቴል ሓያል ተቛውሞታት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ መስከረም ብሰለስተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ድማ ን12 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ። ብዘይካ'ዚ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ምስ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ከይቀርብን ከይራኸብን ተኣጊዱ።
ኣብ መዝገብ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ ን10 ዓመት ሰፊሩ ክጸንሕ'ውን ቤትፍርዲ ወሲንሉ እዩ።