እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኢትዮጵያዊ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ሓዱሽ ቅብኣቱ፡ ኣብ ፈለማ ሓምለ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ተምሃሪት ብምትንካፉን ክስዕማ ብምፍታኑን እዩ ንሓደ ዓመት ክእሰር ተወሲንሉ ዘሎ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ እቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ በል ሆቴል ሓያል ተቛውሞታት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።
"'ኣቶ ካባቱ፡ ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዲ ክጥረዝ ክቱር ድሌት ከም ዘለዎ፡"ጠበቓኡ ዝዀነት ሞሊ ዲያስ ንቤትፍርዲ ገሊጻ።
ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ማእሰርቱ ምስ ወድአ ናብ ሃገሩ ከሰናብቶ ምዃኑ ኣመልኪቱ'ሎ።
ኣብቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ ብይን፡ እታ ሓጺር ዩኒፎርም ለቢሳ ዝነበረት ተምሃሪት በቲ ዘጋጠማ ኵነታት፡ "ሓሚማን ተጸዪፋን" ከም እትኸውን ዳኛ ቤትፍርዲ ተዛሪቡ።
እታ ግዳይ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፡ "ምስ መሓዙተይ ክወጽእ እንከለኹ፡ ቍሊሕሊሕ እየ ዝብል፡" ትብል።
ኣብ ልዕሊ ሓዱሽ ዝቐረበ ክስታት ክልተ ኰይኑ፡ ነታ ቈልዓ ብምስርጣይ፡ ኣብ ጾታዊ ንጥፈታት ክትዋሳእ ብምዕዳሙን ፈተነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምግባሩን የጠቓልል።
ናብ ብሪጣንያ ብንእሽቶ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ። እቲ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ፡ ብሱዳን ሓሊፉ ናብ ሊብያ ብምእታው፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ኢጣልያ ካብኡ ድማ ናብ ፈረንሳ ብምቕጻል ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ።
ብመሰረት ኣብ 2007 ዝወጽአ ሕጊ እታ ሃገር፡ ሓደ ብገበን ዝኽሰስ ሰብ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡን እንተ ወሓደ ን12 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑን'ዩ ናብ ሃገሩ ክስጐግ ዝኽእል።
ቅብኣቱ፡ ነታ ቈልዓ ክስዕማ ከም ዝፈተነን ብኢዱ ንሰለፋ ከም ዝተንከፈን፡ ከምኡ'ውን እናተዓዘባ ንኻልእ ቈልዓ ክትስዕሞ ከም ዝሓተታን'ዩ ተኸሲሱ።
ጸኒሑ'ውን ንሓንቲ መድለዪ ስራሕ ሰነድ (ሲቪ) ንምድላው ክትድግፎ ዝቐረበቶ ካልእ ብጽሕቲ ጓልኣንስተይቲ'ውን ኢዱ ኣብ ሰለፋ ብምንባር ንዝገበረትሉ ምድንጋጽ ድሌታቱ ንምርዋይ ከም ዝተጠቕመሉ ተኸሲሱ።
እታ ሰብ፡ ቅብኣቱ ነታ ቈልዓን መሓዙታን ክዛረበን ምስርኣየት ንፖሊስ ከም ዝሓበረት ይግለጽ።
ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት መስርሕ ፍርዲ፡ "ኣነ ኣራዊት መዓስ ኰይነ፡" ኢሉ ብትሪ ብምክርኻር፡ "እዚ ዓይነት ተግባራት ክገብር ኣይክእልን እየ፣ እዚ ጸረ-ክርስትና'ዩ - እዚአን ቈልዑ እየን፣ በቃ ንጹሃን ቈልዑ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ዳኛ እቲ ግዝኣት ክሪስቶፈር ዊልያምስ ግን ቅብኣቱ ምስክርነት ምስ ሰምዐ ዝመሃዞ መከላኸሊ እምበር ቅኑዕ እዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ገሊጹ።
ኣብ እዋን ፍርዲ ዝተሰምዐ ምስክርነት፡ ቅብኣቱ ብ7 ሓምለ ነተን ኣዋልድ፡ "ናብ ኣፍሪቃ እንተ ትኸዳ ኣብኡ ንፉዓት ኣንስቲ ምዀንክን፡" ከም ዝበለን ተገሊጹ።
ኣብ ማእከል ከተማ ኤፒን ፒዛ ዝበልዓ ዝነበራ እተን ኣዋልድ፡ ተኸሳሲ ሓዱሽ ቅብኣቱ፡ ናብቲ ዝነብረሉ ሆቴል ክመጽአኦ እውን ዓዲሙወን እዩ።
"ካብ ቦዶ ተላዒሉ፡ 'ካባኺ ሓደ ህጻን፡ ካብ መሓዛኺ ድማ ሓደ ክወልድ' ኢሉኒ፡" ከም ዝበለን እታ ጓል ንፖሊስ ተዛሪባ።
ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ተኸሳሲ፡ ጽብቕቲ ምዃና ክነግራ፡ ንጽባሒቱ ክስዕማ ክፍትንን ኢዱ ኣብ ሰለፋ ክትንክፍን ተራእዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ "ቀዚዘ ተሪፈ" ክትብል ዝሓበረት እታ ጐርዞ፡ "ኣይፋልን፡ ኣነ ጓል 14 ዓመት እየ፡" ከም ዝበለቶ፣ እንተዀነ፡ "ዕድመ ኣገዳሲ ኣይኰነን፡" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃባን ገሊጻ።
"ሽዑ ካብ ውሽጠይ ተሰሚዑኒ። ሓደ እዅል ሰብ ከመይ ኢሉ ንኸምዚ ዝበለ ተግባር ከም ቀሊል ይቘጽሮ?"
"ሰንቢደን ዘይምቹእነት ተሰሚዑኒን፡" ብምባል ንዘጋጠማ ኣብሪሃ።
ቅብኣቱ ነተን ኣዋልድ ካብ ኣፍሪቃ ከም ዝመጽአን፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብጃልባ ንኽሰግር 2,500 ዩሮ ከም ዝኸፈለን ክነግረን ከም ዝተሰምዐ እቲ ቤትፍርዲ ሰሚዑ።
ኣብቲ ፍርዲ፡ ዕለተ ልደቱ ታሕሳስ 1986 ብምባል ወዲ 38 ዓመት ከም ዝዀነ'ኳ እንተ ገለጸ፡ መዛግብቲ ቤትፍርዲ ግን ወዲ 41 ዓመት ምዃኑ ይሕብሩ።
ቅብኣቱ ኣብ ዓዱ "መምህር ስፖርት" ከም ዝነበረ ንዳኛ ብምግላጽ፡ ህጻናት "መጻኢ ጽባሕ፡ ሓድሽ ወለዶ፡" ምዃኖም ገሊጹ።
እንተዀነ፡ እቲ ዳኛ፡ እቲ ተኸሳሲ፡ ነታ ጓል ብ8 ሓምለ፡ ብቕድሚኡ ንኻልእ ቈልዓ ክስዕም ምሕታቱ፡ "ርኡይ [ጾታዊ] ምልዕዓል እዩ፡" ክብል ገሊጹ።